ዛንታ 5
ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር
ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ምስ ወጹ ብዙሕ ጸገማት ኣጓነፎም። መግቦም ንኽረኽቡ ብጻዕሪ ክሰርሑ ነበሮም። ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣእዋም: ብዙሕ እሾኽን ተዀርባን ኣብ ከባቢኦም በቝሉ ረኣዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞምን ኣዕሩኹ ምዃን ብምግዳፎምን ዝሰዓበ ነገር እዚ ኢዩ።
እንተዀነ ግን ካብዚ ዝኸፍአ ኣዳምን ሄዋንን ክሞቱ ጀመሩ። ኣምላኽ ካብታ ኦም ምስ ዝበልዑ ክሞቱ ምዃኖም ኣጠንቂቕዎም ከም ዝነበረ ዘክር። ካብታ ዝበልዑላ መዓልቲ ክሞቱ ጀመሩ። ንኣምላኽ ዘይምስምዖም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓያሹ ኰን ኢዮም ነይሮም!
ኵሎም ደቂ ኣዳምን ሄዋንን: ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ምስ ኣውጽኦም ኢዮም ተወሊዶም። እዚ ኸኣ ደቆም እውን ክኣርጉን ክሞቱን ኣለዎም ማለት ኢዩ።
ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ተኣዚዞሞ ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ህይወት ንዕኦምን ንደቆምን እተሐጕስ ምዀነት ነይራ። ኵሎም ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኣብ ምድሪ ምነበሩ ነይሮም። ዋላ ሓደ ኣይምኣረገን: ኣይምሓመመን: ከምኡውን ኣይምሞተን ነይሩ።
ኣምላኽ ሰባት ንዘለኣለም ተሓጒሶም ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም: ሓደ መዓልቲ ንዘለኣለም ከም ዝነብሩ ድማ ይመባጻዕ ኢዩ። ብምልእታ ምድሪ ምልክዕቲ ክትከውን ጥራይ ዘይኰነስ ኵሎም ሰባት ጥዕና ዘለዎም ክዀኑ ኢዮም። ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱን ምስ ኣምላኽን ጽቡቕ ዕርክነት ክህልዎ ኢዩ።
እንተዀነ ግን ሄዋን ዓርኪ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጸት። ስለዚ ንደቃ ክትወልዶም ከላ: ቀሊል ኣይነበረን። ጻዕሪ ነይርዋ ኢዩ። ዘይእዝዝቲ ምዃና ብዙሕ ጓሂ ኣስዓበላ: ኣይኰነን ድዩ፧
ኣዳምን ሄዋንን ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን ወለዱ። እቲ ናይ መጀመርታ ወዶም ምስ ተወልደ: ቃየል ኢሎም ሰመይዎ። ነቲ ካልኣይ ወዶም ከኣ ኣቤል በልዎ። ደቆም እንታይ ኰኑ፧ ትፈልጦዶ፧