ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽልኢ—ዓለምለኻዊ ጸገም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ ኴንካዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 3
ክልተ ሰባት እናኸዱ ፊት ንፊት ይራኸቡ። እቲ ሓደ ንጽላሎት እቲ ሓደ ኸም ዜፍርህ ገዚፍ ነገር ገይሩ ይርእዮ።

ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧

ኣቐዲምካ ፍርዲ ኸም ቫይረስ እዩ። ንግዳያቱ ኺጐድኦም ከሎ፡ ብእኡ ኸም እተለኽፉ እኳ ኸይፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

ሰባት ነቶም ካባታቶም እተፈልየ ዜግነት፡ ዓሌት፡ ዘርኢ፡ ወይ ቋንቋ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም እተፈልየ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ወይ ማሕበራዊ ደርቢ ዘለዎም ሰባት እውን ኣቐዲሞም ይፈርድዎም እዮም። ገሊኦም ንሰባት ብምኽንያት ዕድሚኦም፡ ትምህርቶም፡ ስንክልናኦም፡ ወይ ትርኢቶም ብኣሉታዊ ይፈርድዎም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣቐዲሞም ይፈርዱ ኸም ዘለዉ ኸይመስሎም ይኽእል እዩ።

እሞኸ በዚ ኣቐዲምካ ፍርድስ ተለኺፍካ ዲኻ፧ መብዛሕትና፡ ካልእ ሰብ ኣቐዲሙ ኺፈርድ ከሎ ይርኣየና እዩ። ንሕና ኸምኡ ኽንገብር ከለና ግና ኣይርኣየናን እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ኵላትና ብእተወሰነ ደረጃ ኣቐዲምና ንፈርድ ኢና። ዴቪድ ዊልያምስ ዚብሃል ፕሮፌሰር ስነ ማሕበር፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ጕጅለ ኣሉታዊ ነገር ዚሓስቡ እንተ ዀይኖም እሞ ምስ ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ምስ ዚራኸቡ፡ “ነቲ ሰብ እቲ ኸይተፈለጦም ብእተፈልየ መገዲ እዮም ዚሕዝዎ” ይብል።

ንኣብነት፡ ኣብታ ዮቪሳ ዚነብረላ ኣብ ባልካን እትርከብ ሃገር፡ ውሑዳን ጕጅለ ኣለዉ። ዮቪሳ ኸኣ፡ “ዋላ ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ጥዑይ ሰብ ዚኸውን ኣይመስለንን እዩ ነይሩ” ኢሉ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይእመን። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣቐዲመ እፈርድ ምንባረይ ግና ኣይፍለጠንን እዩ ነይሩ። ‘ስለምንታይሲ፡ እዚ ሓቂ እዩ’ ኢለ ንርእሰይ አእምና ነይረ” ይብል።

ሓያሎ መንግስትታት ንዓሌትነትን ንኻልእ ዓይነት ኣቐዲምካ ፍርድን ዚኽልክል ሕግታት የውጽኣ እየን። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲምካ ፍርዲ ኣይጠፍአን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ሕግታት እቲ ንተግባር ሰብ ጥራይ እዩ ዚኽልክል። ንሓሳባትን ንስምዒታትን ሰብ ኪቈጻጸር ኣይክእልን እዩ። ኣቐዲምካ ፍርዲ ድማ ኣብ ኣእምሮን ልብን ሰብ እዩ ዚጅምር። እሞ ደኣ ኣንጻር ኣቐዲምካ ፍርዲ ዚግበር ቃልሲ፡ ክንዕወተሉ ዘይንኽእል ቃልሲ ድዩ፧ ኣቐዲምካ ፍርድስ ፈውሲ ኣለዎዶ፧

ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ዝነበረ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ኬሰንፉ ዘኽኣሎም ሓሙሽተ ስርዓታት ኪግለጽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ