ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 10-11
  • 3. ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3. ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • 4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧
    ንቕሑ!—2020
  • መከራ
    ንቕሑ!—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 10-11
ወለዲ ነቲ ኢዱ ተቘሪጹ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰ ወዶም ይርእይዎ።

3. ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ ምዃኖም፡ ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ገሊኦም ከኣ ቅኑዕ ሰብ ምዃን፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓብስ ይስምዖም እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ገሊኦም ሰባት፡ ደቂ ሰብ ኣብ ዑደት ሞትን ዳግመ ልደትን ዕንክሊል ከም ዚብሉ ይኣምኑ እዮም። እቶም ሰናይ ዝገበሩ ኣብ ጽቡቕ ህይወት ከም ዚውለዱ፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ኣብ ሕማቕ ህይወት ከም ዚውለዱ ይኣምኑ እዮም። ብመሰረት እዚ እምነቶም ድማ፡ ቅኑዕ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ “ሕሉፍ ህይወቱ” ሕማቕ እንተ ገይሩ፡ መከራ ይረኽቦ ማለት እዩ። እንተዀነ ግና፡ . . .

  • እቲ ዳግም ዚውለድ ሰብ ነቲ ሕሉፍ ህይወት ዘይዝክሮ እንተ ዀይኑ፡ እዚ እንታይ ይዓብስ፧

  • ኵነታትና በቲ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ዝገብርናዮ ዚውሰን እንተ ዀይኑ፡ ጥዕናና ንምሕላው ወይ ካብ ሓደጋታት ንምጥንቃቕ እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧

    ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

    ኣብ jw.org ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መከራ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ መቕጻዕቲ ኣይኰነን።

ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ መከራ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ እዩ፡ ማለት ሕማቕ ኣብ ዜጓንፈሉ እዋን ኣብቲ ቦታ እቲ ብምጽናሑ ዜጋጥም እዩ።

“ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ ኸም ዘይስዕሩ፡ ጥበበኛታት ከኣ ምግቢ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ኣስተውዓልቲ ድማ ሃብቲ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።”—መክብብ 9:11።

ሓጢኣትና ንመከራ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ነታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ነቲ ሰብ ዚገብሮ ሕማቕ ተግባር ንምምልካት እዮም ዚጥቀሙላ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ነቲ ዅሎም ሰባት፡—ቅኑዓት ኰኑ ኽፉኣት፡—ዝወረስዎ ነገር ሓጢኣት ኢሉ ይገልጾ እዩ።

“እንሆ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ፣ ካብታ ኣደይ ዝጠነሰትኒ ግዜ ኣትሒዘ ሓጥእ እየ።”—መዝሙር 51:5፡ እግረ ጽሑፍ።

ሓጢኣት ኣብ ደቂ ሰብ ሕማቕ ጽልዋ ኣለዎ።

ነቲ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ርክብ ኣብ ርእሲ ምብልሻዉ፡ ምስ ካልእ ፍጥረት ኣምላኽ ከም ዘይንቃዶ እውን ገይሩና እዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባት ኰነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ብዙሕ መከራ ኣምጺኡ እዩ።

“ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ [ኣሎ]።”—ሮሜ 7:21።

“ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን [ኣሎ]።”—ሮሜ 8:22።

ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧

ብዙሕ ካብቲ መከራና ብሰንኪ ሓጢኣትና እዩ ዚመጽእ፣ ሓጢኣት ድማ ቅኑዓትን ክፉኣትን ሰባት ብማዕረ ዝወረስዎ እዩ። እዚ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ከኣ፡ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ምምዝባል፡ ከምኡ ድማ ነቲ ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዚጐዳድኡ ዚገብር ባህርያት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ኣምላኽ ከምዚ ድዩ ሓሊኑ ነይሩ፧ መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧

ሕቶ 4 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ