ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 11/14 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኤኳዶር
  • ጃፓን
  • ዚምባብወ
  • ኣውስትራልያ
  • እተቐብረ ነተጕቲ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ምምዛኑ
    ንቕሑ!—2001
  • አይድስ ብኸመይ ከም እትቃለሶ
    ንቕሑ!—1999
  • ብዙሓት ደም ምውሳድ ዝኣብይሉ ዘለዉ ምኽንያት
    ንቕሑ!—1999
  • ሞት—ሕቶ ሓንቲ ስጕሚ
    ንቕሑ!—2001
ንቕሑ!—2014
g 11/14 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ኤኳዶር

ሓደ ኽፋል ጫካ ኣማዞን

ኤኳዶር ብ2007፡ ኣብቲ ዳርጋ 10,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ድንግል መሬት ዝዀነ ኽፋል ጫካ ኣማዞን፡ ነዳዲ ዘይቲ ንምርካብ ኣብ ክንዲ እትዅዕት፡ ንዕኡ ንምዕቃብ መደብ ከም ዘውጽአት ኣፍሊጣ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጫካ ንምዕቃብ ዜድሊ ዓለምለኻዊ ደገፍ ገንዘብ ስለ ዘይተረኽበ፡ እቲ መደብ ኣይተተግበረን። እቲ ድንግል መሬት ዝዀነ ኽፋል እቲ ጫካ፡ ካብ መላእ ዓለም፡ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ዚርከቡሉ ቐንዲ ቦታ እዩ።

ጃፓን

ሓደ ሓኪም፡ ተኸዚኑ ዝነበረ ደም ሒዙ ኸሎ

ብሰባት ዚልገስ ደም እተበከለ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ ዚግበር መርመራ፡ ኣዝዩ ኣጸጋምን ርግጸኛ ኽትኰነሉ ዘይትኽእልን ጕዳይ ምዃኑ፡ ዘ ጃፓን ኒውስ ሓቢሩ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ብ2013 ኣብ ከባቢ 60 ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ሰብኣይ ብሰንኪ ምትሕልላፍ ደም፡ ኤች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ ከም ዝሓዞ ንዚገልጽ ዜና ስዒቡ ዝወጸ እዩ። እተለገሰ ደም መርመራ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ብኤች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ እተበከለ ምዃኑ ግና ከይፍለጥ ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ደም ንሒደት ኣዋርሕ ዚሕብኣሉ ዊንዶው ፐሬድ ዚብሃል እዋን ኣሎ።

ዚምባብወ

ኣብ ዚምባብወ ብዝነበረ ፈንጂ ኣካለ ጐደሎ ዝዀነ ሰብኣይ

ኣብ መንጎ ዚምባብወን ሞዛምቢክን ኣብ ዘሎ ዶብ ዚግበር ዝነበረ ደባይ ውግእ ካብ ዜቋርጽ ልዕሊ 30 ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ጸረ ሰብ ፈንጅታት ግና ንሰባት ኣካለ ጐደሎ ይገብሮምን ይቐትሎምን ኣሎ። ዓለምለኻዊ ኮሚተ ቐይሕ መስቀል ከም ዝጸብጸቦ፡ “ካብ 1980 ንነጀው፡ ልዕሊ 1,500 ሰባትን 120,000 ማልን ሞይቶም እዮም፣ ኣብቲ ብሸነኽ ዚምባብወ ዚርከብ ዶብ ድማ፡ 2,000 ሰባት ብፈንጂ ኣካለ ጐደሎ ዀይኖም እዮም።”

ኣውስትራልያ

ሓደ ኸልቢ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰብኣይን ሰበይትን ኮፍ ኢሉ ኸሎ

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ካብ ሓዳሮም እተፋትሑ ሰባት፡ ነቶም ከም ከልቢ ወይ ድሙ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት መን ከም ዚወስዶም ዚገብርዎ ባእሲ ብዝያዳ ይውስኽ ኣሎ። እቶም እንስሳታት፡ ካብቲ ጠንቂ ባእሲ ዝዀነ ኸም ቤትን ገንዘብን ውልቃዊ ንብረትን ዝኣመሰለ ነገራት ስዒቦም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስርዑ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ