ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 5/14 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ
  • ኤውሮጳ
  • ኒው ዚላንድ
  • ኣላስካ
  • ዓለም
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2014
g 5/14 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ

ኣብ ገረብ እተጠምጠመ ተመን

ብመሰረት ዎርልድ ዋይልድላይፍ ፋንድ፡ ካብ 1997 ክሳዕ 2011 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ክሊ ዓባይ ሜኮንግ፡ ሩቢ ኣይድ ፒት ቫይፐር (Trimeresurus rubeus) ዚብሃል ጅር ተመን እውን ዚርከቦም፡ ሓያሎ ሓደስቲ ጅር ኣትክልትን እንስሳታትን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ነይሩ። እዚ ኽሊ እዚ ኽሳብ ካምቦድያ፡ ላኦስ፡ ምያንማር፡ ታይላንድ፡ ቬትናም፡ ከምኡ እውን ክሳብ ኣውራጃ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ዩናን ዚዝርጋሕ እዩ። ካብቶም ብ2011 እተረኽቡ ጅር፡ 82 ኣትክልትን 21 ለመምትን 13 ዓሳን 5 ምድረ ማያውያንን 5 መጥበውትን ይርከብዎም።

ኤውሮጳ

ዘ ሞስኮ ታይምስ እትብሃል ጋዜጣ ኸም ዝገለጸቶ፡ ንሰባት ናይ ምሻጥ ንግድ፡ “ኣብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ” ኸቢድ ጸገም ኰይኑ ኸም ዘሎ ገለጸት። ሰባት ብጾታዊ ርክብ ንኺምዝመዙ፡ ብግዲ ንኺሽቕሉ፡ ከምኡ እውን ‘ውሽጣዊ ኽፍሊ ኣካላቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድ ንኺውዕል’ እዮም ዚሽየጡ። ንሰባት ዚሸጡ ነጋዶ፡ ንድኽነትን ንስራሕ ኣልቦነትን ንጾታዊ ዘይማዕረነትን ብምምዝማዝ እዮም ከምዚ ዚገብሩ።

ኒው ዚላንድ

ሓደ ቘልዓ ቲቪ ኺርኢ ኸሎ

ብዛዕባ እቶም ተለቪዥን ዚርእዩ ቘልዑን ኣባጽሕን ምርምር ዚገብሩ ተመራመርቲ ኸም ዝበልዎ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተለቪዥን ምርኣይ፡ ‘ነቲ ኣብ መጀመርታታት ዕድመ ብጽሕና ኣብ ዚርከቡ ሰባት ዚርአ ጸረ ሕብረተ ሰብ ዝዀነ ባህርያት ከም ዜስፋሕፍሕ’ ገይርዎ ኣሎ። እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ቈልዑ “ኣብ መዓልቲ ንእተመርጸ መደብ ካብ 1 ኽሳዕ 2 ሰዓታት ንላዕሊ” ኺርእዩ ኸም ዘይብሎም ንዚውሃብ ርእይቶ ዚድግፍ ምዃኑ እውን ሓቢሮም እዮም።

ኣላስካ

ሓንቲ ቝሸት ደቀባት ኣላስካ ኣብ ኣየር ኴንካ ኽትርአ ኸላ

ዳርጋ ዅለን “ኣቝሻት ደቀባት ኣላስካ” ኣብ ገማግም ባሕሪ ወይ ጥቓ ኣፍላጋት እየን ዚርከባ፣ ካብዘን ኣቝሻት እዚአን 86 ሚእታዊት ዚዀና ምዕልቕላቕ ማይን ምብሕጓግ መሬትን የጋጥመን ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምቘት ኣየር፡ እቲ ንምክልኻል ዚጠቅም በረድ ስለ ዚድንጒ፡ እተን ኣቝሻት ነቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ዜጋጥም ማይ እተሓወሶ ህቦብላ ንፋስ ይቃልዓ ኣለዋ።

ዓለም

ብንፋስ ዚሽክርከር መሳርሒ

ከም ንፋስን ጸሓይን ዝኣመሰሉ ብኽለት ዘይብሎም ናይ ጸዓት ተክኖሎጂ ንምስፍሕፋሕ ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ተዋፈረ፡ “እቲ ሎሚ ጸዓት ንምውጻእ ተባሂሉ ዚግበር ብከላ፡ ማዕረ እቲ 20 ዓመት ይገብር ዝነበረ ብከላ” ምዃኑ፡ ማርያ ቫንደር ሆቨን ዝስሙ፡ ቀንዲ ዳይረክተር ወኪል ኣህጕራዊ ጸዓት ገሊጹ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ