ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/12 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ይቐጽዓና ድዩ ዘሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ይቐጽዓና ድዩ ዘሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/12 ገጽ 3

ኣምላኽ ይቐጽዓና ድዩ ዘሎ፧

ሓደ ፍሉጥ ጃፓናዊ ፖለቲከኛ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መጋቢት 2011 ኣብታ ዓዲ ዘጋጠመ 9.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን፡ “ነቶም ግዳይ እቲ ሓደጋ እሓዝነሎም እኳ እንተ ዀንኩ፡ እዚ ግና ቲምባትሱ (መለኮታዊ መቕጻዕቲ) እዩ ዚመስለኒ” በለ።

ኣብ ጥሪ 2010 ኣብ ሀይቲ ዚነብሩ ልዕሊ 220,000 ዚዀኑ ሰባት ብምኽንያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ሞቱ፡ ሓደ ብተለቪዥን ዚሰብኽ ህቡብ ወንጌላዊ፡ ንተቐማጦ ሀይቲ ኸምኡ ኼጋጥሞም ዝኸኣለ፡ “ምስ ድያብሎስ ስለ እተዓራረኹ” ኸም ዝዀነን “ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ” ኸም ዘለዎምን ገለጸ።

ኣብ ማኒላ፡ ፊሊፒንስ፡ ዚነብሩ 79 ዚዀኑ ሰባት ብሰንኪ ጽቕጥቅጥ ምስ ሞቱ፡ ሓደ ኻህን ካቶሊክ፡ “ኣምላኽ ነቲ ምዉትን ድንዙዝን ሕልናና ኼነቓቕሖ እዩ ደልዩ” በለ። ኣብታ ዓዲ እትሕተም ሓንቲ ጋዜጣ ኸም ዝጸብጸበቶ ድማ፡ “ዕስራን ሓደን ሚእታዊት ዚዀኑ ኣባጽሕ፡ ኣምላኽ ብመደራጋሕን ብብርቱዕ ህቦብላን ብኻልእ ባህርያዊ ሓደጋታትን ገይሩ ቝጥዓኡ ኸም ዚገልጽ እዮም ዚኣምኑ።”

ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ብባህርያዊ ሓደጋታት ገይሩ ኸም ዚቐጽዖም ዚገልጽ እምነት፡ ሓድሽ ኣይኰነን። ብ1755 ኣብ ሊዝበን፡ ፖርቱጋል፡ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሓውን ሱናሚን ኣስታት 60,000 ዚዀኑ ሰባት ምስ ሞቱ፡ ቮልቴር ዝስሙ ህቡብ ፈላስፋ፡ “ሊዝበን ድያ እሞ ኻብታ ብናይ ፍትወት ስምዒት ዝዓበደት ፓሪስ ንላዕሊ ሓጢኣ፧” ኢሉ ሓተተ። እወ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንሰባት ብባህርያዊ ሓደጋታት ገይሩ ይቐጽዖም እንተ ዀይኑ ይሓትቱ እዮም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እሞ ኸኣ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ “ተግባራት ኣምላኽ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።

ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ኣምላኽ ብሓቂ ብባህርያዊ ሓደጋታት ገይሩ ንሰባት ይቐጽዖም ድዩ፧ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ካብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ገሊኣቶም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ብባህርያዊ ባእታታት ገይሩ ጥፍኣት ዘውረደሉ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ተሃዊኾም ንኣምላኽ ተሓታቲ ይገብርዎ እዮም። (ዘፍጥረት 7:17-22፣ 18:20፣ 19:24, 25፣ ዘሁልቍ 16:31-35) ይኹን እምበር፡ ነዚ ጸብጻባት እዚ እንተ መርሚርናዮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ፡ ካብ ካልእ ባህርያዊ ሓደጋ ዚፈልዮ ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ንረክብ ኢና። ቀዳማይ፡ ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ነይሩ እዩ። ካልኣይ፡ ከምቲ ሎሚ ዜጋጥም ንቕኑዓትን ንእኩያትን ሰባት ከይፈለየ ዚቐትል ሓደጋታት ዘይኰነስ፡ መምዩ እዩ ዜጥፍእ ነይሩ። እቶም ዳግማይ ኪቐንዑ ዘይክእሉ እኩያት ሰባት ወይ ከኣ እቶም ነቲ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝበልዎ ሰባት ጥራይ እዮም ጠፊኦም። ሳልሳይ፡ ኣምላኽ ነቶም ቅኑዓት ሰባት መውጽኢ ኣዳልዩሎም ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 7:1, 23፣ 19:15-17፣ ዘሁልቍ 16:23-27።

ኣምላኽ በቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዕንወት ዜውርድ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋታት ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ዚሕብር መርትዖ ፈጺሙ የልቦን። ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንዋጽኣሉ እንኽእል፧ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘይህልወሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ኣብዘን ዚቕጽላ ዓንቀጻት፡ ናይዚ መልሲ ኽትረክብ ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ