ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 2
  • ሓንቲ ውቅብቲ ጀርዲን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓንቲ ውቅብቲ ጀርዲን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 2

ዛንታ 2

ሓንቲ ውቅብቲ ጀርዲን

ነዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ምድሪ እሞ ርኣያ! ነፍሲ ወከፍ ነገር ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ኰን ኢዩ! ነቲ ሳዕርን ነቲ ኣእዋምን: ነቲ ዕንባባታትን ነቶም እንስሳታትን ርኣዮም። ሓርማዝ ኣየናይ ከም ዝዀነ ኣናብስ ከኣ ኣየኖት ከም ዝዀኑ ትፈልጦምዶ፧

እዛ ውቅብቲ ጀርዲን ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ኣምላኽ ምድሪ ንዓና ክትከውን ብኸመይ ከም ዘዳለዋ እስከ ንርአ።

መጀመርታ ኣምላኽ መሬት ብሳዕሪ ከም እትሽፈን ገበረ። ከምኡውን ኵሉ ዓይነት ንኣሽቱ ኣታኽልትን ቍጥቋጥን ኣእዋምን ገበረ። እዚ ዝበቍል ነገራት ምድሪ ደስ እተብል ቦታ ንኽትከውን ዝሕግዝ ኢዩ። እንተዀነ ግን ካብኡ ንላዕሊ ጥቕሚ ኣለዎ። መብዛሕትኡ: ምቁር ዝዀነ መግብታት እውን ይህበና ኢዩ።

ብድሕርዚ ኣምላኽ ዓሳታት ኣብ ማይ ክሕንብሱ: ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ክነፍራ ፈጠረ። ኣኽላባትን ደማሙን ኣፍራስን፣ ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ፈጠረ። ኣብ ጥቓ ገዛኻ ዝነብሩ እንስሳታት እንታይ ኢዮም፧ ኣምላኽ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ንዓና ኢሉ ስለ ዝፈጠሮ ሕጕሳት ክንከውን ኣይግብኣናንዶ፧

ኣብ መወዳእታ: ኣምላኽ ንሓደ ክፍሊ ናይ ምድሪ ኣዝዩ ፍሉይ ቦታ ገበሮ። ነዚ ቦታ እዚ ድማ ገነት ኤድን ኢሉ ጸውዖ። እቲ ቦታ ፍጹም ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ዝነበረ ኵሉ ምልኩዕ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከኣ ብምልእታ ምድሪ ከምታ ንሱ ዝገበራ ውቅብቲ ጀርዲን ክትከውን ኢዩ ዝደሊ ነይሩ።

እንተዀነ ግን: ንስእሊ ናይዛ ጀርዲን እሞ እንደገና ርኣዮ። ኣምላኽ ከም ዝጐደለ ኰይኑ ዝረኣዩ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርኣዮ።

ዘፍጥረት 1:⁠11⁠-​25፣ 2:⁠8, 9

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ