ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • ውቁባት ማካው

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውቁባት ማካው
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 2 ገጽ 14-15
ሰማያውን ብጫን ማካው

ሰማያውን ብጫን ማካው። ቁመት፦ 85 ሰንቲ ሜተር

ውቁባት ማካው

ማራኺ ሕብርታት ዘለወን ጕጅለ ኣዕዋፍ ካብቲ ዱር ነፊረን ወጻ። እዚ ዜደንቕ ተርእዮ እዚ፡ ነቶም ኣብ መወዳእታ 15 ኽፍለ ዘመን ናብ ማእከላይን ደቡባውን ኣመሪካ ዝመጹ ኤውሮጳውያን ዳህሰስቲ መሲጥዎም እዩ። እዘን ዝረኣይወን ኣዕዋፍ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት ኣመሪካ ዚርከባ ነዊሕ ዝጭርአን ማካው ዚብሃላ ዓይነት ሕንጻይ (ፓፓጋሎ) እየን። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስእልታት እዘን ፍሉያት ፍጥረታት እዚአን ከም ምልክት እቲ ሓድሽ እተረኽበ ገነት ዚብል ስም እተዋህቦ ቦታ ዀይኑ፡ ኣብ ካርታታት እቲ ዞባ ኺወጽእ ጀመረ።

ተባዕትዮን ኣንስትዮን ማካው፡ ካብተን ብሕብሪ ዘጌጻ ኻልኦት ኣዕዋፍ ዚፈልዮም ደሚቕ ሕብሪ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ማካው መስተውዓልትን ብእኩብ ዚነብሩን ኰይኖም ተሪርን ቀጢንን ድምጺ እዩ ዘለዎም። ኣዝርእትን ትሮፒካዊ ፍረታትን ካልእ ምግብን ንምምእራር፡ ብሓንሳብ ኣስታት 30 ዚዀኑ ማካው ኣንጊሆም ካብ ሰፈሮም ይወጹ። ከም ካልኦት ሕንጻይ፡ ብዓንቃሪቦ ጽፍሮም ምግቢ ጨቢጦም ብምሓዝ በቲ ገዚፍን ጠዋይን ዝዀነ መትኰቦም እዮም ዚበልዑ። ንተሪር ሽፋን ካዕካዕ እውን ከይተረፈ ጨዲዶም ኪኸፍትዎ ይኽእሉ እዮም። ምስ ተመገቡ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብጕጅለ ዀይኖም ናብ ኣጻድፍ ወይ ገማግም ርባ ብምኻድ መሬት ይተዅቡ፣ እዚ ድማ በቲ እተመገብዎ ኸይምረዙን ዜድልዮም ቀመማዊ ባእታታት ኪረኽቡን ዜኽእሎም እዩ።

“[ኣምላኽ] ንዅሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ።”—መክብብ 3:11

ማካው ብተፈጥሮኦም ንምሉእ ህይወቶም ይጻመዱን ንጨቓዊቶም ኣብ ምእላይ ንሓድሕዶም ይተሓባበሩን እዮም። እቶም እተፈላለዩ ዓሌታት፡ ኣብ ጓንጓታት ኦም፡ ደንደስ ርባታት፡ ጒላታት ፍልሖ፡ ወይ ድማ ኣብ ነቓዓት ኣጻድፍ እዮም ዚሰፍሩ፣ ኣብኡ ድማ እቶም መጻምድቲ ንኽንቲት ሓድሕዶም ኬመዓራርዩ ኸለዉ ኺርኣዩ ይኽእሉ እዮም። ሽሕ እኳ እቶም ጨቓዊት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እኹላት ዚዀኑ እንተ ዀኑ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ምስ ወለዶም እዮም ዚጸንሑ። ማካው ኣብ በረኻ ኻብ 30 ኽሳዕ 40 ዓመት ብህይወት ኪጸንሑ ይኽእሉ፣ ገሊኦም ኣብ ቤት እተታሕዙ ግና ንልዕሊ 60 ዓመት ብህይወት ጸኒሖም እዮም። ኣስታት 18 ዓሌት ማካው እዮም ዘለዉ። ገለ ኻብዚኣቶም ኣብዚ ስእልታት ኪርኣዩ ይኽእሉ እዮም።

ቀጠልያ ዝኽንፎም ማካው

ቀጠልያ ዝኽንፉ ማካው፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብሩ ማካው እውን ይብሃል እዩ። ቁመት፦ ክሳዕ 95 ሰንቲ ሜተር ይበጽሕ

ድሙቕ ቀይሕ ማካው

ድሙቕ ቀይሕ ማካው። ቁመት፦ 85 ሰንቲ ሜተር

ሰማያዊ ማካው

ሰማያዊ ማካው። ቁመት፦ ክሳዕ 100 ሰንቲ ሜተር ይበጽሕ። ካብ ኵሎም ዓሌታት ሕንጻይ እቲ ዝዓበየ እዩ፣ ልዕሊ 1.3 ኪሎ ግራም ከኣ ይምዘን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ