ምውላድ የሱስ እቲ ሓቀኛ ታሪኹ
ብዛዕባ ሓደ ኣብ ታሪኽ ሃገርካ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ፍጻመ ሕሰብ። እቲ ፍጻመ ጽቡቕ ገይሩ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ: ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ እውን ዝመዝገብዎ ኢዩ። ሓደ ሰብ እዚ ፍጻመ እዚ ፈጺሙ ዘየጋጠመ ነገር: ጽውጽዋይ ኢዩ እንተ ዝብለካስ እንታይ ምበልካ፧ ወይ ከኣ እስከ ነቲ ነገር ኣብ ናይ ብሕትኻ ጕዳይ ነምጽኣዩ: ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ እቲ ስድራቤትካ ብዛዕባ ምውላድ ኣባሓጎኻን ግዜ ንእስነቱን ዝነገሩኻ ነገራት: ሓሶት ኢዩ እንተ ዝብለካኸ እንታይ ምበልካ፧ ኣብ ክልቲኡ እዚ ጕዳይ እዚ እቲ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ንርእሱ የሕርቐካ ይኸውን። ብርግጽ ከኣ ንኸምዚ ዝበለ ዘረባታት ስቕ ኢልካ ኣይትኣምኖን ኢኻ!
ሎሚ ዘለዉ ነቐፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ማቴዎስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ጸብጻባት ምውላድ የሱስ ኣይቅበልዎን ኢዮም። እቲ ጸብጻባት ንሓድሕዱ ዝጋጮን ንኽሰማማዕ ተስፋ ዘይብሉን ኢዩ: ክልቲኡ ኸኣ ርኡይ ሓሶትን ታሪኽ ዝሰሓተ ነገራትን ዝሓዘ ኢዩ ይብሉ። እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ንኸምዚ ዝበለ ኽሲ ኣብ ክንዲ ምቕባል ነቲ ናይ ወንጌል ጸብጻብ ባዕልና እስከ ንመርምሮ። ክንምርምር ከሎና ኸኣ ሎሚ ንዓና እንታይ ከም ዝምህረና ንርአ።
እተጻሕፈሉ ዕላማ
ካብ መጀመርታኡ ናይዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻባት እዚ ዕላማ ምዝካር ሓጋዚ ኢዩ። እዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ናይ ታሪኽ ህይወት ስነ-ጽሑፋት (ባዮግራፊ) ኣይኰኑን፣ ወንጌላት ኢዮም። እቲ ፍልልይ ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ናይ ታሪኽ ህይወት ስነ-ጽሑፍ እቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ሰብ ብኸመይ ፍሉጥ ኣብ ናይ ምዃን ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንምግላጽ እቲ ደራሲ ብኣማእታት ዝቝጸር ገጻት ክጽሕፍ ይኽእል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ገለ ናይ ታሪኽ ህይወት ስነ-ጽሑፋት ናይቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ሰብ ወለዶ: ብዛዕባ ምውላዱ: ከምኡውን ግዜ ንእስነቱ ዝገልጽ ብዙሕ ገጻት ይርከቦ። ኣብ ወንጌል ግን እተፈልየ ኢዩ። ካብቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣርባዕተ ወንጌል ክልተ ማለት ማቴዎስን ሉቃስን ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ ምውላድን ንእስነትን የሱስ ዝነግሩ። ይኹን እምበር: ዕላምኦም የሱስ ከመይ ኢሉ ኣብቲ ደሓር ዝበጽሖ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንምሕባር ኣይኰነን። የሱስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ከም መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ይነብር ከም ዝነበረ ሰዓብቱ ኣፍልጦ ይህቡ ምንባሮም ዘክር። (ዮሃንስ 8:23, 58) ስለዚ ማቴዎስን ሉቃስን የሱስ ደሓር እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀነ ንምግላጽ ኣብ ናይ የሱስ ግዜ ቍልዕነት ምምርኳስ ኣየድለዮምን። ኣብ ክንድኡስ ምስ ዕላማ ወንጌሎም ዝሰማማዕ ፍጻመታት ኢዮም ኣዘንትዮም።
እቲ ዕላማ መጽሓፊኦምከ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እታ “ወንጌል” እትብል ቃል “ብስራት” ማለት ኢያ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክልቲኦም ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ኢዩ ነይርዎም: እዚ ኸኣ የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ፣ ምእንቲ ሓጢኣት ደቅሰብ ከም ዝሞተ፣ ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ኢዩ። እዞም ክልተ ጸሓፍቲ ግን እተፈላለየ ኣተዓባብያ ዝነበሮም ከምኡውን ንእተፈላለዩ ዓይነት ኣንበብቲ ከም ዝጸሓፉ ንጹር ኢዩ። እቲ ግብሪ ዘኽፍል ዝነበረ ማቴዎስ እቲ ዝጸሓፎ ብዝያዳ ንኣይሁዳውያን ኣንበብቲ ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ ኣቕሪብዎ። እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ነቲ ምናልባት ዓቢ ስልጣን ነይርዎ ክኸውን ዝኽእል “ኽቡር ቴዎፍሎስ” ብኡኡ ኣቢሉ ኸኣ ንብዙሓት ኣይሁድን ኣህዛብን ኣንበብቲ ኢዩ ጽሒፍዎ። (ሉቃስ 1:1-3) ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ብፍላይ ነቶም ኣንበብቱ ዝምልከትን ከእምኖም ዝኽእልን ፍጻመታት ኢዩ መሪጹ። በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ነቲ ምስ የሱስ ተተሓሒዙ እተፈጸመ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ትንቢታት ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሉቃስ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣንበብቱ ክርድእዎ ዝኽእሉ ታሪኻዊ ኣቀራርባ መረጸ።
እቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ እተፈላለየ ምዃኑ እምበኣር ኣይገርምን ኢዩ። እንተዀነ ግን ከምቲ እቶም ነቐፍቲ ዝብልዎ ክልቲኡ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን ኢዩ። ተገጣጢሙ ምሉእ ዝዀነ መብርሂ ንምፍጣር ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ ኢዩ።
ምውላድ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም
ማቴዎስን ሉቃስን ክልቲኦም ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ሓለፍ ዝበለ ተኣምራት መዝጊቦም ኣለዉ: እዚ ኸኣ ካብ ድንግል ከም እተወልደ ዝገልጽ ኢዩ። ማቴዎስ እዚ ተኣምራት እዚ መፈጸምታ ናይቲ ቅድሚ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ብኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ከም ዝዀነ ኣርኣየ። (ኢሳይያስ 7:14፣ ማቴዎስ 1:22, 23) ሉቃስ ብምኽንያት እቲ ቄሳር ዘውጽኦ ናይ ምምዝጋብ ሕጊ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ክጓዓዙ ከም እተገደዱ እሞ የሱስ ከኣ ኣብኡ ከም እተወልደ ይገልጽ። (ነቲ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን ርአ።) የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ምውላዱ ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። ቅድሚ ገለ ክፍለ-ዘበናት ነብዪ ሚክያስ እቲ መሲሕ ካብዛ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዝነበረት ንእሽቶ ከተማ ክውለድ ምዃኑ ተዛሪቡ ነበረ።—ሚክያስ 5:2
ናይ ልደት ቅርጽታት መበቈሉ እቲ የሱስ እተወልደሉ ለይቲ ምዃኑ ኢዩ ብሰፊሑ ዝፍለጥ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ሓቂ ዛንታ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝግለጽ እተፈልየ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ንዮሴፍን ንማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ዘምጽኦም ቈጸራ ህዝቢ ዝነግረና ጸሓፍ ዛንታ ሉቃስ: ብዛዕባ እቶም ኣብታ ኣገዳሲት ለይቲ እቲኣ ምስ መጓሲኦም ኣብ ደገ ዝነበሩ ጓሶት እውን ይነግረና ኢዩ። እዚ ክልተ ኵነታት እዚ ንብዙሓት ተመራመርቲ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ኣብ እዋን ታሕሳስ ክውለድ ከም ዘይክእል ንኽድምድሙ ሓጊዝዎም ኢዩ። ቄሳር ነቶም ተኣፈፍቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብቲ ቍርን ዝናምን ዝነበሮ ወቕቲ ንኽምዝገቡ ናብ ዓዶም ክጓዓዙ ከገድዶም ዘይመስል ምዃኑ የመልክቱ: እዚ ነቶም ዓለወኛታት ዝነበሩ ህዝቢ ኣጸቢቖም ከም ዝቝጥዑ ክገብሮም ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቆራሪ እዋን እቶም ጓሶት ምስተን መጓሰ ኣብ ደገ ክጸንሑ እውን ፈጺሙ ዘይመስል ምዃኑ ምሁራት የመልክቱ።—ሉቃስ 2:8-14
የሆዋ ናይ ወዱ ምውላድ ነቶም ምሁራትን ኣብቲ ግዜ እቲ ጽልዋ ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖትን ዘይኰነስ: ነቶም ኣብ ግዳም ዝናብርኦም ኣድካሚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ክነግር ከም ዝመረጸ ኣስተብህል። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስቶም ብሰንኪ ዘይጥዕም ናይ ስራሕ ሰዓታት ንገለ ካብቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ክሕልዉ ዘይክእሉ ዝነበሩ ጓሶት ብዙሕ ርክብ ኣይነበሮምን። ኣምላኽ ግን ነዞም ትሑታትን እሙናትን ዝዀኑ ሰባት: መላእኽቲ ሰዲዱ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንኣሽሓት ዓመታት ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም እተወልደ ብምንጋር ዓቢ ክብሪ ሂቡ ስምረቱ ኣርኣዮም። እቶም ንማርያምን ዮሴፍን ዝበጽሕዎም እሞ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝረኣይዎስ እቶም ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ናይ ልደት ቅርጽታት ዝረኣዩ “ሰለስተ ነገስታት” ዘይኰኑስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኢዮም ነይሮም።—ሉቃስ 2:15-20
የሆዋ ነቶም ትሑታት ደለይቲ ጽድቂ ስምረቱ የርእዮም
ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎን ዕላምኡ ክፍጸም ከሎ ክርእዩ ዝህንጠዩን ትሑታት ሰባት ስምረቱ የርእዮም ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ቅድሚ ምውላዱን ድሕሪ ምውላዱን ዝዀነ ፍጻመታት ተደጋጊሙ ዘሎ ቀንዲ ሓሳባት ኢዩ። እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ጸኒሑ ዮሴፍን ማርያምን ንሕጊ ሙሴ ብምእዛዝ ናብ ቤት መቕደስ ኣምጽእዎ: ኣብኡ ኸኣ መስዋእቲ ንምቕራብ “ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ” ኣምጽኡ። (ሉቃስ 2:22-24) እቲ ሕጊ ገንሸል ከምጽኡ ኢዩ ዝእዝዝ ነይሩ: እንተዀነ ግን ድኻታት እንተድኣ ኰይኖም ነዚ ሕስር ዝበለ ምርጫ እዚ ከቕረቡ እውን የፍቅድ ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 12:1-8) ሕስብ እሞ ኣብሎ። እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ዝዓብየሉ ቤት ክመርጽ ከሎ ሃብታም ዘይኰነስ ድኻ ስድራቤት ኢዩ መሪጹ። ወላዲ እንተድኣ ዄንካ እቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ንዋታዊ ሃብትን ዝና ዘምጽእ ትምህርትን ዝበለጸ ንወሉዳትካ ክትህቦም እትኽእል ሓለፍ ዝበለ ህያብ: ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ናይ ምሃብ ሃዋሁ ዘለዎ ቤት ምዃኑ ንኽትዝክር ዝሕግዝ ህያው ኣብነት ኢዩ።
ኣብቲ ቤት መቕደስ እውን ካልኦት ክልተ እሙናትን ትሕትና ዝነበሮምን ኣምለኽቲ ስምረት የሆዋ ረኺቦም ኢዮም። ሓንቲ ሃና: እታ ‘ካብ ቤት መቕደስ ዘይትተርፍ’ (NW ) ዝነበረት 84 ዝዕድሚኣ መበለት ኢያ። (ሉቃስ 2:36, 37) ካልእ ከኣ እቲ እሙን ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ስምኦን ዝስሙ ሰብኣይ ኢዩ። ክልቲኦም በቲ ኣምላኽ ቅድሚ ሙማቶም ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ክኸውን ዘለዎ ሰብ ንኽርእይዎ ዝሃቦም መሰል ተሓጒሶም ኢዮም። ስምኦን ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ተነበየ። ተስፋ ዝመልኦ ትንቢት ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ቁሩብ ዘሕዝን ነገር እውን ነይርዎ ኢዩ። ማርያም: እዛ መንእሰይ ኣደ ሓደ ግዜ በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ እተፍቅሮ ወዳ ዝወርድ ክትሓዝን ምዃና ኢዩ ተነብዩ።—ሉቃስ 2:25-35
ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ቈልዓ
ናይ ስምኦን ትንቢት እዚ ክፍኣት ዘይብሉ ሕጻን ክጽላእ ምዃኑ ዘርኢ ዘሕዝን መዘኻኸሪ ኢዩ ነይሩ። ገና ሕጻን ከሎ እውን ከይተረፈ እዚ ጽልኢ እዚ ድሮ ጀሚሩ ነበረ። ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ እዚ ከመይ ምዃኑ ብዝርዝር ኢዩ ዝነግር። ብዙሕ ኣዋርሕ ሓለፈ ዮሴፍ: ማርያም: ከምኡውን የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ ሓደ ገዛ ይነብሩ ነበሩ። ኣብኡ ኸኣ ከይሓሰብዎ ብዙሓት ወጻእተኛታት መጺኦም በጽሕዎም። ኣንጻር እቲ ናይ ልደት ቅርጽታት ዝገልጾ ማቴዎስ እቶም ዝበጽሕዎ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ኣይገለጸን: ወይውን ይትረፍዶ “ሰለስተ ነገስታት” ክብሎምሲ ኣብቲ ቦኽሪ ጽሑፉ “ሰብ ጥበብ” ኢሉውን ፈጺሙ ኣይጸውዖምን። እታ “ቈጸርቲ ከዋኽብቲ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ማ ʹጂ እትበሃል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ዝጥቀም። እዚ ጥራይ ንርእሱ ነቲ ዘንብብ ሰብ ገለ እኩይ ነገር ይዕየ ከም ዘሎ ሓበሬታ ክህቦ ይግባእ: ምኽንያቱ ምቝጻር ከዋኽብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዅንኖ: እቶም እሙናት ኣይሁድ ከኣ ካብኡ ክርሕቁ ዝጥንቀቕሉ ተግባር ኢዩ ነይሩ።—ዘዳግም 18:10-12፣ ኢሳይያስ 47:13, 14
እዞም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ እዚኣቶም ካብ ምብራቕ ንሓደ ኰዀብ ስዒቦም ኢዮም መጺኦም ነቲ “እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ” ዝኸውን ህያባት ከኣ ሒዞም ነበሩ። (ማቴዎስ 2:2) እቲ ኰዀብ ግን ናብ ቤት-ልሄም ኣይመርሖምን። ናብ የሩሳሌም ናብ ሄሮድስ እቲ ዓቢ ኢዩ ኣብጺሑዎም። ኣብ ዓለም ነቲ ሕጻን የሱስ ንምጕዳእ ድላይካ ናይ ምግባር ክእለትን ከምኡ ዘግብር ምኽንያትን ክህልዎ ዝኽእል ዋላ ሓደ ካልእ ሰብ ኣይነበረን። እዚ ስልጣን ዝሃርፍን ቀታልን ዝዀነ ሰብኣይ ብዙሓት ንስልጣኑ ኣስጋእቲ ኰይኖም እተራእይዎ ኣባላት ስድራቤቱ ቀቲሉ ኢዩ።a ብዛዕባ ምውላድ ናይ “ንጉስ ኣይሁድ” ምስ ሰምዐ ተረበሸ እሞ ነቶም ቈጸረቲ ከዋኽብቲ ናብ ቤት-ልሄም ከይዶም ክደልይዎ ብቕልጡፍ ሰደዶም። ክኸዱ ከለዉ ኸኣ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ተፈጸመ። እቲ ናብ የሩሳሌም ከም ዝኸዱ ዝገበሮም “ኰዀብ” እንደገና እተንቀሳቐሰ መሲሉ ተራእዮም!—ማቴዎስ 2:1-9
እዚ ኣብ ሰማይ እተራእየ ነገር ናይ ሓቂ ብርሃን ድዩ ነይሩ ወይስ ትርኢት እንፈልጦ ነገር የለን። እንተዀነ ግን: እዚ “ኰዀብ” እዚ ካብ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ንፈልጥ ኢና። እዚ ኰዀብ እዚ ነቶም ኣረማውያን ኣምለኽቲ ትኽ ኢሉ ናብቲ ብሓደ ድኻ ጸራብን በዓልቲ ቤቱን ጥራይ ተዓቚቡ ዝነበረ ተነቃፍን ረዳኢ ዘይብሉን ሕጻን የሱስ መርሖም። እቶም ብዘይ ፍላጥ ብሄሮድስ እተዓሸዉ ቈጸርቲ ከዋኽብቲ: ነቲ ሕነ ክፈዲ ዝደሊ ዝነበረ ገዛኢ ነቲ ሕጻን ከም ዝረኸብዎ ብምንጋር ጥፍኣት ናይቲ ቈልዓ መምጽኡ ነይሮም። ኣምላኽ ግን ብሕልሚ ገይሩ ኢዱ ኣብቲ ጕዳይ ኣእተወ እሞ: ብኻልእ መገዲ ናብ ቤቶም ከም ዝምለሱ ገበሮም። እምበኣርከስ እቲ “ኰዀብ” እቲ ንመሲሕ ንምጕዳእ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝገብር ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን እተጠቕመሉ ሜላ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ልደት ቅርጽታት እቲ “ኰዀብ” ከምኡውን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ከም ልኡኻት ኣምላኽ ተገሊጾም ምህላዎም ኣየ ከመይ ዝበለ ግርምቢጥ ኰን ኢዩ!—ማቴዎስ 2:9-12
ሰይጣን ግን ገና ኣይተሓለለን። እቲ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ሰይጣን ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ: ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ኵሎም ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጻናት ክቕተሉ ኣዘዘ። ሰይጣን ግን ኣንጻር የሆዋ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ጃምላዊ ቅትለት ናይ ክፍኣት ዘይብሎም ቈልዑ እውን ከይተረፈ ኣቐዲሙ ከም ዝረኣዮ ማቴዎስ ኣመልኪቱ ኣሎ። የሆዋ ብመልኣኹ ገይሩ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ሃዲሙ ክዕቈብ ብምጥንቃቕ እንደገና ንሰይጣን ተቓወሞ። ብድሕሪ ገለ ግዜ ዮሴፍ ነታ ንእሽቶ ዝነበረት ስድራቤቱ እንደገና ከም ዘግዓዛ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ናዝሬት ከም እተቐመጠ እሞ ኣብኡ ኸኣ የሱስ ምስቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከም ዝዓበየ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ይነግር።—ማቴዎስ 2:13-23፣ 13:55, 56
ምውላድ ክርስቶስ —ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ
ነዚ ምስ ምውላድ የሱስን ግዜ ንእስነቱን እተተሓሓዘ ፍጻመታት ዝገልጽ ጽማቝ ሓሳባት ምስ ኣንበብካ ተገሪምካዶ፧ ብዙሓት ሰባት ይግረሙ ኢዮም። ዋላ እኳ ገለ ሰባት ብድፍረት ኣንጻሩ ዝዛረቡ እንተዀኑ: ብዙሓት ግን እቲ ጸብጻብ ዝሰማማዕን ልክዕን ኰይኑ ምስ ረኸብዎ ይግረሙ ኢዮም። ገለ ፍጻመታት ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ እተነግረ ምዃኑ ምፍላጦም ይግረሙ ኢዮም። እቲ ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ዘሎ ልምዳዊ ዛንታታትን ናይ ልደት ቅርጽታትን ዝገልጾ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ቀንዲ ነገራት ንጹር ዝዀነ ፍልልይ ስለ ዘለዎ እውን ይግረሙ ኢዮም።
ምናልባት እቲ ዝያዳ ዅሉ ዘገርም ግን እቲ ኣብ በዓል ልደት ዝግበር መብዛሕትኡ ነገራት ነቲ ወንጌል ዘዘንትዎ ቀንዲ ነጥብታት ምግዳፉ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ኣቦ የሱስ—ዮሴፍ ዘይኰነስ የሆዋ ኣምላኽ—ዋላ ሓንቲ ኣይብሃልን ኢዩ። ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ ንኸዕብይዎን ክከናኸንዎን ኢሉ ንዮሴፍን ማርያምን ሕድሪ ክህቦም ከሎ ዝነበሮ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ሰማያዊ ኣቦ ወዱ ገና ሕጻን ከሎ እውን ከይተረፈ ንምቕታሉ ውዲት ዝፍሕስ ጽልኢ ዝመልኦ ንጉስ ኣብ ዝነብራ ዓለም ክዓቢ ክሰዶ ኸሎ እተሰምዖ ሓዘን ገምቶ! የሆዋ እዚ መስዋእቲ እዚ ንኽገብር ዝደፋፍኦ ዓሚቝ ፍቕሪ ደቅሰብ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ ሓቂ ክርስቶስ ኣብ በዓላት ልደት ተረሲዑ ኢዩ። እታ እተወልደላ ዕለት ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝነገሮም ዝገልጽ ሓበሬታ እውን ከይተረፈ ፈጺሙ የለን፣ ወይ ሰዓብቱ እተወልደላ ዕለት የብዕሉ ከም ዝነበሩ ዘመልክት ዋላ ሓንቲ የለን።
የሱስ ንሰዓብቱ እታ እተወልደላ ዕለት ዘይኰነትስ እቲ ኣብ ታሪኽ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ሞቱ ክዝክሩ ኢዩ ኣዚዝዎም። (ሉቃስ 22:19, 20) የሱስ ከም ሓደ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ረዳኢ ዘይብሉ ሕጻን ክዝከር ኣይደለየን: ምኽንያቱ ሕጂ ኣብቲ ኵነታት እቲ ኣይኰነን ዘሎ። ምስ ተቐትለ ድሕሪ 60 ዓመታት የሱስ ብራእይ ንሃዋርያ ዮሃንስ ከም ሓደ ናብ ውግእ ዝመርሕ ሓያል ንጉስ ኰይኑ ተገልጸሉ። (ራእይ 19:11-16) ሎሚ ንየሱስ በቲ ከም ገዛኢ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዝህልዎ ግደ ኢና ክንፈልጦ ዘድልየና: ከመይሲ ንሱ እቲ ንዓለም ዝልውጣ ንጉስ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a አረ ቄሳር ኣውጉስጦስሲ ካብ ወዲ ሄሮድስ ምዃን ሓሰማ ናይ ሄሮድስ ምዃን ይሓይሽ ብምባል ርእይቶ ሂቡ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሉቃስ ተጋግዩዶ ኢዩ ነይሩ፧
እቲ ኣብ ናዝሬት ዝዓበየ ብልምዲ ኸኣ ናዝሬታዊ ዝብሃል ዝነበረ የሱስ: ኣብቲ ካብ ናዝሬት 150 ኪሎ ሜትር ዝርሕቕ ቤት-ልሄም ክውለድ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ሉቃስ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኰነ ድማ: በቲ ቕነ እቲ [ቅድሚ ምውላድ የሱስ] ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ: ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ: ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ።”—ሉቃስ 1:1፣ 2:1-3
ነቐፍቲ ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ከም ጌጋ ወይ ካብኡ ዝገደደ ኸኣ ከም ምህዞ ገይሮም ኢዮም ብሰፊሑ ዝዛረቡላ። እዚ ቈጸራ ህዝቢ እዝን ናይ ቀሬኔዎስ ግዝኣትን ብ6 ወይ 7 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኰይኑ ብምባል ኣትሪሮም ይዛረቡ። ሓቆም እንተድኣ ኰይኖም: እዚ ኣብ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ከቢድ ምጥርጣር ከም ዝሓድር ክገብር ኢዩ: ከመይሲ እቲ መርትዖ የሱስ ብ2 ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተወልደ ኢዩ ዝሕብር። እዞም ነቐፍቲ እዚኣቶም ግን ሸለል ዝበልዎ ክልተ ቀንዲ ሓቅታት ኣሎ። መጀመርታ ነገር ሉቃስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቈጸራ ህዝቢ ከም እተገብረ ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ: ነዚኣ “ቀዳመይቲ ጽሕፈት” ከም ዝበላ ኣስተብህል። ብድሕሪኡ ካልእ ጽሕፈት ከም እተገብረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:37 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ደሓር እተገብረ ቈጸራ ህዝቢ ምስቲ ብ6 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ዝገለጾ ሓደ ኢዩ። ካልኣይ ነገር ድማ ናይ ቀሬኔዎስ ግዝኣት ንምውላድ የሱስ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዕለት እዚ ንኸነጸግዖ ኣይግድደናን ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ምኽንያቱ ቀሬኔዎስ ኣብዚ ስልጣን እዚ ኰይኑ ዝሰርሐ ኽልተ ግዜ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ብዙሓት ምሁራት እቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰርሖ ክሳዕ መወዳእታ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ምንባሩ ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም።
ገሊኦም ነቐፍቲ ሉቃስ ነቲ ናይ ሚክያስ 5:2 ትንቢት ከም እተፈጸመ ንምግባር: ቈጸራ ህዝቢ ብምምሃዝ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዝውለድ ገይሩ ብምባል ይዛረቡ። እዚ ክልሰ-ሓሳብ እዚ ንሉቃስ ኰነ ኢሉ ዝሕሱ ሰብ ኢዩ ዝገብሮ: ዝዀነ ነቓፊ ኸኣ ንኸምዚ ዝበለ ብሂል ምስቲ ነቲ ወንጌልን ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ዝጸሓፈ ጥንቁቕ ጸሓፍ ዛንታ ከም ዝሰማማዕ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ።
እቲ ቈጸራ ህዝቢ ንርእሱ መፈጸምታ ትንቢት ኢዩ: እዚ ኸኣ ዋላ ሓደ ነቓፊ ክገልጾ ዘይክእል ነገር ኢዩ! ኣብ መበል ሻዱሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዳንኤል “ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ኸኣ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ኺሰዶ ኢዩ” ብምባል ብዛዕባ ሓደ ገዛኢ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኣብ ኣውጉስጦስን ኣብቲ ብናቱ ትእዛዝ ኣብ እስራኤል እተገብረ ቈጸራ ህዝብን ዝውዕል ድዩ ነይሩ፧ እቲ ትንቢት ቀጺሉ እቲ መሲሕ ወይ “መስፍን ቃል ኪዳን” ኣብ ግዜ ግዝኣት እቲ ንኣውጉስጦስ ዝተክአ ጢቤርዮስ ‘ክስበር’ ምዃኑ ይዛረብ ኢዩ።—ዳንኤል 11:20-22
[ስእልታት]
ቄሳር ኣውጉስጦስ (27 ቅ.ኣ.ዘ.–14 ከ.ኣ.ዘ.)
ቄሳር ጢቤርዮስ (14-37 ከ.ኣ.ዘ.)
[ምንጪ ስእሊ]
Musée de Normandie, Caen, France
Photograph taken by courtesy of the British Museum
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
መልኣኽ የሆዋ ነቶም ትሑታት ጓሶት: ክርስቶስ ከም እተወልደ ብምብሳር ስምረቱ ኣርኣዮም