ፕሮፓጋንዳ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ
“ሓቂ ሳእኑ ክሳዕ ዝወዲ ሓሶት ክሳዕ ፍርቂ ዓለም ክውንጨፍ ይኽእል ኢዩ።”— ማርክ ትወይን እተዛረቦ ዝበሃል
ሓንቲ መምህር ንወዲ ሸውዓተ ዓመት ተማሃራያ “ኣታ ሕሱር ኣይሁዳዊ!” ኢላ ኣዋሪዳ ጸፍዓቶ። ድሕርዚ ነቶም ኣብቲ ክፍሊ ዝነበሩ ተማሃሮ ተሰሪዖም ኣብ ገጹ ጡፍ ክብልሉ ኣተባብዓቶም።
ወለዱ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ከም ዘይኰኑ እታ መምህር ትኹን እቲ ዘመዳ ዝዀነ ተማሃራይ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ብእምነት ደረጃ እውን እንተዀነ ኣይሁዳውያን ኣይነበሩን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም። እታ መምህር ነቲ ኣንጻር ኣይሁድ ገኒኑ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ዝንባለ ተጠቒማ ተማሃራያ ከም ዝጽላእ ገበረት። ነታ መምህርን ተማሃሮኣን ቀሾም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዩፋት ከም ዝዀኑ ገይሩ ንዓመታት ዝኣክል ክነግሮም ጸኒሑ ኢዩ። ወለዲ እቲ ቘልዓ ኮሚኒስታውያን ከምኡውን ወኪላት ሲ.ኣይ.ኤ. (ሰንትራል ኢንተሊጀንስ ኤጀንሲ) ተባሂሎም ኢዮም። ስለዚ መማህርቲ እቲ ቘልዓ ኣብ ገጽ ሓደ “ሕሱር ኣይሁዳዊ” ጡፍ ክብሉ እናተሃንጠዩ ተሰርዑ።
እቲ ቘልዓ ካብ ሞት ድሒኑ ነዚ ታሪኽ እዚ ከዘንቱ በቕዐ። እቶም 60 ዓመታት ይገብር ኣብ ጀርመንን ከባቢኣን ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ ግን እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣይረኸቡን። ነዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ኣብቲ ብናዚ እተዳለወ እሱራት ብጋዝ ተዓፊኖም ዝቕተልሉ ክፍልታትን መዳጐኒ ደምበታትን ንምቕንጻል ሕሱም ፕሮፓጋንዳ ከም መሳርሒ የገልግል ነበረ። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ: ዓሚቝ: ከይመርመርካ ዝግበር: ጭከና ዝመልኦ ንኣይሁድ ናይ ምጽናት ጸረ-ሴማዊ ተግባር ግቡእ ጥራይ ዘይኰነስ ፍትሓዊ ከም ዝዀነ ገይሮም ክርእይዎ ተደሪኾም ኢዮም። በዚ መዳይ እዚ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ጃምላዊ ቕትለት ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።
እወ: ፕሮፓጋንዳ ብጋህዲ ከም ስዋስቲካ ዝኣመሰለ ናይ ጽልኢ ኣርማታት ብምጥቃም ወይ ከኣ ብርቕቕ ዝበለ መገዲ ኣሉታዊ ዋዛ ብምውዛይ ክዝርጋሕ ይኽእል ኢዩ። ውልቀ-መለኽቲ: ፖለቲከኛታት: ኣቕሽሽቲ: ሬክላም ዘዳልዉ ሰባት: ነጋዶ: ጋዜጠኛታት: ኣብ ሬድዮ ወይ ተለቪዥን እተፈላለየ ፕሮግራም ዘቕርቡ ሰባት: ተንተንቲ: ከምኡውን ኣተሓሳስባን ባህርያትን ክቐርጹ ዝብህጉ ካልኦት ሰባት ነቲ ውዲት ዝመልኦ ሜላታት ፕሮፓጋንዳ ወትሩ ኢዮም ዝጥቀምሉ።
ርግጽ ኢዩ: ናይ ፕሮፓጋንዳ መልእኽትታት ከም መስተ ሰቲኻ ምዝዋር ንምቕናስ ተባሂሉ ዝግበር ወፈራታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ሸቶታትን ንምውቃዕ ክዝርጋሕ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ንኡሳን ቀቢላታት ወይ ሃይማኖታት ጽልኢ ንምሕዳር ወይ ከኣ ሰባት ሽጋራ ንኽዕድጉ ንምስዳዕ ተባሂሉ እውን ክዝውተር ይኽእል ኢዩ። ኣንቶኒ ፕራትካነስን ኤሊት ኣርኖሰንን እተባህሉ ተመራመርቲ ከምዚ ብምባል ገለጹ:- “ኵሉ መዓልቲ ኣብ ርእሲ ርእሲ ብዝመጽእ ዘስድዕ ሓበሬታታት ኢና እንድብደብ። እዚ መስድዒታት እዚ ሓሳብ ንሓሳብ እናተለዋወጥካ ብዝግበር ዘተን ክትዕን ዘይኰነስ ንኣርማታትን ነቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ ስምዒታትናን ተጠቒሙ ኢዩ ዘስድዕ። ንጥቕሚ ድዩ ንጕድኣት ብዘየገድስ ዘሎናዮ እዋን መዋእል ፕሮፓጋንዳ ኢዩ።”
ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት: ፕሮፓጋንዳ ኣተሓሳስባ ሰባትን ተግባራቶምን ንምቕያር እተዘውተረ ብኸመይ ኢዩ፧ ገዛእ ርእስኻ ካብ ሓደገኛ ዝዀነ ፕሮፓጋንዳ ንኸተዕቝባ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጠቓሚ ሓበሬታ ክርከበሉ ዝኽእል ምንጪ ኣሎዶ፧ እዝን ካልእ ሕቶታትን ኣብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ክንመያየጠሉ ኢና።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ንኣይሁድ ግዳያት እቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ንምግባሮም ፕሮፓጋንዳ ይዝውተር ነበረ