ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 4-5
  • ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን
    ንቕሑ!—2014
  • ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 4-5

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ

ጸገም

ንስኻን መጻምድትኻን ብህድኣት ምዝርራብ የጸግመኩምዶ፧ ምስ መጻምድትኻ ኽትዘራረቡ ኸለኹም፡ ኣብ ሓደ ነታጒ እተቐብሮ ቦታ ትኸይድ ከም ዘለኻን ሓንቲ ስጕሚ ድማ ነቲ ኸም ነታጒ ዚፍንጀር ቈየቛ ኼባርዖ ኸም ዚኽእልን ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧

ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ፣ ነገራት ኪመሓየሽ ይኽእል እዩ። ፈለማ ግና፡ ንስኻን መጻምድትኻን ስለምንታይ ከም እትቋየቑ ኽትፈልጥ ኣሎካ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ዘይምርድዳእ።

ጂልያንa ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ ብምባል ተኣመነት፦ “ሓድሓደ ግዜ ንሰብኣየይ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ክዛረቦ ኸለኹ፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ገይረ ሓሳበይ ኣይገልጸሉን እየ። ወይ ከኣ ሓደ ነገር ከም ዝነገርክዎ ርግጸኛ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ከም ሓቂ ግና ኣይነገርክዎን። ከምኡ ኣጋጢሙኒ እዩ።”

ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ።

ንስኻን መጻምድትኻን ትሳነዩ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ዘሎኩም ኣረኣእያ ግና እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ፡ ሓደ ዝዀኑ ሰባት ስለ ዘየለዉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንሓዳርኩም፡ ወይ ዝያዳ ማራኺ ወይ ከኣ ውጥረት ዝሰፈኖ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ ንብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ውጥረት እዩ ዚፈጥረሎም።

ሕማቕ ኣርኣያ።

ሬቸል ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “ወለደይ ብዙሕ ሳዕ ይቋየቑን ንሓድሕዶም ይጻረፉን ስለ ዝነበሩ፡ ኣነ እውን ምስ ተመርዓኹ፡ ንሰብኣየይ ከምቲ ኣደይ ንኣቦይ እትዛረቦ ዝነበረት ገይረ እዛረቦ ነበርኩ። ብኸመይ ኣኽብሮት ከርኢ ኸም ዘሎኒ ኣይተመሃርኩን።”

ቀንዲ ጕዳያት።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓያል ቈየቛ፡ ኣብቲ ነቲ ቘየቛ ዘለዓዓሎ ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ጕዳይ እዩ ዜተኵር። ንኣብነት፡ “ኵሉ ሳዕ ምስ ደንጐኻ ኢኻ” ወይ “ኵሉ ሳዕ ምስ ደንጐኺ ኢኺ” ብዚብል ጕዳይ ዚለዓል ቈየቛ፡ ሰዓት ኣብ ምሕላው ዘተኰረ ዘይኰነስ፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ብሕያውነት ከም ዘይተታሕዘ ኣብ ዚሕብር ነገራት ዘተኰረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብተደጋጋሚ ምቍያቝ፡ ንጥዕናኻ ኺሃስዮ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናብ ፍትሕ ኪመርሓካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢኻ እሞ ንቘየቛ ደው ከተብሎ እትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንቘየቛ ደው ከተብሎ እትኽእለሉ ቐንዲ መገዲ፡ ነቲ ጠንቂ ዝዀነ ቐንዲ ጕዳያት ብምልላይ እዩ። ኵነታት ህድእ ምስ በለ፡ ነዚ ዚስዕብ መላመዲ ምስ መጻምድትኻ ዄንካ ኽትዓይዮ ፈትን።

1. ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ነናትኩም ወረቐት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘቋየቘኩም ጕዳይ ጽሓፉ። ንኣብነት፡ እቲ ሰብኣይ፡ “ምስ መሓዙትኪ ውዒልኪ፣ ኣበይ ከም ዘለኺ ግና ደዊልኪ ኣይነገርክንን” ኢሉ ይጽሕፍ ይኸውን። እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ምስ መሓዙተይ ግዜ ስለ ዘሕለፍኩ ሓሪቕካ” ኢላ ትጽሕፍ ትኸውን።

2. ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ብግልጺ ተመያየጡሉ፦ እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ረዚን ድዩ፧ ዕሽሽ ኪብሃል ዚከኣል ድዩ፧ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ምእንቲ ሰላም ኢልና ሕድገታት እንተ ገበርናን ነቲ ጕዳይ ብፍቕሪ ሸለል እንተ በልናዮን ይሓይሽ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 17:9።

ንስኻን መጻምድትኻን፡ እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ረዚን ከም ዘይኰነ እንተ ደምዲምኩም፡ ይቕረ ተበሃሂልኩም ነቲ ጕዳይ ኣደቅስዎ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:13, 14።

እቲ ጕዳይ ንሓዴኹም ወይ ንኽልቴኹም ረዚን እንተ ዀይኑ፡ ናብዚ ዚስዕብ ነጥብታት ስገሩ።

3. ኣብ እዋን እቲ ቘየቛ እንታይ ከም እተሰምዓኩም ጽሓፉ። ንኣብነት፡ እቲ ሰብኣይ፡ “ካብ ምሳይ ምዃን ምስ መሓዙትኪ ምዃን እትመርጺ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ኢሉ ይጽሕፍ ይኸውን። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ንኣቦኣ ዓሰርተ ሳዕ ከተፍቅድ ከም ዘለዋ ቘልዓ ጌርካ እትርእየኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ኢላ ትጽሕፍ ትኸውን።

4. ነቲ ነፍሲ ወከፍኩም ዝጸሓፍኩምዎ ወረቐት ምስ መጻምድትኻ ተቐያይርኩም፡ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ርእይቶ የንብቦ። ንመጻምድትኻ ኣብ እዋን እቲ ቘየቛ ብቐንዱ ዘተሓሳሰቦ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ መሰረታዊ ጕዳያት ብኸመይ ብዘይ ቈየቛ ኽትፈትሕዎ ትኽእሉ ኸም ዝነበርኩም ተመያየጡ።—መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 29:11።

5. ካብቲ መላመዲ እንታይ ከም እተመሃርኩም ተመያየጡ። ነቲ እተመሃርኩምዎ ነገራት፡ ኣብ መጻኢ ቘየቛ ደው ንምባል ወይ እውን ፈጺሙ ንኸየጋጥም ንምዕጋት ክትጥቀሙሉ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ።”—ምሳሌ 17:9።

  • “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13።

  • “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።”—ምሳሌ 29:11።

እንተ ተቛይቝኩም . . .

ነቲ ቐንዲ ጕዳይ ክትርድእዎ ጽዓሩ፦ ኣብ እዋን እቲ ቘየቛ፡ ንመጻምድትኹም ብቐንዱ ዘተሓሳሰቦ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ቐንዲ ጕዳይ ክትርድእዎ ጽዓሩ።

ነቲ ፍጻመ እንደገና መርምርዎ፦ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ መሰረታዊ ጕዳያት ብኸመይ ብዘይ ቈየቛ ኽትፈትሕዎ ትኽእሉ ኔርኩም፧

እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ረዚን እንተ ዘይኰይኑ፡ ይቕረ ተበሃሂልኩም ነቲ ጕዳይ ኣደቅስዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ