ክፍሊ 1
ካብ ፍጥረት ክሳዕ ማይ ኣይሂ
ሰማይን ምድርን ካበይ ኢዩ መጺኡ፧ ጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ: ከምኡውን እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ብኸመይ ኢዩ መጺኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ ክብል ከሎ ናይ ሓቂ መልሲ ኢዩ ዝህብ። ስለዚ መጽሓፍና ብዛዕባ ፍጥረት ብዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ኢያ እትጅምር።
እቶም ኣምላኽ መጀመርታ ዝፈጠሮም: ንዕኡ ዝመስሉ መንፈሳውያን ኣካላት ምዃኖም ኢና እንማሃር። ንሳቶም መላእኽቲ ኢዮም። ምድሪ ግን ንኸማና ዝበሉ ሰባት ኢያ ተፈጢራ። ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን እተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ሓንቲ ውቅብቲ ጀርዲን ኣቐመጦም። እንተዀነ ግን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን: ናይ ምንባር መሰል ከኣ ኣጥፍኡ።
ካብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ ክሳዕ ማይ ኣይሂ ብጠቕላላ 1,656 ዓመታት ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት እኩያት ሰባት ይነብሩ ነበሩ። ኣብ ሰማይ እቶም ዘይርኣዩ መንፈሳውያን ኣካላት: ማለት ሰይጣንን እቶም እኩያት መላእኽቱን ነበሩ። ኣብ ምድሪ ኸኣ ቃየልን ብዙሓት እኩያት ሰባትን: እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ሓያላት ዝነበሩ ሰባት እውን ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ምድሪ ከም ኣቤል: ሄኖክ: ከምኡውን ኖህ ዝኣመሰሉ ቅኑዓት ሰባት እውን ነይሮም ኢዮም። ኣብ ክፍሊ ሓደ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶምን ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዝን ክንርኢ ኢና።