ህውከት ዝመልኣ ዓለም—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብብሕቲ ይጸልወካ ኸም ዘሎ ይስምዓካ ድዩ፧ ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ኣብ ከባቢኻ ኣጋጢሙ ይፈልጥዶ፧
ውግእ
ለበዳ
ባህርያዊ ሓደጋታት
ድኽነት
ኣድልዎ
ዓመጻ
ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ብዙሓት ግዳያት በቲ ሓደጋታት ይርዕዱን ተስፋ ይቘርጹን እዮም። ገሊኦም ሰባት ከኣ ብኸምዚ ዓይነት ሓደጋታት ይድንዝዙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ፡ ንነዊሕ እዋን ምርዓድ ወይ ምድንዛዝ ነቲ ነገር የጋድዶ እዩ።
ህውከት ኬጋጥም ከሎ፡ ሰብና፡ ጥዕናና፡ መነባብሮና፡ ሓጐስና ንምሕላው ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።
ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም፡ ብውልቂ ንዜጋጥመካ ጸገማት ክትንክዮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧