ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋታት ብዙሕ ግዜ ንሰምዕ ኢና። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋታት ይዀኑ ኣለዉ። ኣብ በልጅዩም ዚርከብ ማእከል ምርምር ጠንቅን ዝርጋሐን ምቍጽጻርን ባህርያዊ ሓደጋታት ከም ዝጸብጸቦ፡ ብ2010 ጥራይ 373 ባህርያዊ ሓደጋታት ነበረ፣ እንተ ወሓደ ኸኣ 296,000 ዚዀኑ ሰባት ሞቱ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት እውን፡ ቍጽሪ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣመና ወሲኹ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ 1975ን ኣብ መንጎ 1999ን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ካብ 300 ንታሕቲ ዚኸውን ባህርያዊ ሓደጋታት ተመዝጊቡ ነበረ። ኣብ መንጎ 2000ን ኣብ መንጎ 2010ን ግና፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም ዳርጋ 400 ዚኸውን ባህርያዊ ሓደጋታት ኣጋጠመ። ምናልባት ንስኻ እውን ከም ካልኦት ሰባት፡ ‘ኣብዚ ግዜና ባህርያዊ ሓደጋታት ዚበዝሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ሰባት ንባህርያዊ ሓደጋታት ከም “ተግባር ኣምላኽ” ገይሮም ይርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ግና ጠቐነ እዩ። ኣምላኽ በቲ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ዚጐድኦም ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋታት ተሓታቲ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ግዜና ባህርያዊ ሓደጋታት ከም ዜጋጥም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ማቴዎስ 24:7, 8፡ “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ነንብብ ኢና። የሱስ ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ እተነበየ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓናኸ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ነቲ፡ “ትእምርቲ . . . መወዳእታ ዓለም እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ እዩ ዚምልስ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:3) ብዛዕባ እቲ ዜጋጥም እተፈላለየ ነገራት፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ባህርያዊ ሓደጋታት ድማ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ብምባል ኣገዳሲ ነገር ተዛረበ። (ሉቃስ 21:31) ስለዚ እምበኣር፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ንዓና ዓብዪ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ። ከመይሲ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ለውጢ ኸም ዚህሉ እዩ ዚሕብር።
ጠንቂ ሓደጋታት
ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ በቲ ዚወርድ ባህርያዊ ሓደጋታት ተሓታቲ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እሞ፡ ጠንቂ እቲ ሽግር መን እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ዚብል ኣገዳሲ ሓቂ እንተ ተቐቢልናዮ ጥራይ ኢና ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንርድኦ እንኽእል። (1 ዮሃንስ 5:19) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርአ ዘሎ ዜሕዝን ኵነታት ዚሕተተሉ፡ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ጸላኢኡ ዝዀነን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ድያብሎስ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎን “እኩይ” ፍጡር ከም ዝዀነ እያ እተብርሃልና።—ራእይ 12:9, 12።
እዚ ጸላኢ ኣምላኽ እዚ፡ ብስስዐ ተደሪኹ፡ ንሰባት ከም ዘይረብሑ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ንብምሉኣ ዓለም ስለ ዚቈጻጸራ ድማ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ፡ ናይ ስስዐ ባህርይ ዘሪኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺንበ ኸሎ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ . . . ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት” ኢሉ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ስለዚ፡ ድያብሎስ ንዓለም በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰን ብኻልእ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርያትን ከም እትመልእ ምግባሩ ኣየገርምን እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ንብዙሓት ሰባት ዚጐድእ፡ ስስዐ ዝመልኦ ምዝመዛ ኸም ዚህሉ ይገብር እዩ።
ሎሚ ዘሎ ስስዐ ዝመልኦ ስርዓት ንባህርያዊ ሓደጋታት ዜጋድዶ ብኸመይ እዩ፧ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ባህርያዊ ሓደጋታት ዚገልጽ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “መብዛሕትኡ እዋን ብዙሓት ተቐማጦ፡ ኣብቲ ኸም ምዕልቕላቕ ማይ ዝኣመሰለ ሓደጋ ኼጋጥመሉ ዚኽእል ከባቢ እዮም ተጨቓጪቖም ዚነብሩ። ብዘይካዚ፡ ጫካታት ይበርስን ጠሊ ዘለዎ መሬት ይጠፍእን ምህላዉ፡ ኣከባቢና ንባህርያዊ ሓደጋታት ንምጽዋር ዘለዎ ዓቕሚ ኸም ዚጐድል እዩ ዚገብር ዘሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ድማ፡ ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰብ፡ . . . ሙቐት ከም ዚውስኽ ዚገብር ጋዛት ይዛይድ ምህላዉ፡ ዓለምለኻዊ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕርን ከም ዜጋጥም ይገብር ኣሎ።” እዚ “ንጥፈታት ደቂ ሰብ” እዚ፡ ብስም ቍጠባዊ ምዕባለ ዚግበር እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግና፡ ብስስዐ ተደሪኽካ እዩ ዚግበር።
ብዙሓት ክኢላታት ካብዚ ተበጊሶም፡ እቲ ጥንቃቐ ዝጐደሎ ተግባራት ደቂ ሰብ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ብዝያዳ ኣዕናዊ ኸም ዚኸውን ይገብር ከም ዘሎ እዮም ዚገልጹ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ነቲ ሰይጣን ንባህርያዊ ሓደጋታት ብዝያዳ ኸም ዚኸፍእ ንምግባር ዚጥቀመሉ ስርዓት ይድግፍዎ ኣለዉ።
ስለዚ እምበኣር፡ መብዛሕትኡ ባህርያዊ ሓደጋታት ብሰንኪ ጥንቃቐ ዝጐደሎ ተግባራት ደቂ ሰብ እዩ ዚመጽእ። እቲ ሓደጋታት ዜጋጥመሉ ቦታታት፡ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከም ዚህሉ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም፡ ብሰንኪ እቲ እኩያት ውልቀ ሰባት ዚገብርዎ ተግባር ወይ ከኣ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ቍጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ፍልልይ ኣብ ሓደገኛ ኸባቢ ኺነብሩ ስለ ዚግደዱ፡ ሳዕቤን ባህርያዊ ሓደጋታት ኣመና ይውስኽ ኣሎ። ሓቂ እዩ፡ ገሊኣቶም ሰባት ኣደዳ ባህርያዊ ሓደጋ ዚዀኑ፡ ብምኽንያት ናይ ካልእ ሰብ ጌጋ ወይ ሸለልትነት ዘይኰነስ፡ ብምኽንያት “ጊዜን ኣጋጣምን” ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መክብብ 9:11።
ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣደዳ ባህርያዊ ሓደጋ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ቀጺልና፡ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ንሳዕቤኑ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ጻዕቂ ህዝቢ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ምብራስ ኣግራብ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ብከላ
[ኣብ ገጽ 5 ምንጪ ስእሊ
Left: © Mark Henley/Panos Pictures
Middle: © Jeroen Oerlemans/Panos Pictures