ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g22 ቍ. 1 ገጽ 10-12
  • 3 | ርክብካ ሓሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3 | ርክብካ ሓሉ
  • ንቕሑ!—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ነባሪ ዕርክነት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብዛ ሕታም ንቕሑ!
    ንቕሑ!—2022
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2022
g22 ቍ. 1 ገጽ 10-12
ብዕድመ ዝደፍኡ ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ተሓቛቚፎም።

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

3 | ርክብካ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዘሎ ህውከት፡ ጭንቀት ይውስኽ እዩ ዘሎ። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ምዕቃብ ይኸብዶም እዩ።

  • ሰባት ካብ ፈተውቶም ርእሶም የግልሉ።

  • ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ምቅዳዉ ይኸብዶም።

  • ወለዲ ንጭንቀት ደቆም ዕሽሽ ይብልዎ፡ ወይ ፈጺሞም ኣየቕልብሉን።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ዕርክነት ንኣካላውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸጋሚ ግዝያት።

  • ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህውከት ዜስዕቦ ጭንቀት፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤትካ ዘይተጸበኻዮ ፈተና ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ።

  • ዚርብሽ ዜናታት ንደቅኻ ኻብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ኺጸልዎም ይኽእል እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

ብዛዕባ ኺሕግዘካን ግብራዊ ሓሳባት ኪህበካን ዚኽእል ሰብ ሕሰብ። መዓልታዊ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ዚሓልየልካ ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥካ ነቲ ጸገም ክትጻወሮ ኼሐይለካ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ትዋጽኣሉ፧ ጠቓሚ ምኽርታት

ኣብ እዋን ህውከት፡ በዚ ዚስዕብ ግብራዊ ስጕምትታት ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ሓሉ፦

ሓዳርካ ኣደልድል

ብዕድመ ዝደፍኡ ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ተሓቛቚፎም።

ሓዳርካ ኣደልድል

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ።” (መክብብ 4:9, 10) መጻምድቲ ብሓደ ኸም ዜብርሩ ፓይለትን ሓጋዚ ፓይለትን ኪዀኑ ኣለዎም እምበር፡ ንሓድሕደን ከም ዚዋግኣ ኽልተ ናይ ውግእ ነፈርቲ ኪዀኑ የብሎምን።

  • ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ ዓንጽዓንጾ ንማዕጾ ኣይትግበር። ዓቕልን ተጻዋርነትን ኣገዳሲ እዩ።

  • እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ዅነታትኩም ተመያየጡ። ዕላማኹም ኣብቲ ጸገም እምበር፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኪኸውን ከም ዘይብሉ ኣይትረስዕ።

  • ንኽልቴኹም ኣብ ዜሐጕሰኩም ነገራት ግዜ ኣሕልፉ።

  • ብዛዕባ ዜሕለፍኩምዎ ጽቡቕ ግዝያት፡ ምናልባት ኣብ መርዓኹም ወይ ኣብ ካልእ ባህ ዜብል ግዜ እተሰኣልኩምዎ ስእሊ ብምርኣይ ተዘክሮኹም ኣሐድሱ።

“መጻምድቲ ኣብ ኵሉ ነገር ይሰማምዑ እዮም ማለት ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣይቃደዉን እዮም ማለት ኣይኰነን። መጻምድቲ ብሓባር ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ንውሳነኦም ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኺትግብርዎ ይኽእሉ እዮም።”—ዴቪድ።

ዕርክነትካ ዓቅብ

  • እተፈላለየ ዓሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ይስሕቃን ብምሕዝነተን ይሕጐሳን።

    ዕርክነትካ ዓቅብ

    ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ኣዕሩኽካ እትረኽቦ ሓገዝ፡ ንኻልኦት እትሕግዘሉ መገዲ እውን ኣናዲ። ንኻልኦት ብምብርታዕ ርእስኻ ኣበርትዕ።

  • ኣብ መዓልቲ ንሓደ ወይ ንኽልተ ኣዕሩኽካ ኸመይ ከም ዘለዉ ኽትፈልጥ ፈትን።

  • ከም ናትካ ዓይነት ጸገማት ንዘጋጠሞም ኣዕሩኽካ ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ሕተቶም።

“መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ ኻብ ኣዕሩኽካ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ጽቡቕ ኣንፈት ኪመርሑኻ፡ ዋላ እውን ኣቐዲምካ ንእትፈልጦ ነገራት ኬዘኻኹሩኻ ይኽእሉ እዮም። ኣዕሩኽካ ይሓልዩልካ፡ ከም እትሓልየሎም እውን ይፈልጡ እዮም።”—ኒኮል።

ሓላዪ ወላዲ ኹን

ወለዲ ምስ ክልተ ደቆም ኣብ ደንደስ ኮፍ ኢሎም፡ ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ነገራት የድንቑ።

ሓላዪ ወላዲ ኹን

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን።’ (ያእቆብ 1:19) ፈለማ፡ ደቅኻ ፍርሆምን ዜተሓሳስቦም ነገራትን ኪገልጹ ይኸብዶም ይኸውን። ግናኸ፡ ብዓቕሊ እንተ ሰሚዕካዮም ስምዒቶም ኪገልጹ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።

  • ደቅኻ ስምዒቶም ምእንቲ ኺገልጹ ምሹእ ሃዋህው ፍጠር። ገሊኦም ቈልዑ ንምዝራብ ዚፎኽሶም ኮፍ ኢሎም ገጽ ንገጽ ምስ ወለዶም ኪዘራረቡ ኸለው ዘይኰነስ፡ ብማኪና ወይ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ እዮም።

  • ደቅኻ ንዚርብሹ ዜናታት ኣመና ኸይቃልዑ ጥንቃቐ ግበር።

  • ደቅኻ፡ ስድራ ቤትካ ውሑስ ንምግባር እንታይ ስጕምትታት ትወስድ ከም ዘለኻ ኸም ዚፈልጡ ግበር።

  • ንህጹጽ እዋን ዜድሊ መደብ ግበር፣ ምስ ደቅኻ ድማ ተለማመዶ።

“ንደቅኻ ኣዘራርቦም፡ ስምዒቶም ኪገልጹ ድማ ፍቐደሎም። ምናልባት ፍርሆም፡ ጭንቀቶም ወይ ሕርቃኖም ይሓብኡ ይዀኑ። ንስኻ እውን ምስ ከም ናታቶም ዓይነት ስምዒት ትቃለስ ከም ዘለኻን ብኸመይ ትዋጽኣሉ ኸም ዘለኻን ንገሮም።”—ቢታኒ።

“ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሕጉሳት መጻምድቲ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ይኸዱ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ። ነታ ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ