ዛንታ 4
ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ርአ። ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ውቅብቲ ዝዀነት ገነት ኤድን ይስጐጕ ኣለዉ። ስለምንታይ ከም እተሰጕ ትፈልጥዶ፧
ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ነገር ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ይቐጽዖም ኣሎ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ሕማቕ ነገር ትፈልጦዶ፧
ኣምላኽ ከይትገብርዎ ኢሉ ዝነገሮም ነገር ኢዮም ገይሮም። ኣምላኽ ካብ ኣእዋም ናይታ ጀርዲን ክበልዑ ከም ዝኽእሉ ነገሮም። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ኦም ከይበልዑ እንተ በሊዖም ከኣ ከም ዝሞቱ ነገሮም። እታ ኦም እቲኣ ናቱ ኢያ ነይራ። ናይ ካልእ ሰብ ዝዀነ ነገር ምውሳድ ጌጋ ምዃኑ ኸኣ ንፈልጥ ኢና: ኣይኰነንዶ፧ እሞኸ ደኣ እንታይ ኰነ፧
ሓደ መዓልቲ ሄዋን ኣብቲ ጀርዲን ንበይና ከላ: ሓደ ተመን ተዛረባ። ሕስብ እሞ ኣብለሉ! እቲ ተመን ንሄዋን ካብታ ኣምላኽ ከይትበልዑ ኢሉ ዝኣዘዞም ኦም ክትበልዕ ነገራ። የሆዋ ኣትማን ክፈጥር ከሎ ከም ዝዛረቡ ገይሩ ኣይፈጠሮምን። ስለዚ: ነቲ ተመን ከም ዝዛረብ ዝገበሮ ካልእ ኣካል ነይሩ ማለት ኢዩ። እዚኸ መን ኢዩ ነይሩ፧
ኣዳም ኣይኰነን። ስለዚ: እዚ ሓደ ካብቶም የሆዋ ንምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣቐዲሙ ዝፈጠሮም ኣካላት ክኸውን ኣለዎ። እዞም ኣካላት እዚኣቶም መላእኽቲ ኢዮም: ክንርእዮም ከኣ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ መልኣኽ እዚ ኣዝዩ ተዓበየ። ከም ኣምላኽ ገዛኢ ክኸውን ኣለኒ ኢሉ ክሓስብ ጀመረ። ሰባት ከኣ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ንዕኡ ክእዘዙ ደለየ። ነቲ ተመን ከም ዝዛረብ ዝገበሮ መልኣኽ ንሱ ኢዩ ነይሩ።
እዚ መልኣኽ እዚ ንሄዋን ከዐሽዋ ከኣለ። ነታ ፍረ እንተድኣ በሊዓታ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን ምስ ነገራ ኣመነቶ። ስለዚ በልዐት: ኣዳም እውን በልዐ። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን: ነታ ውቅብቲ ጀርዲን ዝዀነት ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ኢዩ።
ሓደ መዓልቲ ግን ኣምላኽ ብምልእታ ምድሪ ከም ገነት ኤድን ውቅብቲ ከም እትኸውን ክገብር ኢዩ። ጸኒሕና ኸኣ እዚ ኣብ ምፍጻም ብኸመይ እጃምና ከም እንገብር ክንማሃር ኢና። ሕጂ ግን ንኣዳምን ሄዋንን እንታይ ከም ዘጓነፎም እስከ ንርአ።