ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 12-13
  • 4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መከራ
    ንቕሑ!—2015
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 12-13
ኣብ ጥቓ ኣኽራን፡ ኣብ ድንኳን ዚሓድሩ ስድራ ቤት። እቶም ስድራ ቤት ምስቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ኣኽራን ይሰኣሉ።

4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣመለኻኽታ ይጸልዎ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣምላኽ ኣብ ዓለም እዚ ዅሉ ጽባቐ ፈጢሩ ኼብቅዕሲ፡ ህይወትና መከራ ኪኸውን ኢሉ ምፈጠረናዶ፧

ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ መከራ፡ ንባህርያት ኣምላኽ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንህልውና ኣምላኽ ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። መከራ ምህላዉ፡ (1) ኣምላኽ ንምውጋዱ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ (2) ኣምላኽ ንመከራ ኼወግዶ ኸም ዘይደሊ፡ ወይ (3) ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ዜርኢ ምዃኑ ይኣምኑ።

ግናኸ፡ እዚ ኣማራጺታት እዚ ጥራይ ድዩ ዘሎ፧

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኣብ jw.org መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ፡ መከራ ኽንረክብ ኣይኰነን ፈጢሩና።

ብህይወት ክንሕጐስ እዩ ዚደልየና።

“[ንሰባትሲ] ብህይወት ከለዉ ኻብ ምሕጓስን ጽቡቕ ካብ ምግባርን ዚሓይሽ ነገር ከም ዘይብሎም ደምደምኩ፣ ኵሉ ሰብ እውን ይብላዕን ይስተን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ድማ ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።”—መክብብ 3:12, 13።

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሰባት ፍጹም ዝዀነ ህይወት ሂቡ እዩ ኣጀሚርዎም።

ንሳቶም ኰነ ዘርኦም መከራ ኺረኽቡ ኣይሓለነን።

“ኣምላኽ ድማ፡ ‘ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን’ . . . በሎም።”—ዘፍጥረት 1:28።

እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰባት ካብ ኣምላኽ ኺፍለዩ ወሲኖም።

እዚ ድማ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ኵሎም ዘርኦምን ብዙሕ መከራ ኣምጺኡ።

“ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”—ሮሜ 5:12።a

ኣምላኽ ካብ መሪሕነቱ ተፈሊና ብርእስና ኽንነብር ኣይኰነን ፈጢሩና።

ከምቲ ኣብ ትሕቲ ማይ ኽንነብር ዘይተፈጠርና፡ ገዛእ ርእስና ኽንገዝእ እውን ኣይተፈጠርናን።

“ዚመላለስ ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 10:23።

ኣምላኽ፡ መከራ ኽንረክብ ኣይደልየናን እዩ።

ብእተኻእለ መጠን ካብ ጸገማት ሓራ ዄንና ኽንነብር እዩ ዚደልየና።

“ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ።”—ኢሳይያስ 48:18።

a እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንግጉይ ተግባራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሎም ሰባት ንዝወረስዎ ዅነት ወይ ነገር እውን ተመልክት እያ።

መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧

ኣይፋልን። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ መከራ ኺረኽቡ ሓሊኑ ኣይኰነን ፈጢርዎም። እቶም ክልተ ቐዳሞት ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪመላለሱ ምስ ወሰኑ እዩ መከራ ጀሚሩ። እዚ ግና ወዲ ሰብ ካብ ዘየቋርጽ ዓንኬል መከራ ኺወጽእ ኣይክእልን ማለት ኣይኰነን።

መከራናስ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ሕቶ 5 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ