ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 5
  • ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 5

ዛንታ 5

ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ምስ ወጹ ብዙሕ ጸገማት ኣጓነፎም። መግቦም ንኽረኽቡ ብጻዕሪ ክሰርሑ ነበሮም። ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣእዋም: ብዙሕ እሾኽን ተዀርባን ኣብ ከባቢኦም በቝሉ ረኣዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ብዘ​ይምእዛዞምን ኣዕሩኹ ምዃን ብምግዳፎምን ዝሰዓበ ነገር እዚ ኢዩ።

እንተዀነ ግን ካብዚ ዝኸፍአ ኣዳምን ሄዋንን ክሞቱ ጀመሩ። ኣምላኽ ካብታ ኦም ምስ ዝበልዑ ክሞቱ ምዃኖም ኣጠንቂቕዎም ከም ዝነበረ ዘክር። ካብታ ዝበልዑላ መዓልቲ ክሞቱ ጀመሩ። ንኣምላኽ ዘይምስምዖም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓያሹ ኰን ኢዮም ነይሮም!

ኵሎም ደቂ ኣዳምን ሄዋንን: ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ምስ ኣውጽኦም ኢዮም ተወሊዶም። እዚ ኸኣ ደቆም እውን ክኣርጉን ክሞቱን ኣለዎም ማለት ኢዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ተኣዚዞሞ ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ህይወት ንዕኦምን ንደቆምን እተሐጕስ ምዀነት ነይራ። ኵሎም ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኣብ ምድሪ ምነበሩ ነይሮም። ዋላ ሓደ ኣይምኣረገን: ኣይምሓመመን: ከምኡውን ኣይምሞተን ነይሩ።

ኣምላኽ ሰባት ንዘለኣለም ተሓጒሶም ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም: ሓደ መዓልቲ ንዘለኣለም ከም ዝነብሩ ድማ ይመባጻዕ ኢዩ። ብምልእታ ምድሪ ምልክዕቲ ክትከውን ጥራይ ዘይኰነስ ኵሎም ሰባት ጥዕና ዘለዎም ክዀኑ ኢዮም። ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱን ምስ ኣምላኽን ጽቡቕ ዕርክነት ክህልዎ ኢዩ።

እንተዀነ ግን ሄዋን ዓርኪ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጸት። ስለዚ ንደቃ ክትወልዶም ከላ: ቀሊል ኣይነበረን። ጻዕሪ ነይርዋ ኢዩ። ዘይእዝዝቲ ምዃና ብዙሕ ጓሂ ኣስዓበላ: ኣይኰነን ድዩ፧

ኣዳምን ሄዋንን ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን ወለዱ። እቲ ናይ መጀመርታ ወዶም ምስ ተወልደ: ቃየል ኢሎም ሰመይዎ። ነቲ ካልኣይ ወዶም ከኣ ኣቤል በልዎ። ደቆም እንታይ ኰኑ፧ ትፈልጦዶ፧

ዘፍጥረት 3:⁠16⁠-​23፣ 4:⁠1, 2፣ ራእይ 21:⁠3, 4

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ