ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/15 ገጽ 10-11
  • ሄሮዶተስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሄሮዶተስ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ጽሒፉ
  • ልክዕነት ሄሮዶተስ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ክንዮ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ጕዕዞ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2015
  • ናይ ትንቢት መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
ንቕሑ!—2015
g 9/15 ገጽ 10-11
ሓወልቲ ሄሮዶተስ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ሄሮዶተስ

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነይሩ፧ ሰባት እንታይ ልምድታት እዩ ነይርዎም፧ ስነ ጥንቲ እተወሰነ መልሲ ኺህብ ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ንዅሉ ግና ኣይምልሶን እዩ። ኣተሓሳስባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ንምርዳእ፡ እቲ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ታሪኽ እታ ብግዜኡ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ዝጸሓፎ ጽሑፋት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣስታት 2,400 ዓመት ይገብር ይነብር ነበረ። እዚ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዚ፡ ሄሮዶተስ ይብሃል። ኣርእስቲ ጽሑፉ ኸኣ ዘ ሂስትሪስ (ታሪኽ) ዚብል እዩ።

ሄሮዶተስ ንጠንቂ እቲ ብግሪኻውያን እተገብረ ውግኣት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ 490 ከምኡ እውን 480 ቅ.ክ. እተገብረ ወራራት ፋርስ ኣብ ጽሑፍ ኬስፍሮ ጀመረ፣ እቲ ብ480 ቅ.ክ. እተፈጸመ ወራራት ንሱ ገና ንእሽቶ ኸሎ እተፈጸመ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ ጠንቂ ወራራት ፋርስ ምጽሓፉ፡ ብዛዕባ እተን ብግስጋሰ ፋርስ እተተንከፋ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዝረኸቦ ዘበለ ሓበሬታ እውን ጽሒፉ እዩ።

ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ጽሒፉ

ሄሮዶተስ ክኢላ ተራኺ እዩ ነይሩ። ነቲ ዚጽሕፎ ታሪኽ ምሉእ ንምግባሩ፡ ኣድላዪ ዀይኑ እተሰምዖ ደቀቕትን ዝርዝራውን ሓሳባት እውን ከይተረፈ ኣብ ጽሑፋቱ የስፍሮ ነበረ። እቲ ዝዓመሞ ዕማም ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ፣ ምኽንያቱ ንጽሑፋቱ ኣብ ታሪኽ ናይ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዝሓዘ ወግዓዊ መዝገብ ሃገር ተመርኲሱ ኣይኰነን ጽሒፍዎ። ከመይሲ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መዝገብ ዳርጋ ኣይነበረን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንኺሕበኑሉ ኢሎም ንእተፈጸመ ዜደንቕ ተግባራት ኣብ ቅርስታት ካብ ምቕራጽ ሓሊፎም፡ ታሪኽ ኣብ ምስናድ ዚግደሱ ሰባት ዳርጋ ኣይነበሩን። ሄሮዶተስ ብዛዕባ እቲ ኺጽሕፎ ዝደለየ ፍጻመታት ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ትዕዝብትን ኣፈ ታሪኽን ኣብ ናይ ካልኦት ምስክርነትን ኪምርኰስ የድልዮ ነበረ። ሓበሬታ ንምእካብ ከኣ ናብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዘ። ኣብታ ግዝኣት ግሪኽ ዝዀነት ሃሊካርናሱስ (ሕጂ ቦድሩም እትብሃል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ እትርከብ ከተማ) ድማ እዩ ዓብዩ፣ ናብ መብዛሕትኡ ኽፋል ግሪኽ ከኣ ከይዱ እዩ።

ሄሮዶተስ ሓበሬታ ንምእካብ ናብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዘ

ሄሮዶተስ ብሸነኽ ሰሜን ናብ ጸሊም ባሕርን ናብ ስኪትን፡ ማለት ኣብታ ሎሚ ዩክረይን እትብሃል ሃገር ዝነበረ ኸባቢ፡ ብሸነኽ ደቡብ ድማ ናብ ፍልስጥኤምን ላዕለዋይ ግብጽን ከይዱ እዩ። ብሸነኽ ምብራቕ ክሳብ ባቢሎን ዝበጽሐ እዩ ዚመስል፣ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ድማ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብቲ ግዝኣት ግሪኽ ዝነበረ ሕጂ ድማ ደቡባዊ ኢጣልያ ዚርከበሉ ቦታ ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ይዕዘብን ይሓትትን ነበረ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብቶም ብዝያዳ ዚእመኑ ዀይኖም እተሰምዕዎ ምንጭታት ሓበሬታ ኣከበ።

ልክዕነት ሄሮዶተስ

ቍራጽ ጳጲሮስ “ዘ ሂስትሪስ”

ቍራጽ ጳጲሮስ ዘ ሂስትሪስ

እቲ ሄሮዶተስ ዝመዝገቦ ሓበሬታ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ፧ ነቲ ንሱ ዝበጽሖ ቦታታትን ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገራትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍልጠቱ ልክዕ ከም ዝነበረ ጌርካ እዩ ዚርአ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግሪኽ ልሙድ ዘይነበረ ልምድታት፡ ከም ኣብ ስኪት ዚግበር ዝነበረ ንጉሳዊ ቐብሪ ወይ ጥንታውያን ግብጻውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ሙምያ (ምዕቃብ ሬሳ) ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ መግለጺታት፡ ምስ ርኽበታት ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ዚሰማማዕ እዩ። እቲ ብዛዕባ ግብጺ ዝጸሓፎ ብዙሕ ሓበሬታ “ኻብቲ ብጥንቲ ብዛዕባ እታ ሃገር እተጻሕፈ ዘበለ ጽሑፋት፡ ዝያዳ ዅሉ ኣገዳሲ ጽሑፍ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ሄሮዶተስ ኣብ ኣጠራጣሪ ዝዀነ ምስክርነት ኪምርኰስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ኸም ዚኣትዉ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ስለዚ፡ ኵሉ እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ምስ መለክዒታት ዘመናውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሰማማዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሄሮዶተስ ንሓቅታት ካብ ኣፈ ታሪኽ ኪፈልዮ ጽዒሩ እዩ። ንዅሉ እቲ እተነግሮ ዘበለ ኸም ዘይኣምኖ ድማ ብቕንዕና ገሊጹ እዩ። ነቲ ዝረኸቦ ምንጭታት ብምምማይን ሓደ ምስቲ ሓደ ብምንጽጻርን ከኣ ኣብ መደምደምታ ይበጽሕ ነበረ።

እታ ዘ ሂስትሪስ እትብሃል መጽሓፍ ንዅሉ እቲ ሄሮዶተስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዘጠቓለለት ክትከውን ትኽእል እያ። ነቲ ዚረኽቦ ዝነበረ ምንጭታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሄሮዶተስ ብሓቂ ዜደንቕ ዕማም እዩ ዓሚሙ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ዘ ሂስትሪስ፡ እታ ኽሳዕ እቲ እዋን እቲ ንዘጋጠመ ሕሉፍ ፍጻመታት ብሰፊሑ ኽትምዝግብ ዝጸዓረት እንኮ መጽሓፍ ነይራ ኽትከውን ስለ እትኽእል፡ ሲሰሮ እተባህለ ናይ ላቲን ጸሓፊ (106-43  ቅ.ክ.) ንሄሮዶተስ፡ “ኣቦ ታሪኽ” ኢሉ ጸውዖ።

  • ሓደ ዘመናዊ ጸሓፊ “ዘ ሂስትሪስ፡ ግዜ ዘይሓልፋ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ፣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ ስነ ሰብን ጂኦግራፍን ስነ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ፖለቲካዊ ስነ ፍልጠትን ዜሕዝን ድራማን ዝሓዘት እያ” በለ።

  • ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዓለም ጽንኩር ዝነበረ እዋን፡ ሄሮዶተስ ነቲ ኣብ ግሪኽን ምዕራባዊ ኤስያን ግብጽን ብዓይኑ ዝረኣዮ ሓበሬታ ዓቂብዎ እዩ።

ብዛዕባ ሄሮዶተስ እተዋህበ ሓሳባት

ኣርናልዶ ሞሚልያኖ ዚብሃል ፍሉጥ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “[ሄሮዶተስ] ኪእመን ይከኣል እዩ ኽንብል ዜኽእለና እኹል መርትዖ ኣኪብና ኢና” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ “ብዛዕባ ምብራቓውያን ዜጽንዑ ሰባት፡ ብስነ ጥንትን በቲ ኣብቲ ንሱ ዘይርድኦ ቛንቋታት ዘለዎም ኣፍልጦን ተሓጊዞም ንጽሑፋቱ ኣድቂቖም መርሚሮምዎ እዮም። ነቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብቕንዕና ኸም ዝመዝገቦ ኣረጋጊጾም እዮም። እቲ እተጋገዮ ኸኣ ወይ ጌጋ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ኪኸውን ኣለዎ ወይ ድማ ነቲ ሓበሬታ ብጌጋ ተረዲእዎ ኪኸውን ኣለዎ” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ