ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 1 ገጽ 16
  • ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
  • ክሳድ ጻጸ
    ንቕሑ!—2016
  • ጸራባይ ጻጸ ዘለዎ መጽረዪ ኣንቴና
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ይርአ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 1 ገጽ 16
ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ

ተነዲፉ ድዩ፧

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ (ካታግላይፊስ ቦምባይሲና) ሓደ ኻብቶም በቲ ንሙቐት ዘለዎም ተጻዋርነት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስርዑ እንስሳታት ምድሪ እዩ። ኣብ ሰሃራ ኣብ ኣጋ ፋዱስ ዘላ ብርትዕቲ ጸሓይ ነቶም ሃደንቱ ኣብ ጽላል ኪዀኑ ምስ ኣገደደቶም፡ እቲ ጻጸ ምግቡ ኺምእርር ንሓጺር እዋን ካብ ጕድጓዱ ይወጽእ። ገለ ኻብቲ ምግቡ ድማ፡ በቲ ብርቱዕ ሙቐት ዝሞቱ ኻልኦት ሓሸራታት እዮም።

እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ ፍሉይ ጸጕሪ ኻብ ሙቐት ይከላኸለሉ

[50] ማይክሮሜተር

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ብሩራዊ ጻጸ ነዚ ብርቱዕ ሙቐት ኪጻወሮ ዝኸኣለ፡ ዝባኑን ጐድኑን ብፍሉይ ጸጕሪ እተሸፈነ፡ ከብዱ ድማ ጸጕሪ ዘይብሉ ብምዃኑ እዩ። እቲ ብሩራዊ ዝሕብሩ ብሪቕሪቕ ዚብል ጸጕሩ (1, 2)፡ ስሉስ ኵርናዓዊ ብዚቕርጹ ንኣሽቱ ትቦታት ዝቘመ እዩ (3)። እቲ ኻብ ኣካላቱ ንንየው ገጹ ዝኣንፈተ ዝባን እቲ ጸጕሪ ብማይክሮስኮፕ ኺርአ ኸሎ ኸም ዝዓጠረ ዚመስል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ናብ ኣካላቱ ኣንፈት ዘሎ ግና ልሙጽ እዩ። እዚ ንድፊ እዚ ኽልተ ጥቕሚ ኣለዎ። ቀዳማይ፡ እቲ ጸጕሪ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዚመጽእ ብዓይኒ ዘይርአ ሙቐት ዚህብ ጸርጊ ኣንጸባሪቑ ይመልሶ። ካልኣይ፡ ነቲ እቲ ጻጸ ኻብ ኣከባቢ ዚረኽቦ ሙቐት የዝሕሎ። ከብዲ እቲ ጻጸ ብዘይ ጸጕሪ ምዃኑ ኸኣ፡ ነቲ ኻብ ባይታ እቲ ምድረ በዳ ዚመጽእ ዓይነት ጸርጊ ኣንጸባሪቑ ኺመልሶ ይሕግዞ።a

እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ ጸጕሪ ጐሊሑ ኺርአ ኸሎ ስሉስ ኵርናዓዊ ትቦ ይመስል

[10] ማይክሮሜተር

እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት፡ ንሙቐት ኣካላቱ ትሕቲ እቲ ኺጻወሮ ዚኽእል ዝለዓለ መጠን፡ ማለት ትሕቲ 53.6 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኪኸውን የኽእሎ። ተመራመርቲ ኸኣ በዚ ደቂቕ ፍጥረት እዚ ተለዓዒሎም፡ ብዘይ ሓገዝ መንበድበዲ ወይ ካልእ ንዋት ኬዝሕል ዚኽእል ፍሉይ ኣልባሳት የዳልዉ ኣለዉ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

a ካልእ ነቲ ጻጸ ዚሕግዞ ነገር ድማ፡ እቲ ኣብ ኣካላቱ ዚርከብ ብብርቱዕ ሙቐት ብቐሊሉ ዘይመክኽ ፍሉይ ፕሮቲን፡ ካብቲ ዝረሰነ ሑጻ ኽብ ኢሉ ብፍጥነት ኪጐዪ ዜኽእሎ ነዋሕቲ ኣእጋር፡ ናብ ጕድጓዱ ብዝሓጸረ መገዲ ኺምለስ ዜኽእሎ ኣንፈት ናይ ምፍላጥ ብሉጽ ክእለት ኪጥቀስ ይከኣል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ