ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 3 ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 3
  • ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካባና ንላዕሊ ኣለዉ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 3 ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 3
ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ይወጹ

ትምህርቲ 3

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ኣዳም ነታ ሄዋን ዝሃበቶ እተኸልከለት ፍረ ይሕዛ

ሓደ መዓልቲ፡ ሄዋን በይና ኸላ፡ ሓደ ተመን ተዛረባ። ‘ኣምላኽሲ፡ ካብ ኵሉ ኦም ከይትበልዑ ኸልኪሉኩም ድዩ፧’ ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ድማ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ክንበልዕ ንኽእል ኢና፣ ካብ ሓንቲ ጥራይ ኢና ዘይንበልዕ። ካብ ፍረ እታ ኦም እቲኣ እንተ በሊዕና፡ ክንመውት ኢና’ በለቶ። እቲ ተመን ከኣ፡ ‘ኣይክትሞቱን ኢኹም። እኳ ደኣስ፡ ካብኣ እንተ በሊዕኩም፡ ከም ኣምላኽ ክትኰኑ ኢኹም’ በላ። ሓቁ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን፡ ሓስዩ እዩ። ሄዋን ግና ኣመነቶ። ነታ ፍረ ስቕ ኢላ ምስ ጠመተታ ኸኣ፡ ንምብላዓ ዝያዳ ድሌት ሓደራ። ነታ ፍረ ድማ በልዓታ፣ ንኣዳም እውን ሃበቶ። ኣዳም ከኣ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም ከም ዚሞቱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እናፈለጠ ኻብታ ፍረ በልዐ።

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ይወጹ፡ መላእኽትን ሃልሃልታ ዘለዋ ሰይፍን ከኣ ነቲ መእተዊ ይሕልውዎ

ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ተዛረቦም። ስለምንታይ ከም ዘይተኣዘዝዎ ድማ ሓተቶም። ሄዋን፡ ‘እቲ ተመን ኣጋግዩኒ’ በለት፣ ኣዳም ከኣ፡ ‘ሄዋን ኣጋግያትኒ’ በለ። ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ የሆዋ ኻብ ገነት ሰጐጎም። ናብታ ገነት ምእንቲ ኸይምለሱ ኸኣ፡ ኣብ መእተዊኣ፡ መላእኽትን ሃልሃልታ ዘለዋ ሰይፍን ገበረ።

የሆዋ ድማ ነቲ ንሄዋን ሓስዩ እተዛረባ ኸም ዚቐጽዖ ተዛረበ። ከም ሓቂ፡ ተመን ኣይኰነን ንሄዋን ተዛሪብዋ። የሆዋ ንኣትማን፡ ናይ ምዝራብ ክእለት ኣይሃቦምን። ነቲ ተመን ከም ዚዛረብ ዝገበሮ፡ ሓደ እኩይ መልኣኽ እዩ ነይሩ። ንሄዋን ኬታልላ ኢሉ ኸኣ እዩ ኸምኡ ገይሩ። እቲ መልኣኽ እቲ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ይብሃል። ሰይጣን ንሰባት ምእንቲ ኸየታልሎም፡ ኣብ መጻኢ የሆዋ ንዕኡ ኼጥፍኦ እዩ።

“ድያብሎስ . . . ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።”—ዮሃንስ 8:44

ሕቶታት፦ ሄዋን ነታ ፍረ ዝበልዓታ ስለምንታይ እያ፧ ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ የሆዋ ምስ ኣፍረሱ እንታይ ኰይኖም፧ ሰይጣን ድያብሎስ መን እዩ፧

ዘፍጥረት 3:1-24፣ ዮሃንስ 8:44፣ 1 ዮሃንስ 3:8፣ ራእይ 12:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ