ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 3 ገጽ 8-9
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካባና ንላዕሊ ኣለዉ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንሰይጣን ሰምዕዎ—እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ክፍሊ 3
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 3 ገጽ 8-9

ክፍሊ 3

ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ሃቦም። ዘፍጥረት 1:28

የሆዋ ንሄዋን ፈጢሩ ንኣዳም ሃቦ

የሆዋ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሰርሓ፣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸኣ ንኣዳም ሃቦ።—ዘፍጥረት 2:21, 22።

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ፍጹም ወይ ኣበር ዘይብሉ ኣእምሮን ኣካልን ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም።

ኣዳምን ሄዋንን ናብ ገነት ይጥምቱ

እታ መንበሪቶም፡ ገነት ኤደን እያ ነይራ፣ ወሓይዝን ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋምን እንስሳታትን ዝነበርዋ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ቦታ እያ ነይራ።

ኣምላኽ ተዛሪብዎምን ምሂርዎምን እዩ። ንዕኡ እንተ ዚሰምዕዎ ነይሮም፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ምኸኣሉ።

ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ገነት ዝነበራ ኣእዋም ከይበልዑ ኣዘዞም። ዘፍጥረት 2:16, 17

እታ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ፍሪኣ ከይበልዑ ዝኣዘዞም ኣብ ገነት ዝነበረት ኦም

ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ፡ ካብ ኣምላኽ ዓለወ። እቲ እኩይ መልኣኽ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

እቲ እኩይ መልኣኽ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ብተመን ገይሩ ንሄዋን የዛርባ

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ኣብ ገነት ካብ እትርከብ ሓንቲ ኦም እንተ በሊዖም፡ ከም ዚሞቱ ነገሮም።

ሰይጣን፡ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ብተመን ተጠቒሙ ንሄዋን፡ ካብ ፍረ እታ ኦም እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን ነገራ። እዚ ግና ሓሶት እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:1-5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ