ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • 5. መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 5. መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • መከራ
    ንቕሑ!—2015
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ዓለምለኻዊ ጸገም ዓለምለኻዊ ፍታሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 14-15
ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ጥቓ ብሓባር ግዜ እናኣሕለፉ ይስሕቁን ይዘናግዑን።

5. መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መከራ ኸም ዜኽትም ዜእምነና ምኽንያት እንተሎ፡ እዚ ተስፋ እዚ ነቲ ብዛዕባ ህይወትን ብዛዕባ ኣምላኽን ዘሎና ኣረኣእያ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ብዙሓት ሰባት ንመከራ ኼወግድዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ዓቕሞም ግና ድሩት እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ተመልከት፦

ኣብ ሕክምና ምዕባለታት እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ሕማም ልቢ ብቐዳምነት ዚስራዕ ጠንቂ ሞት ኰይኑ ኣሎ።

  • መንሽሮ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ይቐትል ኣሎ።

  • ዶ/ር ዴቪድ ብሉም ኣብ መጽሔት ፍሮንቲርስ ኢን ኢሙኖሎጂ ኸም ዝጸሓፎ፡ “ዓለምና ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዚቕልቀል ዘሎን ዳግም ዚቕልቀል ዘሎን ተመሓላላፊ ሕማማት ስግኣት ኣለዋ።”

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ስጋዊ ብልጽግና እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ሕጻናት ይሞቱ ኣለዉ፣ እቶም ኣብ ድኻታት ዓድታት ዚነብሩ ድማ እዮም መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ዚጽለዉ።

  • ቢልዮናት ሰባት ብዘይ እኹል ሓለዋ ጽሬት ይነብሩ ኣለዉ።

  • ኣማእታት ሚልዮናት ቀረብ ውሑስ ማይ የብሎምን።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጦ እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ንግዲ ሰባት ይቕጽል ኣሎ፣ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዚብሎ ድማ፡ እቶም ንበደልቲ ብሕጊ ዘይከስስዎም ሰበ ስልጣን፡ “ወይ እቲ ጸገም ኣይርኣዮምን እዩ፣ ወይ ድማ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዓቕሚ የብሎምን።”

    ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

    ኣብ jw.org መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ።

ብስቓይናን ብሓዘንናን ዘይግድሶ ኣይኰነን።

“[ኣምላኽ] ንመከራ ጭቁን ኣይነዓቐን፡ ኣይፈንፈነን እውን፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወለን። ናብኡ ምስ ኣእወየ፡ ሰሚዕዎ እዩ።”—መዝሙር 22:24።

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።

መከራ ንሓዋሩ ኣይኪቕጽልን እዩ።

ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

ኣምላኽ ንጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ፍታሕ ኪገብረሉ እዩ።

ብመንግስቱ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ናይ ሓቂ ምዃና ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። . . . ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44።

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

እወ፡ ግናኸ ብሰብኣዊ ጻዕርታት ኣይኰነን ዜኽትም። ሰብኣውያን መንግስትታት ነቲ መከራ ኺንክያኦ ጥራይ እየን ዚጽዕራ፡ ኣምላኽ ግና ንጠንቂ እቲ ሽግር ፍታሕ ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። ብመንግስቱ ኣቢሉ ድማ ከምኡ ኺገብር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ