ትፈልጥዶ፧
እቶም ነቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ኪበጽሕዎ ዚኸዱ ሰብኣ-ሰገል እንታዎት እዮም ነይሮም፧
▪ ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዚርከብ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሓድሽ ንጉስ ከም እተወልደ ዚሕብሮም ኰዀብ ዝረኣዩ ኻብ “ምብራቕ” ዝመጹ በጻሕቲ፡ ነቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ውህበት ሃብዎ። እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ወንጌል ነዞም በጻሕቲ እዚኣቶም፡ ማጎይ ማለት ሰብኣ-ሰገል ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። (ማቴዎስ 2:1) ብዛዕባኦም እንታይ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፧
ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ሰብኣ-ሰገል ዚገልጽ እሙን ጥንታዊ ጽሑፋት፡ እቲ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ ሄሮዶተስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት እዩ። እቲ ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ሄሮዶተስ፡ እቶም ሰብኣ-ሰገል ብቘጸራ ኸዋኽብትን ሕልምታት ብምትርጓምን ብጥንቍልናን ዝሰልጠኑ ኻብ ኣቕሽሽቲ ፋርሳውያን ከም ዝነበሩ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ግዜ ሄሮዶተስ ዝነበረ ሃይማኖት ፋርሳውያን፡ ዞሮኣስተርነት እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ሄሮዶተስ ዝጠቐሶም ሰብኣ-ሰገል ኣቕሽሽቲ ዞርኣስተር ኪዀኑ ኣለዎም። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ እዋን ግዝኣት ግሪኽ ዝነበረ ማጎስ፡ ልዕለ-ባህርያዊ ፍልጠትን ክእለትን ነበሮ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ስራይ ይገብር . . . ነበረ” ይብል።
ከም ጀስቲን ማርቲርን ኦሪጀንን ተርቱልያንን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ጥንታውያን “ክርስትያናት” ወሃብቲ ርእይቶ፡ ነቶም ንየሱስ ዝበጽሕዎ ሰብኣ-ሰገል ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም ዝዀኑ ገሊጾምዎም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ተርቱልያን ኣብታ ኦን ኣይዶለትሪ እትበሃል መጽሓፉ፡ “ኣብ መንጎ ስግለትን [ጥንቍልናን] ቈጸራ ኸዋኽብትን ምትእስሳር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እምበኣር፡ . . . ብቐዳምነት [ንየሱስ] ‘ውህበት’ ዝሃብዎ እዮም ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ። ምስዚ ኣበሃህላ እዚ ብምስምማዕ፡ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንማጎስ፡ “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።
ማቴዎስ ነቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዚርከብ ቃላት፡ ነብዪ ኤርምያስ ከም ዝጸሓፎ ገይሩ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧
▪ እቲ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ዘሎ ቓላት፡ ኣብ ማቴዎስ 27:9, 10 ዚርከብ ኰይኑ፡ ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ ነቲ ንየሱስ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እተዋህበ ገንዘብ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ እዩ ዚርከብ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፤ ዋጋ እቲ . . . ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። . . . ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።” ነቲ ብዛዕባ 30 ቕርሺ ብሩር ዚገልጽ ትንቢት እተነበየ፡ ዘካርያስ ደኣ እምበር፡ ኤርምያስ ኣይኰነን።—ዘካርያስ 11:12, 13።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መጀመርያ እቲ “ነብያት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ጥሙር መጻሕፍቲ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዘይኰነስ፡ ትንቢት ኤርምያስ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ማቴዎስ 22:40) ስለዚ፡ ኣብዚ ማቴዎስ ብዛዕባ “ኤርምያስ” ኪዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ኣብ ፈለማ እትርከብ መጽሓፍ ዚጽዋዕ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ኽፋል እዚ፡ ንትንቢት ዘካርያስ እውን የጠቓልል ነይሩ እዩ።
የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ “መጻሕፍቲ” ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገሊኡ መጻሕፍቲ፡ “መዝሙራት” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። ስለዚ፡ እቲ “ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን” ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ከም ዚግብኦ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ዚርከብ ትንቢታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ሉቃስ 24:44።