ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/12 ገጽ 2-4
  • ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣምላኽ ይቐጽዓና ድዩ ዘሎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/12 ገጽ 2-4

ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ

ኣክራ: ጋና: 4 ሓምለ 1995:- ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት እቲ ዝበርትዐ ዝናም ከቢድ ምዕልቕላቕ ኣስዓበ። ገለ 200,000 ዝዀኑ ሰባት ኵሉ ዝነበሮም ጥሪት ጠፍአ: 500,000 ዝዀኑ ካብ ኣባይቶም ተመዛበሉ: 22 ድማ ሞቱ።

ሳን ኣንጀሎ:ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.28 ግንቦት 1995:- ህቦብላን በረድን 120 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጕድኣት ብምስዓብ ነዛ 90,000 ተቐማጦ ዝነብርዋ ከተማ ኣዕነዋ።

ኮበ: ጃፓን:17 ጥሪ 1995:- ን20 ካልኢታት ጥራይ ዝጸንሐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንኣሽሓት ሰባት ቀተለ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣቝሰለ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ብዘይ ኣባይቲ ተረፉ።

መዋእል ባህርያዊ ዕንወት ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣብ ዝኽእል ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ: ካብ 1963-92 ኣብ ዘሎ ናይ 30 ዓመታት እዋን: ቍጽሪ ናይቶም ብባህርያዊ ዕንወት እተቐትሉ: ዝቘሰሉ: ወይ እተመዛበሉ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብገምጋም 6 ካብ ሚእቲ ከም ዝወሰኸ ይሕብር። እዚ ተስፋ ዘይብሉ ኵነታት እዚ ሕቡራት ሃገራት ን1990ታት “ኣህጉራዊ ዓሰርተ ዓመታት ንምጕዳል ባህርያዊ ሓደጋ” ኢላ ከም እትጽውዖ ገይርዋ ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: ከም ማዕበል: ምንታጕ እሳተ-ጎመራ: ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓይሊ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ዕንወት ዘስዕብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንሰብ ጕድኣት ከየስዓበ ከምዚ ዝበለ ባህርያዊ ኵነት ኣማእታት ግዜ የጋጥም ኢዩ። ይን እምበር: ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ጕድኣት ከስዕብ ከሎ: ብልክዕ ዕንወት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ባህርያዊ ዕንወት እናወሰኸ ምኻዱ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ ዝመስል ዘሎ። እታ ናቹራል ዲሳስተርስ​—⁠ኣክትስ ኦቭ ጎድ ኦር ኣክትስ ኦቭ ማን፧ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሰባት ከባቢኦም ንገለ ባህርያዊ ዕንወት ከም ዝቃላዕ ብምግባር ይልውጥዎ ኢዮም ዘለዉ: ከምኡውን ገዛእ ርእሶም ነዞም ዕንወታት እዚኣቶም ዝያዳ እተቓልዐ ይገብርዎ።” እታ መጽሓፍ ሓደ ግምታዊ ኣብነት ተቕርብ:- “ኣብ ጸግዒ ናይ ሓደ ጸዳፍ ስንጭሮ ብጭቃ እተሰርሐ ኣጓዱ: ፈኲስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ዘጋጥም ብመንጽር እቲ ዘስዕቦ ሰብኣዊ ሞትን ስቓይን ክርአ ከሎ ኣዕናዊ ከም ዝኸውን እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘጋጥም ዕንወት ሳዕቤን ነውጺ ምድሪ ድዩ ወይስ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ከባቢ እተሰርሐ ሰንኮፍ ኣባይቲ ስለ ዝነብሩ ኢዩ፧”

ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግን: ባህርያዊ ሓደጋታት ምውሳኹ ዘይግረምሉ ካልእ ምኽንያት ኣለዎም። ዳርጋ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: የሱስ ክርስቶስ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) ገለ ካብቲ ዝፍለጠሉ ካልእ ነገራት ‘ኣብ በቦታኡ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን’ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። (ማቴዎስ 24:​3, 6-8) መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ባህርያዊ ምፍታው ዘይብሎም: ከምኡውን ሰናይ ዘይፈትዉ ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ።a (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5) እዚ ጠባያት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንባህርያዊ ዕንወት ዝያዳ ከም ዝቃልዑ ብምግባር: ንሰብ ኣንጻር ከባቢኡ ከም ዝዓዪ ኢዩ ዝገብሮ። ሰብ ዘስዕቦ ዕንወት እውን ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዝነብርዎ ፍቕሪ ኣልቦ ማሕበረሰብ ዝመጸ ኢዩ።

ፕላኔትና ሒዛቶ ዘላ ብዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: ባህርያት ደቅሰብ ንሰባት ኣብ ከቢድ ስግኣት ከውድቖም ከሎ: ዘይግቡእ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ምድሪ ድማ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: ባህርያዊ ዕንወት ንሰብ ምስቓይ ክቕጽል ኢዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ረድኤት ምሃብ ብድሆታት ከም ዘለዎ ክትገልጽ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምልክታት ዳሕሮት መዓልትታት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ: ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 98-107 ርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ላዕለዋይ:⁠- ክፍሊ ኣገልግሎት ሓበሬታ: ጋና፣ Ghana; የማን:⁠- ሳን ኣንጀሎ ስታንዳርድ ታይምስ

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Maxie Roberts/Courtesy of THE STATE

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ