እተቐብረ ነተጕቲ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ምምዛኑ
ብ26 ታሕሳስ 1993 ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣጉስቶ ኣብ ጥቓ ርእሲ ኸተማ ኣንጎላ ዝዀነት ላውንደ ዝርከብ ጎልጎል ብእግሩ ዘወን ይብል ነበረ። ሃንደበት ብልጭልጭ እትብል ነገር ኣብ ምድሪ ወዲቓ ረኣየ። ተሃንጥዩ ድማ ከልዕላ ደለየ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ስጕምቱ ግን እተቐብረ ነታጒ ረገጸ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣጉስቶ የማነይቲ እግሩ ተቘርጸት። ሕጂ ወዲ 12 ዓመት ኢዩ: ዝበዝሕ ግዜ ብሽግለታ ስንኩላን ኢዩ ዝጥቀም: ዓይነ-ስዉር ድማ ኢዩ።
ኣጉስቶ ብጸረ-ሰብ ነታጒ ኢዩ ሰንኪሉ። እዚ ዓይነት ነታጒ እዚ ንታንኪ ወይ ንኻልእ ወተሃደራዊ ተሽከርካሪ ተባሂሉ ዘይኰነስ ንሰብ ተባሂሉ እተዳለወ ስለ ዝዀነ ኢዩ ጸረ-ሰብ ተባሂሉ ተጸዊዑ። ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 350 ዓይነት ጸረ-ሰብ ነተጕቲ እንተወሓደ ኣብ 50 ሃገራት ይፈሪ ኣሎ። ዝበዝሕ ካብዚ ኸኣ ንኽቐትል ዘይኰነስ ኣቝሲሉ ጥራይ ንኽገድፈካ ተባሂሉ እተዳለወ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ዝቘሰሉ ወተሃደራት ሓገዝ የድልዮም ኢዩ: እዚ ኸኣ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ከም ዝደናጐ ዝገብር ኢዩ: ጸላእቲ ድማ ቀንዲ ዕላምኦም ነቲ ስርሒታት ንምድንጓይ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ዝቘሰሉ ወተሃደራት ብስቓይ ከእውዩ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ክጃጅዉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ነተጕቲ ዝያዳ ዕላምኡ ዝወቅዕ እቶም ግዳያት ቈሲሎም ጥራይ—ቀሊል መቝሰልቲ እውን ይኹን—ክድሕኑ ከለዉ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ሰላማውያን ሰባት ድኣ እምበር ወተሃደራት ኣይኰኑን። እዚ ኸኣ ኵሉ ግዜ ብኣጋጣሚ ዝኸውን ነገር ኣይኰነን። ብመሰረት እታ ቕቡር ነተጕቲ—ቀዛፊ ውርሻ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝበለቶ ገለ ነተጕቲ “ነቲ ቦታ ካብ ሰባት ናጻ ንምግባር: ነቲ ናይ መግቢ ቀረብ ንምዕናው: ስደተኛታት ከም ዝበዝሑ ንምግባር: ወይ ራዕዲ ንምፍጣር ደይመደይ ተባሂሉ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘተኰረ ኢዩ።”
ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: ኣብቲ ናይ ካምቦድያ ግጭት ኣብ ዙርያ ናይቲ ተጻባኢ ሓይሊ ዝነበሮ ዓድታት ነተጕቲ ተቐብረ: ድሕርዚ እተን ዓድታት ብመዳፍዕ ተደብደባ። እቶም ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ክሃድሙ ክብሉ ናብቲ ነተጕቲ እተቐብሮ ቦታታት ኣተዉ። ኣባላት ኪመር ሩዥ ነቲ መንግስቲ ኣብ መኣዲ ዘተ ከም ዝቐርብ ንምግባር ነቲ ናይ ሩዝ ሕርሻ ብምልኡ ነተጕቲ ቀበሩሉ: እዚ ኸኣ ነቶም ሓረስቶት ፈሪሆም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ሕርሽኦም ከም ዘቋርጹ ገበሮም።
እቲ ኣብ ሶማልያ ኣብ 1988 እተገብረ ድማ ዝኸፍአ ኣረሜናዊ ተግባር ኢዩ ነይሩ። ሃርጌሳ ብቦምብ ምስ ተደብደበት ተቐማጦ እታ ዓዲ ንኽሃድሙ ተገደዱ። ወተሃደራት ድማ ኣብቲ ጥርሑ ዝነበረ ገዛውቲ ነተጕቲ ቀበሩ። እቲ ኲናት ምስ ኣብቀዐ እቶም ስደተኛታት ተመልሱ: እቲ ዝነበሮም እንኮ ዕድል ድማ በቲ ተቐቢሩ ዝነበረ ተተኰስቲ ሙማት ወይ ምስንካል ኰነ።
እንተዀነ ግን: ነተጕቲ ከም እትቕተል ወይ ከም እትስንክል ዝገብር ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ሳዕቤን እውን ኣለዎ። እዚ ኣረሜናዊ ኣጽዋር እዚ ዘስዕቦ ካልእ ነገራት እስከ ርአ።
ቍጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤን
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናን ከምዚ በለ:- “ኣብ ሓደ ግራት ሓንቲ ነታጒት ምህላዋ ወይ እውን ከይትህሉ ኢልካ ምስጋእ ጥራይ ንብምልኡ እቲ ግራት ከም ዘይሕረስ ይገብሮ: ኵሉ እቶት ናይቲ ዓዲ ይጠፍእ: እታ ሃገር ናብ ዳግመ ህንጻን ዕቤትን ንእትገብሮ ጕዕዞ ድማ ዝዕንቅጽ ኢዩ።” ስለዚ ኸኣ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ካምቦድያን ሓረስቶት ናይ ነተጕቲ ፍርሂ እንተዘይህልዎም ነይሩ ካልእ ተወሳኺ 35 ሚእታዊት መሬት ንሕርሻ ምወዓለ ነይሩ። ገሊኦም ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ናብ ሕርሽኦም ይወፍሩ። ሓደ ወዲ ካምቦድያ ሓረስታይ “ነተጕቲ ከይህሉ እሰግእ እኳ እንተዀንኩ ሳዕርን ኣርቃይን ከምጽእ እንተዘይወፊረ ግን ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና” በለ።
ዝበዝሕ ግዜ እቶም እተቐብረ ነተጕቲ ረጊጾም ከይሞቱ ዝድሕኑ ሰባት ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ኢዩ ዘጋጥሞም። ንኣብነት: ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ሓደ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎ እግሩ እተቘርጸ ቈልዓ ብህይወቱ ክሳዕ ዘሎ 15 ዝኸውን ሰብ ዝሰርሖ መሓውር የድልዮ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሰርሖ መሓውር ድማ ብገምጋም 125 ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእ ኢዩ። እዚ ንብዙሓት ክቡር ኰይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንመብዛሕትኦም ተቐማጦ ኣንጎላ 125 ዶላር ኣመሪካ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ደሞዝ ኢዩ!
እቲ ዘስዕቦ ኣዝዩ ዘሕዝን ማሕበራዊ ቅልውላው እውን ሕሰቦ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር ዘለዉ ሰባት “ሕማቕ ዕድል” ከየጋጥሞም ብምፍራህ ምስቶም መሓውሮም እተቘርጸ ሰባት ኣይቀራረቡን ኢዮም። ነቶም መሓውሮም እተቈርጸ ሰባት ሓዳር ምግባር ሃረር ኢሎም ከይረኸብዎ ዝተርፉ ነገር ኢዩ ዝኸውን። ሓደ ብነታጒ ምስ ቈሰለ እግሩ እተቘርጸ ኣንጎላዊ ከምዚ ብምባል ጓሂኡ ይገልጽ:- “ክምርዖ መደብ የብለይን። ሰበይቲ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብኣይ ኢያ እትደሊ።”
ብዙሓት ግዳያት ንገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ንታሕቲ ከም ዝዀነት ገይሮም ስለ ዝርእይዋ ይሳቐዩ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ሓደ ወዲ ካምቦድያ “ድሕሪ ደጊም ስድራይ ናይ ምቕላብ ዓቕሚ የብለይን: እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኢዩ ዘሕፍረኒ” በለ። ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ካብቲ መሓውር ብምስኣንካ ዝፍጠር ስምዒት ዝኸፍእ ኢዩ። ሓደ ኣብ ሞዛምቢክ ዘሎ ኣርቱር እተባህለ ግዳይ እተቐብረ ነታጒ ከምዚ በለ:- “ካብቲ ዝወረደኒ ማህሰይቲ እቲ ዝኸፍአ እቲ ዘጋጠመኒ ስምዒታዊ ጸገም ኢዩ። ካልእ ሰብ ስለ ዝጠመተኒ ጥራይ ስቕ ኢለ እሓርቕ። ደጊም ዘኽብረኒ ሰብ ዘሎ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ ደሓን ዝዀነ ህይወት ዘሕልፍ ኰይኑ ፈጺሙ ኣይስምዓንን።”a
ምጽራይ እተቐብረ ነተጕቲኸ፧
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ሃገራት ነተጕቲ ክእግዳ ንምትብባዕ ብርቱዕ ጻዕሪ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ገለ መንግስታት ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስራሕ ማለት ምጽራይ እተቐብረ ነተጕቲ ጀሚረናኦ ኢየን። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣሎ። ሓደ ካብኡ ንኸተጽርዮ ዝወስዶ ግዜ ኢዩ። ምውጻእ እተቐብረ ነታጒ ቀስ ኢልካ ዝግበር ስራሕ ኢዩ። አረ እቶም እተቐብረ ነተጕቲ ዘውጽኡ ሰባትሲ ሓንቲ እተቐብረት ነታጒት ንምውጻእ ዝወስደልካ ግዜ ሚእቲ ዕጽፊ ናይቲ ንምቕባራ ዝወስደልካ ግዜ ምዃኑ ኢዮም ዝግምቱ። ካልእ ዕንቅፋት ድማ ዘድልዮ ወጻኢታት ኢዩ። ሓንቲ ነታጒት ዋግኣ ካብ 3 ክሳዕ 15 ዶላር ኣመሪካ ኢዩ: ካብቲ እተቐብረትሉ ንኸተውጽኣ ግን ክሳዕ 1,000 ዶላር ኣመሪካ ኢዩ ዝበጽሕ።
ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ነተጕቲ ምጽራይ ዝበሃል ሓሳብ ዘይመስል ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ካምቦድያ ዘሎ ኵሉ እተቐብረ ነተጕቲ ንምጽራይ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣታዊኡ ብምሉኡ ናብኡ ከውዕሎ ኣለዎ። ገንዘብ እንተሎ እውን ከይተረፈ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ እተቐብረ ነተጕቲ ንምጽራይ ሓደ ዘመን ከም ዝወስድ ኢዩ ዝግመት። ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ነተጕቲ ምጽራይ ዝብል ከኣ እሞ ዝያዳ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ። በዚ ሕጂ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ንፕላኔትና ካብ ነተጕቲ ንምጽራይ 33 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ የድሊ: ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ድማ ይወስድ!
ንጽንጽያ ኣብ ጅኖም ምትዕርራይ ገይርካ ተተኰስቲ ከም ዘጽርዩ ካብ ምግባር ኣትሒዝካ ክሳዕ ብሬድዮ እትቈጻጸረን ማካይን ዝግበር ምጽራይ ዝኣመሰለ ኣብ ሰዓት ክልተ ሄክታር ዝኣክል ቦታ ዘጽሪ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ይተኣታቶ ከም ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባባት ብሰፊሑ ኣብ ግብሪ ክሳዕ ዝውዕል ግዜ ዝወስድ ኢዩ: እተን ሃብታማት ሃገራት ጥራይ ከኣ ኢየን ክረኽብኦ ዝኽእላ።
ስለዚ ኸኣ ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ምጽራይ እተቐብረ ነተጕቲ ብድሑር ኣገባብ ኢዩ ዝግበር። ሓደ ሰብ ብኸብዱ እናተፋሓዀ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መሬት በብሓደ ሰንቲ ሜተር ብበትሪ ይፍትሽ: ኣብ መዓልቲ ድማ ካብ 20 ክሳዕ 50 ትርብዒት ሜትሮ የጽሪ። እዚ ኣገባብ እዚ ሓደገኛ ድዩ፧ እወ: ሓደገኛ ኢዩ! ሓሙሽተ ሽሕ ዝኸውን እተቐብረ ነተጕቲ ክወጽእ ከሎ: ሓደ ካብቶም ዘውጽኡ ይመውት: ክልተ ኸኣ ይቘስሉ።
ኣንጻር ነተጕቲ ሕብረት ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ
ኣብ ታሕሳስ 1997 ተወከልቲ ብዙሓት ሃገራት ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምጥቃም: ምኽዛን: ምፍራይን ናብ ካልእ ምትሕልላፍን ክእግዳ ከምኡውን ከጥፍኣ “ውዕል ኦታዋ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ፈረሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ዣን ክሬቲን “እዚ ኣብ ዓለምለኻዊ ምጕዳል ኣጽዋር ይኹን ኣብ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ መዘና ወይ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዓወት ኢዩ” በለ።b ገና ግን ንገለ ካብተን ቀንዲ ኣፍረይቲ ነተጕቲ ሃገራት ወሲኽካ ነቲ ውዕል ዘይፈረማሉ ዳርጋ 60 ዝዀና ሃገራት ኣለዋ።
“ውዕል ኦታዋ” ነቲ ብእተቐብረ ነተጕቲ ዝወርድ መቕዘፍቲ ኣብ ምውጋድ ይዕወትዶ ይኸውን፧ ምናልባት ብመጠኑ ይዕወት ይኸውን። ብዙሓት ግን ብዛዕባ እዚ ስክፍታታት ኣለዎም። ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ “ዓለምለኻዊ ስንክልና” ዝበሃል ትካል ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ክሎድ ሲሞኖ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዓለም ዘለዋ ኵለን ሃገራት ንትግባረ ኦታዋ እንተዝሰርሓ እውን ከይተረፈ: ኣብቲ ነዛ ፕላኔት እዚኣ ካብ ኵሉ ስግኣት ነተጕቲ ንምጽራይ ዝግበር መስርሕ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ጥራይ ኢዩ።” ስለምንታይ፧ ሲሞኖ “ግዳያት ክሳዕ ዝረክብ ስቕ ኢሉ ዝጽበ ዘሎ ብሚልዮናት ዝቝጸር እተቐብረ ነተጕቲ ኣሎ” ብምባል ይገልጽ።
ጆን ኬጋን እተባህለ ወተሃደራዊ ጸሓፍ ታሪኽ ካልእ ረቛሒ ይጠቅስ። ኲናት “ኣብቲ ትዕቢት ዝዕምብበሉ: ስምዒት ዝዕብልለሉ: ዝንባለ ዝነግሰሉ . . . ኣዝዩ ሕቡእ ዝዀነ ክፍሊ ሰብኣዊ ልቢ ኢዩ ዝበቍል” ይብል። ነዚ ከም ጽልእን ስስዐን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ሰብኣዊ ባህርይ: ውዕላት ምግባር ክቕይሮ ኣይክእልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሰባት ኰይኑዎም ግዳያት እተቐብረ ነተጕቲ እናዀኑ ክቕጽሉ ኢዮም ማለት ድዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ምቝራጽ መሓውር ምስ ዘጋጥመካ ብኸመይ ብዓወት ክትዋጽኣሉ ከም እትኽእል ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ኣብ ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ 1999 ሕታም ንቕሑ! ኣብ ገጽ 3-10 ኣብ ትሕቲ “ንስንኩላን ዝኸውን ተስፋ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ርአ።
b እቲ ውዕል ኣብ 1 መጋቢት 1999 ጸደቐ። ክሳዕ 6 ጥሪ 2000 ድማ 137 ሃገራት ክፍርማሉ ኸለዋ: 90 ካብኣተን ተግቢረናኦ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ክልተ መኽሰብ ድዩ፧
ኩባንያታት ምህርተን ገለ ጕድኣት ምስ ዘስዕብ ክኽሕሳ ሓደ ካብቲ ኣብ ንግዲ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ካብ “ጕጅለ ኣማኸርቲ ነተጕቲ” ዝዀነ ሉ ማግራት እተን ነተጕቲ ብምፍራይ መኽሰብ ዝረኽባ ኩባንያታት ካሕሳ ክኸፍላ ክግደዳ ኣለወን ብምባል ዝጣበቕ። እቲ ነገር ኮር ተገልበጥ ኰይኑ ግን: መብዛሕትአን እተን ነተጕቲ ዘፍርያ ኩባንያታት ነቲ እተቐብረ ነተጕቲ ኣብ ምውጻእ እውን መኽሰብ ይረኽባ ኢየን። ንኣብነት: ሓንቲ ቅድም ነተጕቲ እተፍሪ ዝነበረ ናይ ጀርመን ኩባንያ ነቲ ኣብ ኩዌት ተቐቢሩ ዘሎ ነተጕቲ ንምውጻእ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ውዕል ተፈራሪማ ኸም ዘላ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብ ሞዛምቢክ ድማ ኣብ ቀንዲ መገድታት ጥራይ ተቐቢሩ ዘሎ ነተጕቲ ንምጽራይ ሰለስተ ኩባንያታት ብሓባር ናይ 7.5 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ውዕል ፈሪመን ኣለዋ: ክልተ ካብዚኣተን ነተጕቲ ዘፍርያ ዝነበራ ኢየን።
ገሊኣቶም እተን ነተጕቲ ዘፍርያ ኩባንያታት ነቲ እተቐብረ ንምውጻእ ገንዘብ ክሓታ ፈጺሙ ካብ ስነ-ምግባር ዝረሓቐ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ስለዚ ኸኣ እቶም ነተጕቲ ዝመሃዙ ክልተ መኽሰብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝሕበር። እቲ ዀይኑ እቲ ግን: ምፍራይ ይኹን ምጽራግ ነተጕቲ ሓደ ካብቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንግዲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ኣብተን ነተጕቲ ብብዝሒ ተቐቢሩወን ዝርከባ ሃገራት ኣብ 2.5 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዘሎ ገምጋም ቝጽሪ ነተጕቲ
ቦዝንያ ሄርዞጎቪና 152
ካምቦድያ 143
ክሮኤሽያ 137
ግብጺ 60
ዒራቕ 59
ኣፍጋኒስታን 40
ኣንጎላ 31
ኢራን 25
ሩዋንዳ 25
[ምንጪ ስእሊ]
ምንጪ:- ክፍሊ ሰብኣዊ ጕዳያት ሕቡራት ሃገራት: 1996
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ህላወ እተቐብረ ነተጕቲ ዝሕብር ኣብ ካምቦድያ ዘሎ ስእልን ምልክትን
ሓሙሽተ ሽሕ ዝኸውን እተቐብረ ነተጕቲ ክወጽእ ከሎ: ሓደ ካብቶም ዘውጽኡ ይመውት: ክልተ ኸኣ ይቘስሉ
[ምንጪ ስእሊ]
Background: © ICRC/Paul Grabhorn
© ICRC/Till Mayer
© ICRC/Philippe Dutoit