ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/6 ገጽ 3-4
  • ጽልኢ—ዓለምለኻዊ ጸገም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽልኢ—ዓለምለኻዊ ጸገም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሕታዊ ጕዳይ
  • ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ናይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ግዳይ ኴንካዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/6 ገጽ 3-4

ገበር፦ ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም​—መዓስ፧

ጽልኢ​—ዓለምለኻዊ ጸገም

ጆናታን ዝስሙ መበቈሉ ኮርያዊ ዝዀነ ኣመሪካዊ፡ ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ግዳይ ዓሌታዊ ጽልኢ ዀይኑ ነበረ። ምስ ዓበየ ግና፡ ብምኽንያት ሕብሪ ቘርበቱ ወይ ዓሌቱ ኸይተጸልአ ኺነብረሉ ዚኽእል ከባቢ ኸናዲ ጀመረ። ኣብ ሰሜናዊ ኣላስካ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ሓኪም ኰይኑ ኺዓዪ ጀመረ። ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ተሓከምቲ ኸምቲ ናቱ ዓይነት ቈርበት ዝነበሮም እዮም። ኣብቲ ቘራሪ ንፋስ ዝነበሮ ኣርክቲካዊ ዓንኬል እቲ፡ ካብቲ ዝያዳ ቘራሪ ዝዀነ ጽልኢ ኣምሊጡ ኺነብር ዚኽእል ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ ንሓንቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ኪገብረላ ኸሎ፡ ኵሉ እቲ ዝነበሮ ተስፋ በነነ። እታ ተሓካሚት ውኖኣ ምስ ፈለጠት፡ ንጆናታን ገጹ ረኣየቶ እሞ፡ ንኮርያውያን ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ትጸልኦም ስለ ዝነበረት፡ ተጻረፈቶ። እዚ፡ ቍስሉ እዩ ኣዘኻኺርዎ፣ ማለት ኵሉ እቲ ምስቶም ንዕኡ ዚመስሉ ሰባት ኪተሓዋወስ ኢሉ ናብ ኣላስካ ንምግዓዝ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ኼዕቝቦ ኸም ዘይክእል ዚሕብር እዩ ነይሩ።

ንጆናታን ዘጋጠሞ ተመክሮ፡ ሓደ ሓቂ ዜጕልሕ እዩ። ጽልኢ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ እዩ ዘሎ። ኣብ ኵሉ እቲ ሰባት ዚነብሩሉ ቦታ፡ ጽልኢ ዘሎ እዩ ዚመስል።

ጽልኢ ኣብ ፈቐዶኡ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ መብዛሕትኦም ነዚ ባህርይ እዚ ይዅንንዎ እዮም። እዚ ብሓቂ ግርምቢጥ እዩ። ሓደ ዘይፍቶ ነገር ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ኼስፋሕፍሕ ዚኽእል፧ ሓያሎ ነዚ ባህርይ እዚ ዘይፈትውዎ ሰባት፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም እውን ከም ዘሎ ኣይፈልጡን እዮም። ንዓኻኸ እዚ ባህርይ እዚ ኺህልወካ ይኽእል ድዩ፧ እንታይ ኢልካ ኢኻ እትምልስ፧

ጽልኢ እንታይ እዩ፧

ገሊኣቶም፡ “ንሓደ ሰብ ኣባል እተወሰነ ጕጅለ ብምዃኑ ጥራይ፡ ብኣሉታ ምርኣይ” ከም ዜመልክት ይገልጹ። ገሊኣቶም ከኣ፡ “ኣብ ዘይተማልአ ሓበሬታ” ተመርኲስካ፡ “ንኣባላት ሓደ ጕጅለ ኣቐዲምካ ምፍራድ” ከም ዜመልክት ይገልጹ። እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ዓሌቱ፡ ክብደቱ፡ ጾታኡ፡ ቋንቋኡ፡ ሃይማኖቱ፡ ወይ ብሰንኪ ኻልእ ፍልይ ዜብሎ ነገር ኪጽላእ ይኽእል እዩ።

ብሕታዊ ጕዳይ

ኣብ ልብና እተወሰነ ጽልኢ እንተ ኣልዩና፡ ንኸነለልዮ ኣሸጋሪ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” እዩ ዚብል። (ኤርምያስ 17:9) ስለዚ፡ ርእስና ብምጥባር ንዅሎም ዓይነት ሰባት ክንጻወሮም ከም እንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ንገሊኦም ሰባት ብኣሉታ ንኽንርእዮም ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎና ጌርና ንሓስብ ንኸውን።

ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ይስምዓካ፧

ሕቡእ ጽልኢ እንተ ኣልዩና ንኽትፈልጥ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣብነት ንርአ። ምሸት ብጸልማት ኣብ ሓደ መገዲ በይንኻ ትጓዓዝ ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ቅድሚ ሕጂ ርኢኻዮም ዘይትፈልጥ ክልተ ኣጕባዝ ናባኻ ገጾም ይቐርቡ ኣለዉ። ክልቲኦም ድልዱላት እዮም ዚመስሉ፡ አረ ሓደ ኻብታቶምሲ ኣብ ኢዱ ገለ ነገር ዝሓዘ እዩ ዚመስል።

እሞኸ እቶም ኣጕባዝ ከም ዜስግኡኻ ጌርካ ዲኻ እትድምድም፧ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመካ ተመክሮ፡ ክትጥንቀቕ ከም ዘሎካ ኺሕብረካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓቂዶ ነዞም ክልተ ኣጕባዝ እዚኦም ሓደገኛታት ከም ዝዀኑ ጌርካ ንኽትርእዮም ብቝዕ ምኽንያት ይኸውን እዩ፧ ብዝያዳ ኸኣ፡ ነዞም ክልተ ኣጕባዝ እዚኦም ካበየናይ ዓሌት ከም ዝዀኑ ጌርካ ኢኻ እትሓስቦም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነገር ዚገልጽ እዩ። ብእተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን፡ ጽልኢ ኸም ዘሎካ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብቕንዕና ርእስና ምስ እንምርምር፡ ኵላትና ኣብ ውሽጥና ደረጃኡ እተፈላለየ ጽልኢ ኸም ዘሎና ንእመን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰባት ንኻልኦት ብትርኢቶም ይፈርድዎም እዮም” ብምባል፡ እዚ ዓይነት ባህርይ እዚ ኣብ ሰባት ከም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (1 ሳሙኤል 16:7፡ ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) እምበኣር፡ ኵላትና እዚ ባህርይ እዚ ስለ ዘሎና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ሕማቕ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ፡ ‘ነዚ ባህርይ እዚ ኸሰንፎ ወይ ከኣ ከወግዶ እኽእል ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ምልእቲ ዓለም ካብዚ ናጻ እትዀነሉ ግዜኸ ንርኢ ዶዀን ንኸውን፧

ዓለምለኻዊ ጸገም

ካናዳ፦ “ንመሰላት እተፈላለዩ ማሕበረ ሰባት ንምዕቋብ ተባሂሉ፡ ንፍልልያት [እታ ሃገር] ዚሓቍፍ፡ ሓያሎ ሕጋዊ ዀነ ናይ ፖሊሲ መሰናድዎታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ኸቢድ ሰብኣዊ ጸገም ኰይኑ ኣሎ።”—ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሪፊንግ ኦን ካናዳ፡ 2012።

ኤውሮጳ፦ “[ኣርብዓን ሸሞንተን] ሚእታዊት ኤውሮጳውያን፡ ኣብ ሃገሮም ኣድልዎ ንምጥፋእ ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ።”—ኢንቶለራንስ፡ ፕሪጁዲስ አንድ ዲስክሪምኔሽን፡ ኤ ዩሮፕያን ሪፖርት፡ 2011።

ኣፍሪቃ፦ “እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዜጋጥመን ዓመጽን ኣድልዎን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።”—ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሪፖርት 2012።

ነፓል፦ “ኣባላት እቶም ጭቁናት ደርብታት ሂንዱ፡ ብፍላይ ምስ ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን እተተሓሓዘ መዳያት ኣድልዎ ይግበረሎም እዩ።”—ህዩማን ራይትስ ዎች ዎርልድ ሪፖርት፡ 2012።

ምብራቕ ኤውሮጳ፦ “ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚጥቅዑ፡ ኣብ ዓዶም ከኣ ዚጽልኡ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዚነብሩ ሮማ [ወይ ጂፕሲ]፡ ዝዀነ ይኹን ፖለቲከኛ ኺፈትሖ ዘይደሊ ጸገም ኣለዎም።”—ዘ ኢኮኖሚስት፡ 4 መስከረም 2010።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ