ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 10-11
  • ምሳታቶም ተዓራረኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሳታቶም ተዓራረኽ
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸገም
  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ምሳታቶም ምትዕርራኽ ብኸመይ ይሕግዝ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ማእሰር ኣቐዲምካ ፍርዲ በቲኾም
    ንቕሑ!—2020
  • ፍቕሪ ኣርእዮም
    ንቕሑ!—2020
  • ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክተዓራረኽ ኣሎኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 10-11
ኣርባዕተ በበይኑ ዝዓሌተን ኣንስቲ፡ ደቀን እናተጻወቱ ንሳተን የዕልላን ይስሕቃን።

ምሳታቶም ተዓራረኽ

እቲ ጸገም

ካብቶም ብኣሉታዊ ዓይኒ እንርእዮም ሰባት ገዛእ ርእስና እንተ ፈሊና፡ ነቲ ኣቐዲምና ናይ ምፍራድ ባህርይና ነጋድዶ ኢና። ምስቶም ከማና ዘበሉ ሰባት ጥራይ እንተ ተዓራሪኽና፡ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ተግባራትናን ጥራይ ቅቡል ከም ዝዀነ ኺመስለና ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ልብኹም ጋህ ኣብሉ።”—2 ቈረንቶስ 6:13።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ “ልብና” ንዚስምዓና ስምዒትን ንእንፈትዎ ነገራትን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ነቶም ከማና ዝኣመሰሉ ሰባት ጥራይ ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ልብና ዕጹው ወይ ጸቢብ ይኸውን። ነዚ ጸገም እዚ ንምውጋድ፡ ምስቶም ካባና እተፈልዩ ንምትዕርራኽ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

ምሳታቶም ምትዕርራኽ ብኸመይ ይሕግዝ፧

ምስ ካልኦት ብብሕቲ ኽንፋለጥ ከለና፡ ገሊኡ ተግባሮም ካብ ናትና እተፈልየሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይጅምር እዩ። ናባታቶም እናቐረብና ብዝኸድና መጠን ከኣ፡ ከም ክፍሊ ጕጅለና ጌርና ኢና እንርእዮም። ብዝያዳ ኸነኽብሮም ንጅምር፣ መኻፍልቲ ሓጐሶምን ሓዘኖምን እውን ንኸውን።

ንናዛረ እስከ ከም ኣብነት ንውሰዳ። ኣብ ሓደ እዋን ንስደተኛታት ኣቐዲማ ትፈርዶም ነይራ እያ። እንታይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ምሳታቶም ግዜ ኣሕሊፈ፡ ምሳታቶም እውን ሰሪሐ። ካብቲ እቲ ማሕበረ ሰብ ብዛዕባኦም ዜውርዮ ብኣንጻሩ ዝዀኑ ሰባት ረኺበ። ካልእ ባህሊ ምስ ዘለዎም ሓንሳእ ምስ ተዓራረኽካ፡ ኣቐዲምካ ኣይትፈርዶምን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እናፈቶኻዮምን እናኣኽበርካዮምን ትኸይድ።”

መጠንቀቕታ

ገሊኦም ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኰነ ንኻልኦት ዚጐድእ ኣነባብራ ይሓርዩ እዮም። ስለዚ፡ ምስ መን ከም እንተዓራረኽ ክንውስን ከለና፡ መረጽቲ ኽንከውን ኣሎና። ብልሹው ወይ ጽዩፍ ህይወት ምስ ዚመርሑ ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ዘይምትዕርራኽ፡ ኣቐዲምካ ጽልኢ ኣይኰነን። ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንዚጥሕሱ ሰባት ክንጐድኦም ወይ መሰሎም ክንገፍፎም እኳ እንተ ዘይብልና፡ ምሳታቶም ግና ክንተዓራረኽ የብልናን።—ምሳሌ 13:20።

ክትገብሮ እትኽእል

ካብ ካልእ ዓዲ፡ ዓሌት፡ ወይ ቋንቋ ምስ ዝዀኑ ሰባት ንምዝርራብ ኣጋጣሚ ርኸብ። ከምዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ፦

  • ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እተወሰነ ነገር ኪነግሩኻ ሕተቶም።

  • ናብ መኣዲ ዓድሞም።

  • ታሪኾም ስማዕ፡ ንዓታቶም እንታይ ከም ዜገድሶም ድማ ፍለጥ።

ተመክሮታቶም ንስብእናኦም ብኸመይ ከም ዝቐረጾ ኽትርዳእ እንተ ፈቲንካ፡ ነቶም ካብ ጕጅለኦም ዝዀኑ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸተማዕብል ትኽእል ትኸውን።

ናይ ሓቂ ኣብነት፦ ካንዳሳሚን ሱካማህን (ካናዳ)

“ብዘመን ኣፓርታይድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢና ዓቢና። በበይኑ ዓሌት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ እተፈላለየ ማሕበረ ሰብ ኪነብሩ እዮም ዚግደዱ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ኣብቶም እተፈላለዩ ዓሌታት ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ስምዒት ፈጢሩ። ንሕና ጸዓዱ ኣይኰንናን፣ ገሊኦም ጸዓዱ ኸም ዝተሓትና ገይሮም ስለ ዝሓዙና ኸኣ፡ ንጸዓዱ ንጸልእ ኔርና ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቐዲምና ንፈርድ ዝነበርና ኣይመስለናን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ግዳያት ዝዀንና ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚስምዓና ነይሩ።

“ኣረኣእያና ንምቕያር፡ ብተበግሶና ልብና ኣግፊሕና፡ ምስ እተፈላለዩ ድሕረ ባይታ ዘለዎም እውን ተዓራሪኽና። ምስ ጸዓዱ ግዜ ኸነሕልፍ ምስ ጀመርና፡ ካባታቶም ዚፈልየና ነገር ብዙሕ ዘይምዃኑ ተገንዚብና። ኵላትና ተመሳሳሊ ዅነታትን ብድሆታትን እዩ ዘሎና።

“ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ጸዓዱ ሰብ ሓዳር ኣብ ቤትና ንንውሕ ዘበለ ግዜ ኣአንጊድና ኢና። ኣጸቢቕና ድማ ፈሊጥናዮም። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኣዕሩኽን ማዕረን ከም ዝዀንና ጌርና ኽንርእአ ጀሚርና። በዚ ኸምዚ፡ ንጸዓዱ ብሓፈሻ ብኣወንታዊ መገዲ ኽንርእዮም ጀሚርና።”

ናይ ሓቂ ኣሕዋት

ጆኒን ጊዴዎንን ኣብ ጥቓ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንቘልዑ ሰላም ይብሉ።

ጆኒን ጊዴዎንን እተፈላለየ ዓሌትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እኳ እንተ ነበሮም፡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣማዕቢሎም።

ጆኒን ጊዴዎንን፦ ቀደም ጸላእቲ፡ ሕጂ ኣሕዋት ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ኣብ jw.org፡ ኣርእስቲ እዛ ቪድዮ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ