ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/1 ገጽ 20-21
  • እተቐብረ ነተጕቲ ዘይብላ ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተቐብረ ነተጕቲ ዘይብላ ምድሪ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰላማዊ ዝዀነ ሕብረተሰብ ምምስራት
  • እተቐብረ ነተጕቲ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ምምዛኑ
    ንቕሑ!—2001
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሞት—ሕቶ ሓንቲ ስጕሚ
    ንቕሑ!—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/1 ገጽ 20-21

እተቐብረ ነተጕቲ ዘይብላ ምድሪ

ነዚ ናይ ነተጕቲ ግድል መን ኢዩ ክፈትሖ ዝኽእል፧ ከምቲ ዝረኣናዮ ዝግበር ሰብኣዊ ጻዕሪ ንጽልኢ: ድርቅና: ከምኡውን ስስዐ ከልግሶ ኣይክእልን ኢዩ። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ፈጣሪ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ይግንዘቡ ኢዮም። ብኸመይከ ኢዩ ዝገብሮ፧

ሰላማዊ ዝዀነ ሕብረተሰብ ምምስራት

ኲናት ዝኸፍት ኣጽዋር ዘይኰነስ ሰብ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ሰላም ክመጽእ እንተ​ድኣ ዀይኑ ነቲ ንደቅ​ሰብ ኣብ ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ሃገራዊ ጕጅለታት ከፋፊልዎም ዘሎ ጽልኢ ክለግስ ኣለዎ። ኣምላኽ በታ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምእንታኣ ክጽልዩ ተነጊርዎም ዘሎ መንግስቱ ገይሩ ከምዚ ከም ዝገብር መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠9, 10

መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ “ኣምላኽ ሰላም” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 15:⁠33) እቲ ኣምላኽ ዘምጽኦ ሰላም ኣብ እገዳታትን ውዕላትን እተመስረተ ወይ እውን ክሳብ ኣፍንጭኣ ኣጽዋር እተዓጥቀት ሃገር ከይተጥቅዓካ ኣብ ምፍራህ እተመስረተ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ሰላም ነቲ ሰባት ዘለዎም ኣተሓሳስባን ብዛዕባ ካልኦት ዘለዎም ኣመለኻኽታን ምቕያር ዘጠቓለለ ኢዩ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ትሑታት በቲ ናይ ሰላም መገድታቱ ይምህሮም ኢዩ። (መዝሙር 25:⁠9) ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ይብል። (ኢሳይያስ 54:⁠13) እዚ ብመጠኑ ድሮ ይትግበር ኢዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንጎ እቶም መበቈሎም እተፈላለዩ ሰባት እውን ከይተረፈ ሰላም ብምፍጣር ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። እቶም ክብ ዝበለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃሩ ሰባት: ዝፍጠር መፈላለዪ ነገራት ብዘየገድስ ብሕብረት ክነብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝነበሮም ናይ ጽልኢ ኣረኣእያ ናብ ፍቕሪ ቀይርዎ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 13:⁠4-8

ኣጽዋር ኣብ ምውጋድ ብዘይ​ካ ትምህርቲ: ዓለምለኻዊ ምትሕብባር እውን ከም ቀንዲ ረቛሒ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ። ንኣብነት: ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ነቲ ነተጕቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣት ንምእላይ ብሓባር ኰይኑ ዝከላኸልን ንእተፈጥረ ጸገም ዘሕውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክፍጠር ከም ዘለዎ ሓሳብ የቕርብ።

የሆዋ ግን ካብዚ ንላዕሊ ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ነብዪ ዳንኤል ‘ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ: ንዅለን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እትጭፍልቐንን እተጥፍአንን መንግስቲ ንዘለኣለም ከቕውም’ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገራት ክትዓምም ኢያ። ንኣብነት: መዝሙር 46:⁠9 ብትንቢት “[የሆዋ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ” ብምባል ገሊጻ ኣላ። መንግስቲ ኣምላኽ ሰባት ምስ ፈጣሪኦምን ብጾቶምን ናይ ሓቂ ሰላም ከስተማቕርሉ ዝኽእሉ ሃዋህው ክትፈጥር ኢያ።​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ጸፎንያስ 3:⁠9፣ ራእይ 21:⁠3, 4፣ 22:⁠2

ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዝነበረ ኣጉስቶ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ተጸናኒዑ ኢዩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዱ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ድንቂ ተስፋ እምነት ንኽገብር ይሕግዝዎ ኣለዉ። (ማርቆስ 3:⁠1-5) ሕጂ ንኸቢድ ሳዕቤናት ናይቲ ብሰንኪ ነተጕቲ ዝወረዶ ስንክልና ክጽመሞ ከም ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣጉስቶ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ንኽገብራ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጸም ከሎ ክርኢ ሃንቀው ኢሉ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ነብዪ ኢሳይያስ “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ . . . ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር” ምዃኑ ተነብዩ ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠5, 6

ኣብታ መጻኢት ገነት ነተጕቲ ንህይወት ይኹን ንመሓውር ዘስግእ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ዘለዉ ሰባት ሃዲኦም ክነብሩ ኢዮም። ነብዪ ሚክያስ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”​—⁠ሚክያስ 4:⁠4

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ተገሊጹ ዘሎ መብጽዓታት ኣምላኽ ክትማሃር ትደሊዶ ኢኻ፧ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ ወይ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻ ናብ ዝጥዕመካ ጸሓፍ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ስግኣት እተቐብረ ነተጕቲ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ