ሕቶታት ኣንበብትና
የሱስ ናጽላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሓቂዶ ሰለስተ ሰብ ጥበብ በጺሖምዎ እዮም፧
ኣብ ከም ብዓል ደቡብ ኣመሪካን ምብራቕ ኤውሮጳን እስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዚግበር በዓል ልደት ዚርአ ምርኢት፡ የሱስ ናጽላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰለስተ ነገስታት ወይ ሰብ ጥበብ ክቡር ህያባት ሒዞም ኪበጽሕዎ ኸም ዝመጹ ይርአ እዩ። እዚ ዛንታ እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ምስቲ ጭቡጥ ሓቅታት ዚቃዶ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።
ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ኣብ ወንጌል ሉቃስን ብዛዕባ ጸብጻብ ፍጻመታት ውልደት የሱስ ተጻሒፉ እዩ። ኣብቲ ጸብጻባት፡ የሱስ ምስ ተወልደ ዝረኣይዎ፡ ኣብቲ ኸባቢ መጓሰ ዚጓስዩ ዝነበሩ ትሑታት ጓሶት ጥራይ ምንባሮም ተጠቒሱ ኣሎ። እቶም ነገስታት ተባሂሎም ዚጽውዑ ወይ እቶም ሰብ ጥበብ፡ ነገስታት ዘይኰኑስ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም፣ ቍጽሮም ክንደይ ምንባሩ ድማ ኣይፍለጥን እዩ። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ኪበጽሕዎ ኸለዉ፡ ገና ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ናጽላ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ናጽላነቱ ዘሕለፈ ኣብ ቤት ዚነብር ሕጻን እዩ ነይሩ። ናብኡ ምምጻኦም እውን ንህይወት የሱስ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነበረ!
እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ ንዝጸሓፎ ጸብጻብ ብጥንቃቐ እስከ ንመርምሮ፣ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ . . . እቲ መልኣኽ ድማ፤ . . . ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። . . . ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ።”—ሉቃስ 2:8-16።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዝነበሩ እተነግረሎም፡ ዮሴፍን ማርያምን እቶም ጓሶትን ጥራይ እዮም። ኣብቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ካልእ ሰብ ኣይተጠቕሰን።
ነቲ ኣብ ማቴዎስ 2:1-11 ዚርከብ ጸብጻብ ከኣ ንመርምሮ። እቲ ጸብጻብ፡ “የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ . . . ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ” ይብል። ሄሮድስ ናብ ቤት-ልሄም ከም ዝለኣኾም፡ ድሕሪ ምግላጹ ድማ፡ “ናብ ቤት አትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ” ይብል።
እቲ ጸብጻብ፡ “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” ዘይኰነስ፡ “ሰብ ጥበብ” ጥራይ ከም ዚብል፡ ከምኡውን ኣብ መጀመርታ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም ደኣ እምበር፡ ናብታ የሱስ እተወልደላ ቤት-ልሄም ከም ዘይተጓዕዙ ኣስተውዕል። ናብ ቤት-ልሄም ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ድማ፡ ገና ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ናጽላ ዘይኰነስ፡ ናጽላነቱ ዘሕለፈ ኣብ ቤት ዚነብር ሕጻን እዩ ነይሩ።
እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ “ሰብ ጥበብ” ተባሂሎም ዘለዉ በጻሕቲ፡ ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብኣ ሰገል” ወይ “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ተባሂሎም እውን ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ኤ ሃንድቡክ ኦን ዘ ጎስፕል ኦቭ ማቲው ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ እታ “ሰብ ጥበብ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ “ግሪኽኛ ስም፡ ብመጀመርታ ነቶም ክኢላታት ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝነበሩ ፋርሳውያን ካህናት እያ እተመልክት።” ዘ ኤክስፓንድድ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቃላት፡ እታ ቓል፡ “ጠንቋሊ፡ ኣስማተኛ፡ ስሒራዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜምስል፡ ብጥንቈላ ሊቅ ዝዀነ ሰብ” ከም እተመልክት ገሊጹ ኣሎ።
ሎሚ ቘጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ልሙድ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነዚ ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኰነ የጠንቅቕ እዩ። (ኢሳይያስ 47:13-15) እዚ ተግባራት እዚ ኽፋል ሓተታ መናፍስቲ ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ኣምላኽ ይፍንፍኖ እዩ። (ዘዳግም 18:10-12) ስለዚ ኸኣ እዩ ዝዀነ ይኹን መልኣኽ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ የሱስ ከም እተወልደ ዘይነገሮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብሕልሚ ገይሩ ነቲ ንየሱስ ኪቐትሎ ደልዩ ዝነበረ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ ተመሊሶም ከይነግርዎ ኣጠንቀቖም። ስለዚ ኸኣ፡ “ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።”—ማቴዎስ 2:11-16።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ዚገልጽ ሓቂ ዚጠውዮ ኣብ በዓል ልደት ዚዝረብ ጽውጽዋይ ኪዕቅብዎ ኣለዎምዶ፧ ፈጺሞም ከምኡ ኺገብሩ የብሎምን።