ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/14 ገጽ 7
  • ኵነታት ስለ ዚቕየር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵነታት ስለ ዚቕየር
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 4 | ተስፋኻ ሓሉ
    ንቕሑ!—2022
  • ሞተይ እምነ ኣለኹ—መጽሓፍ ቅዱስ ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
    ንቕሑ!—2016
  • ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
    ንቕሑ!—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 4/14 ገጽ 7

ገበር | ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

1 ኵነታት ስለ ዚቕየር

“ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣብ መጻብቦ ኣይንኣቱን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን።”—2 ቈረንቶስ 4:8።

ርእሰ ቕትለት፡ “ንግዝያዊ ጸገም ዚኸውን ነባሪ መፍትሒ” ተባሂሉ ኣሎ። ንኽትኣምኖ ኼጸግም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዜጨንቕ ኵነታት፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዚመስል እውን እንተ ዀነ፡ ግዝያዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። አረ፡ ብዘይተጸበናዮ መገዲ እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ።—“ኵነታቶም ተቐዪሩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኵነታት እኳ እንተ ዘይተቐየረ፡ ንጸገማትካ በብቝሩብ እንተ ፈታሕካዮ ዝሓሸ እዩ። የሱስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” በለ።—ማቴዎስ 6:34።

ኵነታትካ ኪቕየር ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ ንኣብነት፡ ሕዱር ሕማም ይህልወካ፡ ሓዳርካ ይፈርስ፡ ወይ እተፍቅሮ ሰብ ይሞተካ ይኸውን።

ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዘሎካ ኣረኣእያ ኽትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኽትቅይሮ ዘይትኽእል ነገር እንተ ተቐቢልካዮ፡ ንነገራት ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽትርእዮ ኽትጅምር ኢኻ። (ምሳሌ 15:15) ብተወሳኺ፡ ብሞት ክትገላገል ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ነቲ ዅነታት እትጻወረሉ መገድታት ከተናዲ ኢኻ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ ነቲ ዅነታት ክትቅይሮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዘሎካ ኣረኣእያ ግና ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።—እዮብ 2:10።

ነዚ ዘክሮ፦ ኣብ ሓደ ጎቦ ብሓንቲ ስጕምቲ ጥራይ ክትድይብ ኣይትኽእልን ኢኻ። በብቝሩብ እናሰጐምካ ግና ክትሓኵር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ዕንቅፋታት እውን ከም ጐቦ ገዚፍ ኰይኑ ኺርኣየካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በብቝሩብ ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።

ሎሚ ኽትገብሮ እትኽእል፦ ብዛዕባ ዅነታትካ ንፈታዊኻ ወይ ንኣባል ስድራ ቤትካ ተዛረቦ። እቲ ሰብ እቲ፡ ንዅነታትካ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽትርእዮ ኺሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።—ምሳሌ 11:14።

ኵነታቶም ተቐዪሩ

ብህይወት ምንባር ክሳዕ ዚጽልኦም ዝጸበቦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ እሙናት ሰባት ንርአ።

  • ርብቃ፦ “ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር አሎኹ፧”—ዘፍጥረት 25:22።

  • ሙሴ፦ “ነቲ መከራይ ከይርኢ፡ . . . ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።”—ዘሁልቍ 11:15።

  • ኤልያስ፦ “ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ይኣኽለኒ፡ ሕጅስ ንህይወተይ ኣጥፍኣያ።”—1 ነገስት 19:4፡ NW።

  • እዮብ፦ “ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፧”—እዮብ 3:11።

ነቲ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደኣ ኣንቢብካዮ፡ ምናልባት ኪጽበይዎ ብዘይክእሉ መገድታት፡ ኵነታቶም ናብ ጽቡቕ ከም እተቐየረ ኽትርኢ ኢኻ። ንዓኻ እውን ከምዚ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 11:6) ኣይትተሓለል!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ