ኣብ እዋን ህውከት፡ በዚ ዚስዕብ ግብራዊ ስጕምትታት ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ሓሉ፦
ሓዳርካ ኣደልድል
ሓዳርካ ኣደልድል
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ።” (መክብብ 4:9, 10) መጻምድቲ ብሓደ ኸም ዜብርሩ ፓይለትን ሓጋዚ ፓይለትን ኪዀኑ ኣለዎም እምበር፡ ንሓድሕደን ከም ዚዋግኣ ኽልተ ናይ ውግእ ነፈርቲ ኪዀኑ የብሎምን።
ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ ዓንጽዓንጾ ንማዕጾ ኣይትግበር። ዓቕልን ተጻዋርነትን ኣገዳሲ እዩ።
እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ዅነታትኩም ተመያየጡ። ዕላማኹም ኣብቲ ጸገም እምበር፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኪኸውን ከም ዘይብሉ ኣይትረስዕ።
ንኽልቴኹም ኣብ ዜሐጕሰኩም ነገራት ግዜ ኣሕልፉ።
ብዛዕባ ዜሕለፍኩምዎ ጽቡቕ ግዝያት፡ ምናልባት ኣብ መርዓኹም ወይ ኣብ ካልእ ባህ ዜብል ግዜ እተሰኣልኩምዎ ስእሊ ብምርኣይ ተዘክሮኹም ኣሐድሱ።
“መጻምድቲ ኣብ ኵሉ ነገር ይሰማምዑ እዮም ማለት ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣይቃደዉን እዮም ማለት ኣይኰነን። መጻምድቲ ብሓባር ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ንውሳነኦም ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኺትግብርዎ ይኽእሉ እዮም።”—ዴቪድ።
ዕርክነትካ ዓቅብ
ዕርክነትካ ዓቅብ
ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ኣዕሩኽካ እትረኽቦ ሓገዝ፡ ንኻልኦት እትሕግዘሉ መገዲ እውን ኣናዲ። ንኻልኦት ብምብርታዕ ርእስኻ ኣበርትዕ።
ኣብ መዓልቲ ንሓደ ወይ ንኽልተ ኣዕሩኽካ ኸመይ ከም ዘለዉ ኽትፈልጥ ፈትን።
ከም ናትካ ዓይነት ጸገማት ንዘጋጠሞም ኣዕሩኽካ ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ሕተቶም።
“መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ ኻብ ኣዕሩኽካ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ጽቡቕ ኣንፈት ኪመርሑኻ፡ ዋላ እውን ኣቐዲምካ ንእትፈልጦ ነገራት ኬዘኻኹሩኻ ይኽእሉ እዮም። ኣዕሩኽካ ይሓልዩልካ፡ ከም እትሓልየሎም እውን ይፈልጡ እዮም።”—ኒኮል።
ሓላዪ ወላዲ ኹን
ሓላዪ ወላዲ ኹን
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን።’ (ያእቆብ 1:19) ፈለማ፡ ደቅኻ ፍርሆምን ዜተሓሳስቦም ነገራትን ኪገልጹ ይኸብዶም ይኸውን። ግናኸ፡ ብዓቕሊ እንተ ሰሚዕካዮም ስምዒቶም ኪገልጹ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።
ደቅኻ ስምዒቶም ምእንቲ ኺገልጹ ምሹእ ሃዋህው ፍጠር። ገሊኦም ቈልዑ ንምዝራብ ዚፎኽሶም ኮፍ ኢሎም ገጽ ንገጽ ምስ ወለዶም ኪዘራረቡ ኸለው ዘይኰነስ፡ ብማኪና ወይ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ እዮም።
ደቅኻ ንዚርብሹ ዜናታት ኣመና ኸይቃልዑ ጥንቃቐ ግበር።
ደቅኻ፡ ስድራ ቤትካ ውሑስ ንምግባር እንታይ ስጕምትታት ትወስድ ከም ዘለኻ ኸም ዚፈልጡ ግበር።
ንህጹጽ እዋን ዜድሊ መደብ ግበር፣ ምስ ደቅኻ ድማ ተለማመዶ።
“ንደቅኻ ኣዘራርቦም፡ ስምዒቶም ኪገልጹ ድማ ፍቐደሎም። ምናልባት ፍርሆም፡ ጭንቀቶም ወይ ሕርቃኖም ይሓብኡ ይዀኑ። ንስኻ እውን ምስ ከም ናታቶም ዓይነት ስምዒት ትቃለስ ከም ዘለኻን ብኸመይ ትዋጽኣሉ ኸም ዘለኻን ንገሮም።”—ቢታኒ።