ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 12-13
  • ፍቕሪ ኣርእዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍቕሪ ኣርእዮም
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸገም
  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ማእሰር ኣቐዲምካ ፍርዲ በቲኾም
    ንቕሑ!—2020
  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ
    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 12-13
ሓንቲ ህንዳዊት ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ጻዕዳ ሰበይቲ ኣስቤዛኣ ተሰኪማ ብመደያይቦ ተደይበላ።

ፍቕሪ ኣርእዮም

እቲ ጸገም

ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም ቀልጢፉ ኣይጠፍእን እዩ። ከምቲ ንቫይረስ ንምውጋድ ግዜ ዜድልዮ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም ንምውጋድ እውን ግዜን ጻዕርን የድልዮ እዩ። እሞ ደኣ ንኣቐዲምካ ፍርዲ ኻብ ውሽጥኻ ኣውጺእካ ንምጕሓፍ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

ስእልታት፦ 1. ሓደ እስያዊ ንሓደ ቡን ዝሓዘ ጸሊም ሰብኣይ ማዕጾ ኸፊቱ ይሕዘሉ። 2. እቲ ጸሊም ሰብኣይ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ቡን ንመሳሕርቱ ይህቦም፣ ሓንቲ ኻብቶም መሳርሕቱ፡ እታ ኣቐዲማ እተራእየት ህንዳዊት እያ።

“ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:14።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሰብ ጽቡቕ ምግባር፡ የቀራርብ እዩ። ንሰባት ፍቕርኻ ብዘርኣኻዮም መጠን፡ ኣቐዲምካ ኣይትፈርዶምን ኢኻ። ብዝያዳ ብዘፍቀርካዮም መጠን ከኣ፡ ኣብ ልብኻ ጽልእን ንዕቀትን ቦታ ይስእን እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ህንዳዊት ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣስቤዛኣ ተሰኪማ ብመደያይቦ ተደይበላ። 2. እታ ብዕድመ ዝደፍአት ጻዕዳ ሰበይቲ ነቲ ኣቐዲሙ እተራእየ እስያዊ ብሽኮቲ ትህቦ።

ንኣባላት እቲ ብኣሉታዊ እትርእዮም ጕጅለ፡ ፍቕሪ እተርእየሉ መገድታት ሕሰብ። እዚ ተግባራት እዚ ግድን ዓብዪ ኪኸውን የብሉን። ካብዚ ዚስዕብ ንሓዲኡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኽትገብር ፈትን።

ፍቕሪ ዜርኢ ንእሽቶ ነገር ብዝገበርካ መጠን፡ ካብ ኣቐዲምካ ፍርዲ ኽትርሕቕ ኢኻ

  • ንኣባላት እቲ ጕጅለ ማዕጾ ኸፊትካ ብምሓዝ ወይ ኣብ ህዝባዊ መጕዓዝያ ኾፍ መበሊ ብምሕዳግ፡ ጽቡቕ ጠባይ ኣርእዮም።

  • ቋንቋኻ ኣጽርዮም ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ቍሩብ ከተዕልሎም ፈትን።

  • ኪርድኣካ ዘይከኣለ ነገር እንተ ገይሮም፡ ተዓገሶም።

  • ብዛዕባ ጸገማቶም እንተ ነጊሮምኻ፡ ደንግጸሎም።

ናይ ሓቂ ኣብነት፦ ናዛረ (ጊኒ-ቢሳው)

“ሓደ ግዜ፡ ንስደተኛታት ኣቐዲመ እፈርዶም ነይረ። ብዙሓት ስደተኛታት እናኣጠፋፍኡ ብማሕበራዊ ጥቕምታት ኸም ዚናበሩ፡ ብዙሓት ድማ ገበነኛታት ምዃኖም እየ ሰሚዐ። እዚ ኸኣ ከም ዘይቅበሎም ገይሩኒ ነይሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ንስደተኛታት በዚ ኸምዚ ስለ ዚርእይዎም ግና፡ ነዚ ስምዒተይ ከም ኣቐዲምካ ፍርዲ ገይረ ኣይኰንኩን ዝርእዮ ነይረ።

“ደሓር ግና፡ እቲ ንስደተኛታት ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ ኣቐዲምካ ፍርዲ ምዃኑ ተገንዚበ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ፡ ንዓታቶም ብዝያዳ ፍቕሪ ኸርኢ ሓጊዙኒ። ሕጂ ኣየርሕቖምን እየ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሰላም እብሎምን እዛረቦምን እየ። ንነፍሲ ወከፎም ብብሕቲ ኽፈልጦም እጽዕር እየ። ሕጂ ብዛዕባኦም ዘሎኒ ስምዒት ኣወንታዊ እዩ፣ ምሳታቶም ክኸውን ከለኹ እውን ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ።”

“ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ”

ራፊካ ሞሪስ።

ራፊካ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋን ምስ ዚቃለሱ ጕጅለ ተጸምቢራ ነይራ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገበርዎ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተኣከበት ግና፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ እትደልዮ ዝነበረት ሓድነት ረኺባቶ።

ራፊካ ሞሪስ፦ ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ኣብ jw.org፡ ኣርእስቲ እዛ ቪድዮ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ