ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/15 ገጽ 8-9
  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስምዒታዊ ጥዕና
    ንቕሑ!—2019
  • ቍጥዓኻ ክትቈጻጸሮ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ልእመት—መገዲ ጥበብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 1/15 ገጽ 8-9
ሓንቲ ጐርዞ ኣመና ተቘጢዓ ኸላ

ንስድራ ቤት | ንመንእሰያት

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ጸገም

“ንሓብተይ ዓው ኢለ ተዛረብኩዋ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብሓይሊ ኣጋጨኽዎ፣ ሽዑ፡ እቲ ልዓት ናብቲ መንደቕ በሲዑ ኣትዩ። ድሕሪኡ፡ ኵሉ ሳዕ ነቲ ነዃል ክርኢ ኸለኹ፡ ስራሕ ቈልዓ ኸም ዝሰራሕኩ እዩ ዜዘኻኽረኒ።”—ዳያን።a

“ንኣቦይ ዓው ኢለ፡ ‘ንስኻ ርጉም ኣቦ ኢኻ!’ በልክዎ፣ ነቲ ማዕጾ ድማ ገም ኣቢለ ኣብ ገጹ ዓጸኽዎ። ቀቅድሚ ነቲ ማዕጾ ምዕጻወይ ግና፡ ኣብ ገጽ ኣቦይ ጓሂ ይንበብ ነበረ፣ ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ‘ነተን ቃላት እንተ ዘይዛረበን ምሓሸ’ ኢለ ሓሰብኩ።”—ሎረን።

ንዓኻኸ ኸም ሎረንን ዳያንን ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ተሰሚዑካ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ቍጥዓ ንስምካ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። ሕጂ ጓል 21 ዓመት ዝዀነት ብሪያና፡ “ካልኦት ሰባት ንቝጥዓይ ኪቕበልዎ ኸም ዘለዎም ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። ገዛእ ርእሶም ዘይቈጻጸሩ ሰባት፡ ከም ዓያሹ ጌርካ ኸም ዚርኣዩ ኽግንዘብ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ፣ ለከ ንዓይ እውን ካልኦት ከም ዓሻ ገይሮም እዮም ዚርእዩኒ ነይሮም።”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር” ይብል።—ምሳሌ 14:17።

ክልተ ሰባት ካብ ዝነተጐ እሳተ ጎመራ ኺሃድሙ ኸለዉ

ሰባት ካብ ዚነትጕ እሳተ ጎመራ ይሃድሙ እዮም፣ ንዚቝጣዕ ሰብ እውን ከምኡ እዮም ዚርሕቅዎ

ብሰንኪ ቝጥዓኻ፡ ሰባት ኪርሕቁኻ ይኽእሉ እዮም። ወዲ 18 ዓመት ዝዀነ ዳንኤል፡ “ክትቍጣዕ ከለኻ፡ ክብረትካ ኢኻ እትስእን፣ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ድማ ኣየኽብሩኻን እዮም” በለ። ጓል 18 ዓመት ዝዀነት ኢለን እውን ምስዚ ትሰማማዕ እያ። “ቍጡዕ እንተ ዄንካ ሰባት ኣይቀርቡኻን እዮም። ከም ዚፈርሁኻ ኢኻ እትገብር” በለት።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ” ይብል።—ምሳሌ 22:24።

ከተመሓይሽ ትኽእል ኢኻ። ሳራ ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ “ኵነታት ኣብ ስምዒትካ ንዜሕድሮ ጽልዋ ኽትቈጻጸሮ እትኽእል ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን፣ ነቲ ንስምዒትካ እትገልጸሉ መገዲ ግና ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ቍጥዓኻ ኺነትጕ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን” በለት።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ” ይብል።—ምሳሌ 16:32።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሸቶ ግበር። “ተፈጥሮይ ከምኡ እዩ” ኣብ ክንዲ እትብል፡ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን፡ እንተ ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንኸተመሓይሽ ጽዓር። ኣብቲ እዋን እቲ ንዝገበርካዮ ምምሕያሽ መዝግቦ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትቝጥዓሉ እዋን፡ (1) እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ (2) እንታይ ምላሽ ከም ዝሃብካ፡ ከምኡ እውን (3) ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ምላሽ ክትህብ ትኽእል ከም ዝነበርካን ምኽንያቱን ጽሓፍ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ዜቘጥዕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ ዝሓሸ ዝበልካዮ ምላሽ ንኽትጥቀም ሸቶ ግበር። ምኽሪ፦ ነቲ ዕዉት ዝዀንካሉ እዋናት እውን ጽሓፎ። ርእስኻ ምስ ተቘጻጸርካ ብዛዕባ እተሰምዓካ ጽቡቕ ስምዒት ጽሓፍ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:8።

ዓቕሊ ግበር። ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ ኣፍካ ዝመጸልካ ኣይትዛረብ። የግዳስ፡ ዓቕሊ ግበር። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣዕሚቝካ ኣስተንስፍስ። ወዲ 15 ዓመት ዝዀነ ኢሪክ፡ “ከስተንፍስ ከለኹ፡ ደሓር ዜጣዕሰኒ ነገር ቅድሚ ምግባረይ ወይ ምዝራበይ ንኽሓስብ ዕድል ይህበኒ እዩ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 21:23።

ኣረኣእያኻ ኣስፍሕ። ሓድሓደ እዋን፡ ንሓደ ጕዳይ ብእተወሰነ ሸነኹ፡ ማለት በቲ ንዓኻ ዚጸልወካ መዳዩ ጥራይ ስለ እተረዳእካዮ ኽትቝጣዕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ብኻልእ ሸነኹ እውን ክትርእዮ ጽዓር። ጀሲካ ዝስማ ጐርዞ፡ “ዋላ እውን ሰባት ፈጺሞም ስነ ስርዓት ዘይብሎም እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ ንኽርድኣሎም ዜኽእለኒ ምኽንያት እረክብ እየ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 19:11።

ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ይብል። (ምሳሌ 17:14) ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓድሓደ እዋን ካብቲ ኬቘጥዓካ ዚኽእል ኵነታት ምርሓቕ፡ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብምሕሳብ ሕርር ኵምትር ኣብ ክንዲ እትብልን ናብ ቍጥዓ ኣብ ክንዲ እትበጽሕን፡ ካልእ ዕዮ ኽትዓዪ ፈትን። ዳንየል ዝስማ ጐርዞ፡ “ኣካላዊ ምውስዋስ፡ ውጥረተይ ንኺንክን ንኸይቍጣዕን ይሕግዘኒ እዩ” በለት።

ሸለል ምባል ተምሃር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፡ . . . ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” ይብል። (መዝሙር 4:4) ምዅራይ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ኣስተብህል። እቲ ሕቶ፡ ‘ድሕሪ ምዅራይካ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧’ ዚብል እዩ። ሪቻርድ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ካልኦት ሰባት ኬቘጥዑኻ ትፈቕድ እንተ ዄንካ፡ ንኺቈጻጸሩኻ ኢኻ ሓይሊ እትህቦም። ስለምንታይ ከም ዝበሰለ ሰብ መጠን ነቲ ጕዳይ ሸለል ክትብሎ ዘይጽዕር፧” በለ። ከምቲ ሪቻርድ ዝበሎ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ክንዲ ቝጥዓኻ ንዓኻ ዚቈጻጸረካ፡ ንስኻ ንቝጥዓኻ ኽትቈጻጸሮ ኢኻ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።”—ቈሎሴ 3:8።

  • “እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።”—ምሳሌ 21:23።

  • “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ።”—ምሳሌ 19:11።

ዳንኤል

ዳንኤል

“ተመጣጣኒ ምግቢ ብላዕ፡ ብዙሕ ማይ ድማ ስተ። ኣበላልዓይን ቍጥዓይን ብቐጥታ ኸም ዝራኸብ ርእየዮ እየ።”

ናታሊ

ናታሊ

“ቍጥዓኻ ምቍጽጻር፡ ሓደ ኽፋል እቲ ንቝልዕነት ሓዲግካ ናብ ብጽሕና እትሰጋገረሉ እዋን እዩ። ቈልዑ ምክርኻርን ምቍያቝን እዩ ዚቐልሎም፣ ብሱላት ኣባጽሕ ግና፡ ንነገራት ብኸመይ ብህድኣት ከም ዚዘራረቡሉ ይፈልጡ እዮም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ