ሓዘን ክግለጽ ኣለዎዶ ኢዩ፧
ዶክተር ኤሊዛቤት ኲዩብለር-ሮስ ኣብታ ኦን ቺልድረን ኤንድ ዴዝ ዘርእስታ መጽሓፋ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለት:- “ብዙሓት በጽሕታት ብንእሽቶኦም ዘጋጠሞም ሓዘን ስለ ዘይወጸሎም ይሳቐዩ ኢዮም። ስለዚ ቘልዑ ምስ ዝበኽዩ በኻዪ: ጓልጓሎ: ወይ ከኣ ብምንሻው ‘ሰብኣይ ኣይበክን ኢዩ’ ክበሃሉ የብሎምን።”
እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ስምዒትካ ፈጺሙ ክግለጽ የብሉን ዝብልዎ ኣረኣእያ ዝጻረር ኢዩ።
ተመክሮ ናይ ሓደ ፈጻሚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ
እቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ፈጻሚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዀይኑ ዝዓዪ ሮበርት ጋለገር ምስ ንቕሑ! ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ነዚ እተፈላለየ ኣረኣእያታት እዚ ገሊጽዎ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣብ ኣመሪካ እተወልዱ ውልቀ-ሰባትን ካብ ሃገራት ላቲን ዝመጹ ስደተኛታትን ኣብ ኣገላልጻ ሓዘኖም እተዓዘቦ ፍልልይ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ምስ ተሓተተ ከምዚ በለ:-
“ብርግጽ ፍልልይ ኣሎ። ነዚ ዕዮ እዚ ብ1950ታት ክጅምሮ ኸለኹ ኣብዚ ኸባቢ ብዙሓት ፈለማ ዝመጹ ኢጣልያውያን ስድራቤታት ነይሮም። እዚኣቶም ስምዒቶም ብግሁድ ዝገልጹ ሰባት ኢዮም። ሕጂ ዘለዉ ደቆምን ደቂ ደቆምን ግን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ከሎ ከምቲ ናይ ወለዶም ስምዒት ኣየርእዩን: ስምዒቶም እውን ብግሁድ ኣይገልጹን ኢዮም።”
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እብራውያን ሓዘኖምን ስምዒቶምን ይገልጹ ነይሮም ኢዮም። ያእቆብ: ዮሴፍ ወዱ ብሕሱም ኣራዊት ከም እተበልዐ ምስ ፈለጠ እንታይ ከም እተሰምዖ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዐጥቀ: ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ። ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ አበየ: ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ: ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።” (ዘፍጥረት 37:34, 35 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ያእቆብ ንወዱ ኽበኽየሉ ኣየሕፈሮን።
እተፈላለየ ባህሊ እተፈላለየ ኣገላልጻ ስምዒት
ርግጽ ኢዩ እተፈላለየ ባህልታት ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት: ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ናይጀርያ ስድራቤታት ብዙሓት ቈልዑ እኳ እንተ ሃለዉወን: ብሰንኪ እተፈላለየ ሕማም ብዙሓት ቈልዑ ይሞቱ ኢዮም። ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ 20 ዓመታት ዝገበረ ጸሓፊ “ውላድ ክመውት ከሎ: ብፍላይ በዅሪ እሞ ኸኣ ወዲ ምስ ዝኸውን ብዙሕ ይሕዘነሉ ኢዩ” በለ። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝግበር ሓዘን ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎ ሓጺርን ከቢድን ብምዃኑ ኢዩ። ንኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ኣይጸንሕን ኢዩ።”
ኣብ ሜዲተራንያን ወይ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝነብሩ ሰባት ስምዒትካ ብግሁድ ምግላጽ ከም ንቡር ገይርካ ኣብ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ኢዮም ዓብዮም። ሓጐሶምን ሓዘኖምን ብግሁድ ኢዮም ዝገልጹ። ሰላምታ ኽህቡ ኸለዉ ብኢድ ምጭብባጥ ጥራይ ዘይኰነስ ይተሓቛቘፉ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ሓዘኖም እውን ከይሓብኡ ብንብዓትን መልቀስን ኢዮም ዝገልጽዎ።
ካተሪን ፋር ደነሊ እትበሃል ደራሲት: ውላዱ ዝሞቶ ኣቦ “ኣብ ርእሲ እቲ ውላዱ ብሙማቱ ዘጋጥሞ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ: ብግህዶ ሓዘኑ ብምግላጹ ሕማቕ ሰብኣይ ከይበሃል እውን ይፈርህ ኢዩ” በለት። ይኹን እምበር: ቀጺላ ከምዚ በለት:- “ሞት ውላድ በቲ ብዛዕባ ስምዒታዊ ባህርያት ዝወጽእ ሕግታት ኣይቅየድን ኢዩ። ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ስምዒትካ ብምግላጽ ምብካይ: ንእተሓብአ ቍስሊ ንኸተጽርዮ ምስ ምኽፋት ዝመሳሰል ኢዩ።”
ስለዚ ንሓዘን ምግላጽ ብዝመጸ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ንቡር ክኸውን ከሎ ኣብ ካልኦት ግን ዘይተለምደ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ምሕዛንን ምንባዕን ከም ድኽመት ገይርካ ክውሰድ የብሉን። የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ: ከተንስኦ ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ ‘ነቢዑ’ ኢዩ።—ዮሃንስ 11:35
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ያእቆብ ንወዱ ኽበኽየሉ ኣየሕፈሮን