ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 1 ገጽ 12-15
  • ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይራ እያ ንምድሪ ኽትገዝኣ እትጅምር፧
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እትጥቀም፧
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 1 ገጽ 12-15
ሰባት ኣብ ገነት ተሓጒሶም ይነብሩ

እቲ ብድሆ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚስገር

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እታ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረላ ብኣምላኽ ዝቘመት ዓለምለኻዊ መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ዓለምለኻዊ ሰላምን ስኒትን ከተምጽእ እያ። ከምቲ ኣብ መዝሙር 72:7 ተተስፍዩ ዘሎ ድማ፡ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ።” መንግስቲ ኣምላኽ ግና መዓስ እያ ንምድሪ ኽትገዝኣ እትጅምር፧ ከመይ ገይራ እያ ኸምኡ እትገብር፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እትጥቀም፧

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትመጸሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዜርኢ ብዙሕ ዓበይቲ ፍጻመታት ይዝርዝር እዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ብድምር ከም ሓደ “ምልክት” ጌርካ ይርአ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ድማ ኣህጉራዊ ውግእን ጥሜትን ሕማምን ሓያሎ ምንቅጥቃጥ ምድርን ብዙሕ ጥሕሰት ሕግን ኪጥቀስ ይከኣል።—ማቴዎስ 24:3, 7, 12፣ ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:2-8።

ካልእ ትንቢት ከኣ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ . . . ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ [ኪዀኑ እዮም]” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) እዚ ባህርያት እዚ ብእተወሰነ ደረጃ ኻብ ጥንቲ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ግና ዝውቱር ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ትንቢታት እዚ፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኺፍጸም ጀሚሩ ኣሎ። ጸሓፍቲ ታሪኽን ሰብ ስልጣንን፡ ዓለም ድሕሪ እታ ዓመት እቲኣ ኸም እተቐየረት ሓሳብ ሂቦም እዮም። ንኣብነት፡ ፒተር ሙንክ ዝስሙ ደንማርካዊ ጸሓፊ ታሪኽ፡ “እቲ ብ1914 እተላዕለ ውግእ፡ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ሓደ ዓብዪ ነጥበ መቐይሮ እዩ። ካብቲ . . . ብሩህ እዋን ምዕባለ፡ ናብቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ድሕንነት ስምዒት ዝጠፍኣሉ ናይ ዕንወትን ራዕድን ጽልእን መዋእል ኣቲና” ኢሉ ጸሓፈ።

ብኣወንታዊ ሸነኹ ኸኣ፡ እዚ ዅነታት እዚ፡ ከምቲ ቕድሚ ህድኣት ዘሎ ህቦብላ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ እዩ ዜርኢ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዝጠቐሶ ምልክት፡ እዚ ዚስዕብ ኣወንታዊ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14።

እቲ ብስራት እቲ ድማ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር መልእኽቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። ኣርእስቲ እታ ቐንዲ መጽሔቶም እውን መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዚብል እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን እትገብረሎም ዜደንቕ ነገራት እውን ትገልጽ።

መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይራ እያ ንምድሪ ኽትገዝኣ እትጅምር፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ኣገዳሲ ነጥቢ የጠቓልል፦

  1. መንግስቲ ኣምላኽ ብፖለቲካውያን መራሕቲ እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ኣቢላ ኣይኰነትን እትገዝእ።

  2. ፖለቲካውያን መራሕቲ ዓለም ካብ ስልጣኖም ከይወርዱ ኺብሉ፡ ንግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብዕሽነት ኪጻረርዎ እዮም።—መዝሙር 2:2-9።

  3. መንግስቲ ኣምላኽ ነተን ንደቂ ሰብ ኪገዝኣኦም ዚደልያ ፖለቲካውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 19:17-21) እዚ ናይ መወዳእታ ውግእ እዚ ኸኣ፡ ኣርማጌዶን ይብሃል።—ራእይ 16:14, 16።

  4. ኵሎም እቶም ብፍታዎም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግዝኡ ሰባት ካብ ኣርማጌዶን ድሒኖም፡ ሰላም ናብ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ እዮም። ንዓታቶም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ፣ ቍጽሮም እውን ምናልባት ሚልዮናት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ራእይ 7:9, 10, 13, 14።

    መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እያ ኽትገዝእ፧

    የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ እንታይ ከም ዚገብር ዜርኢ መርኣዪ ሂቡ እዩ። ሕሙማትን ስንኩላትን ኣሕውዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:23) ኣሽሓት ሰባት መጊቡ እዩ። (ማርቆስ 6:35-44) ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት እውን ተቘጻጺሩ እዩ።—ማርቆስ 4:37-41።

    የሱስ ንሰባት ይምህር

    ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሱስ ንሰባት፡ ከመይ ኢሎም ብሰላምን ብስኒትን ከም ዚነብሩ ምሂሩ እዩ። ኵሎም እቶም ንትምህርትታቱ ብትሕትና ዚትግብርዎ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ባህርያት የማዕብሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ፍረ ኼምጽእ ዚኽእል ካልእ መምህር የልቦን። ገለ ኻብቲ የሱስ ዝመሃሮ ሰናይ ትምህርትታት ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7 እተመዝገበ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ይርከብ እዩ። ስለምንታይ ነዚ ዘይተንብቦ፧ ቃላቱ ቐሊል እዩ። መልእኽቱ ግና ዓሚቝ እዩ፡ ብሓቂ እውን ልቢ ዚትንኪ እዩ።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እትጥቀም፧

ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ዜኽእለካ ቐዳማይ ስጕምቲ፡ ትምህርቲ እዩ። የሱስ ናብ ኣምላኽ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ዚፈልጥዎ፡ ብብዙሕ መገድታት ይጥቀሙ እዮም። ክልተ መገዲ ጥራይ ንርአ፦ ቀዳማይ፡ ኣብኡ ድልድልቲ እምነት የሕድሩ። እታ ኣብ መርትዖ እተመስረተት እምነት ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃናን ግዝኣታ ኸም ዝቐረበን የእምኖም። (እብራውያን 11:1) ካልኣይ፡ ንኣምላኽን ንሰብን ዘላቶም ፍቕሪ ትዓቢ። ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ፡ ብፍታዎም ኪእዘዝዎ ትድርኾም። ፍቕሪ ሰብ ከኣ፡ ነታ የሱስ እተዛረባ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ ትድርኾም። እታ ወርቃዊት ሕጊ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም” ትብል።—ሉቃስ 6:31።

ፈጣሪና ኸም ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ንጥቕምና እዩ ዚሓሊ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ህይወት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ኽንረክብ ይደልየና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ሕጂ ዘሎ ህይወት፡ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣይኰነን። ሚልዮናት ሰባት ብዙሕ ጭንቂ ስለ ዘለዎም፡ የስተንፍሱ ጥራይ እዮም ዘለዉ ኺብሃል ይከኣል እዩ። “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ ከም ዚመስል ንምርኣይ፡ ገለ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ እትገብረሎም ዜደንቕ ነገራት እስከ ንርአ።

ናይ ሓቂ ህይወት እንታይ ኪመስል እዩ፧

  • “ብዘመኑ [ብዘመን ንግስና ክርስቶስ]፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ . . . ሰላም ኪበዝሕ እዩ። . . . ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም።”—መዝሙር 72:7, 8, 13, 14።

  • “[ኣምላኽ] ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ።”—መዝሙር 46:9።

  • “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16።

  • “ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። . . . ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22።

  • “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . ኪነብር እዩ፣ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

ሰባት ኣብ ገነት ተሓጒሶም ይነብሩ

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰባት ሰላምን ውሕስነትን ኪረኽቡ፡ እኹል ምግቢ እውን ኪህልዎም እዩ

ቀንዲ ነጥቢ

ትምህርትታት የሱስ፡ ቅኑዕ ንምግባር ብርታዐ ይህብ እዩ። ኵሎም እቶም ነቲ ትምህርትታቱ ዚቕበልዎ ኸኣ ንዓለምለኻዊት መንግስቱ ዚግዝኡ ሰላም ዚፈትዉ ናይ ሓቂ ዜጋታት ሓንቲ ዓለም ይዀኑ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ