ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስጳኛ
  • ቻይና
  • ጃፓን
  • ማውሪታንያ
  • ዓለም
  • ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ስጳኛ

ህይወት ዜድሕን ሰራሕተኛ፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዝዓነወ ህንጻ ኺርኢ ኸሎ

ሓንቲ ጕጅለ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እቲ ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለ፡ ብዙሓት ከኣ ዘቝሰለ ብ2011 ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ ኣብ እትርከብ ከተማ ሎርካ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብሰንኪ ንጥፈታት ሰባት ኪኸውን ከም ዚኽእል እያ እትኣምን። እቶም ተመራመርቲ ስነ መሬት፡ እቲ ሓደገኛ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብቲ ንመስኖ ተባሂሉ ኻብ ትሕቲ መሬት ብዙሕ ማይ እተወስደሉ ኸባቢ ዘጋጠመ ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም።

ቻይና

ቻይናውያን በጻሕቲ ሃገር

ቻይናውያን በጻሕቲ ሃገር ብ2012 ኣብ ዝገበርዎ ኣህጉራዊ ዙረት፡ 102 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ቱሪዝም ዓለም ከም ዝገለጾ፡ እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ንቻይና ኻብተን ንኣህጉራዊ ቱሪዝም ገንዘብ ዜውጽኣ ሃገራት፡ ማለት ካብ ጀርመንን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ክብ ኣቢልዋ ኣሎ። ካብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ክልተ ሃገራት ዝመጹ ኣህጉራውያን በጻሕቲ ሃገር፡ ኣስታት 84 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ እዮም ዜውጽኡ።

ጃፓን

ሓንቲ ሰበይቲ ሽጋራ ኸተትክኽ ከላ

ኣብ ሕክምናዊ መጽሔት ብሪጣንያ (BMJ) ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኣስታት 68,000 ጃፓናውያን፡ ብገምጋም ናይ 23 ዓመት መጽናዕቲ ተኻይዱ። ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ ካብ 1920 ክሳዕ 1945 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ካብ እተወልዳ ኣንስቲ፡ ዕምሪ እተን ቅድሚ 20 ዓመት ዕድሚአን ሽጋራ ኼትክኻ ዝጀመራ፡ ካብተን ዘየትክኻ ኣንስቲ ብገምጋም ብዓሰርተ ዓመት ይትሕት፣ ዕምሪ እቶም ሽጋራ ዜትክኹ ሰብኡት ከኣ ካብቶም ዘየትክኹ ብሸሞንተ ዓመት ይትሕት።

ማውሪታንያ

ፌስታል ኣብ ውቅያኖስ ጸብለል ኪብል ከሎ

ፌስታል ናብ ውሽጢ ሃገር ከይኣቱ፡ ከይስራሕ፡ ወይ ከይዝውተር ተኣገደ፣ እዚ ኸኣ እንስሳታት ባሕርን ምድርን ነቲ ፌስታላት በሊዖም ምእንቲ ኸይሞቱ እዩ። መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ፌስታል፡ ብቐሊሉ ኺብስብስ ዚኽእል ሳንጣታት ኪዝውተር የተባብዕ ኣሎ።

ዓለም

ኵነታት ኣየር ብዘስዓቦ ዕንወት ምኽንያት፡ ኩባንያታት መድሕን ኣብ ዓመት 50 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ የውጽኣ። እቲ ዚወጽእ ገንዘብ፡ ዝቕባበ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኺጽብጸብ ከሎ፡ ካብ 1980ታት ንነጀው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ ዕጽፊ እዩ ዚውስኽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ