ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ ኴንካዶ ኢኻ፧
ቀቢላዊ ዓመጽ: ዓሌትነት: ኣድልዎ: ሻራ: ከምኡውን ምጽናት ዘርኢ እንታይ ናይ ሓባር ዝዀነ ነገር ኢዩ ዘለዎም፧ ኵሎም ሳዕቤን ናይቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ወድሰብ ዝንባለ—ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ—ኢዮም!
ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ “ብግቡእ ንምፍራድ ኢልካ ግዜ ብዘይ ምውሳድ ወይ ሓልዩ ብዘይ ምርኣይ ዝፍጠር ኣረኣእያ ኢዩ” ብምባል ይገልጾ። ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን ብእተወሰነ ደረጃ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናብ ምርኣይ ገጽና ዝዘዘና ኢና። ኵሉ እቲ ጭብጥታት ኣብ ግምት ከየእተኻ ፍርዲ ዝሃብካሉ ግዜ ምናልባት ክትዝክር ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ምስቲ ኣምላኽ ዝህቦ ኣገባብ ፍርዲ ከምዚ ብምባል የነጻጽሮ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7
ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ክጐድእ ይኽእል ኢዩ
ብዘይጥርጥር: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገለ ግዜ: ብኻልእ ሰብ ብጌጋ ተፈሪዱ ኢዩ። (ምስ መክብብ 7:21, 22 ኣረኣእዮ።) ብሓፈሻኡ: ኵላትና ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳያት ኢና። ይኹን እምበር: ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባታት ቀልጢፉ እንተድኣ ተወጊዱ: ጕድኣት ዳርጋ ኣየውርድን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባታት እናዓበየ ክኸይድ ምስ እነፍቅደሉንጹር ንምግባር ኢዩ ጕድኣት ዘስዕብ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባታት ንሓሶት ከም እንኣምኖ ብምግባር ከታልለና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ብምኽንያት ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ጽልዋ ገለ ሰባት ሓደ ሰብ ኣባል ናይ ገለ ሃይማኖታዊ: ቀቢላዊ: ወይ ሃገራዊ ጕጅለ ብምዃኑ ጥራይ ስሱዕ: ሃካይ: ኣብዲ: ወይ ድማ ዕቡይ ኢዩ ኢሎም ብሓቂ ይኣምኑ ይዀኑ።
ኣብ ብዙሕ ጕዳያት: ከምዚ ዝበለ ጌጋ ፍርዲ ምሃብ ንኻልኦት ብዘይቅኑዕ: ሃሳዪ: ወይ ጭከና ብዝመልኦ መገዲ ናብ ምሓዝ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ሚልዮናት ሰባት ኣብቲ እተገብረ ጃምላዊ ቅትለት: ምጽናት ዘርኢ: ዓሌታዊ ምቕታል: ከምኡውን ኣብ ካልእ ዓይነት ሕሉፍ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ህይወቶም ኣጥፊኦም ኢዮም።
ኣብ ምልእቲ ምድሪ: መንግስታት ነቲ ዘይገሃስ ናይ ናጽነት: ድሕንነት: ከምኡውን ማዕርነት መሰል ብሕጋዊ መገዲ ዋሕስ ብምግባር ንኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ከጥፍኣ ታቓሊሰን ኢየን። ነቲ ናይ ሃገርካ ቅዋም ወይ ሕጊ እንተ ረኣኻውን ዓሌቶም: ጾታኦም: ወይ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ናይ ኵሎም ዜጋታት መሰል ንምሕላው ተባሂሉ እተገብረ ዓንቀጽ ወይ መአረምታ ሕጊ ክትረክብ ኢኻ። ጌና ግን: ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይን ኣድልዎን ኣብ መላእ ዓለም ግኑን ኢዩ ዘሎ።
ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ ኴንካዶ ኢኻ፧ ብምኽንያት ዓሌትካ: ዕድመኻ: ጾታኻ: ዜግነትካ: ወይ ሃይማኖታዊ እምነትካ ተላዒሎም ጥራይ ስሱዕ: ሃካይ: ኣብዲ: ወይ ዕቡይ ተባሂልካ ተጸዊዕካዶ ኢኻ፧ ብምኽንያት ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግቡእ ዝዀነ ትምህርቲ: ስራሕ: መንበሪ: ከምኡውን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚታት ተኸልኪልካዶ ኢኻ፧ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ዀይኑ ብኸመይ ኢኻ ክትዋጽኣሉ እትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ኣተሓሳስባታትንጹር ንክኸውን ምዕባይ: ንናይ ዓሌትነት ጽልኢ የጐሃህሮ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
Nina Berman/Sipa Press