ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 3 ገጽ 16
  • ክሳድ ጻጸ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክሳድ ጻጸ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት
    ንቕሑ!—2017
  • ጸራባይ ጻጸ ዘለዎ መጽረዪ ኣንቴና
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 3 ገጽ 16

ተነዲፉ ድዩ፧

ክሳድ ጻጸ

ሓደ ጻጸ ብኣፉ ኣቝጽልቲ ይስከም

እቲ ጻጸ ኻብ ኣካላቱ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ኽብደት ንዘለዎ ነገር ኪስከም ዘለዎ ኽእለት ንመሃንድሳት የደንቖም እዩ። ነዚ ኽእለት እዚ ንምርዳእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግዝኣት ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከቡ መሃንድሳት ንገሊኡ ስነ ቕርጽን ኣካላዊ ጠባይን መካኒካዊ ስራሕን ጻጸ ብኮምፕዩተር እተዳለወ ሞዴል ሰርሑሉ። ነዚ ሞዴላት፡ ብማይክሮ ሲ ቲ ስካን እተዳለወ ስእልታትን ጻጸ ጾር ኪስከም ከሎ ንዚፈጥሮ ሓይሊ ብተምሳል ዜርኢ ነገርን ተጠቒሞም እዮም ሰሪሖምዎ።

እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ስነ ቕርጺ ጻጸ፡ እቲ ንኸቢድ ዝዀነ ጾር ኣብ ኣፉ ቐርቂሩ ኺሕዝ ዚድግፎ ኽሳዱ እዩ። ከምቲ ኣብ ክልቲኡ ኣእዳውካ ንዘሎ ኣጻብዕቲ ሓላሊኽካ እትጠምሮ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣብ ክሳድ ጻጸ ዚርከቡ ልምሉማት ኣካሊት (ቲሹ፡) ምስቲ ተሪር ግዳማዊ ኣስከሬን ቆፎ ኣፍ ልቡን ምስ ርእሱን እተጠምሩ እዮም። ሓደ ኻብቶም ተመራመርቲ፡ “ንድፍን ቅርጽን እዚ መተኣሳሰሪ፡ ነቲ መላግቦ ኽሳድ ዚዓይየሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “እዚ ተሪርን ልምሉምን ነገራት ንሓድሕዶም እተጠምሩሉ ፍሉይ መገዲ፡ ነቲ ምጥባቕ ዜደልድል፡ ንመላግቦ ኽሳድ ከኣ ከቢድ ጾር ናይ ምስካም ክእለት ኪህልዎ ዜኽእል ቀንዲ ንድፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ። ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኽሳድ ጻጸ ዚዓይየሉ መገዲ ንጹር ምርዳእ ምርካብ፡ ንድፊ ሰብ ዝሰርሖ ሮቦታዊ መሳሪሒታት ኣብ ምምዕባል ኣበርክቶ ኺገብር ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ እተሓላለኸን ብዚግባእ እተወሃሃደን መካኒካዊ ስርዓት ክሳድ ጻጸ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፧ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ