ዛንታ 23
ሕልምታት ፈርኦን
ክልተ ዓመት ሓለፈ: ዮሴፍ ከኣ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ዘሎ። እቲ ኣሰላፍ ሜስ ኣይዘከሮን። ድሕርዚ ሓደ ለይቲ ፈርኦን ክልተ ፍልይ ዝበለ ሕልምታት ሓለመ: እንታይ ማለት ይኸውን ኢሉ ኸኣ ተገረመ። ኣብዚ ስእሊ ደቂሱ ኸሎዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ንጽብሒቱ ፈርኦን ነቶም ጠቢባኑ ኣኪቡ እንታይ ከም ዝሓለመ ነገሮም። እንተዀነ ግን: ትርጕም ናይ ሕልምታቱ ክነግርዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ መወዳእትኡ: እቲ ኣሰላፍ ሜስ ንዮሴፍ ዘከሮ። ንፈርኦን ከኣ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹ ሓደ ሕልምታት ክፈትሕ ዝኽእል ሰብኣይ ነይሩ’ ኢሉ ነገሮ። ፈርኦን ከኣ ዮሴፍ ብኡብኡ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ገበረ።
ፈርኦን ንዮሴፍ ሕልምታቱ ከምዚ ኢሉ ይነግሮ:- ‘ሸውዓተ ስቡሓትን ጽቡቓትን ኣሓ ረኣኹ። ብድሕሪአን ከኣ ሸውዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ረኣኹ። እተን ዓባሩ ኸኣ ነተን ስቡሓት ወሓጥአን።
‘ኣብታ ካልአይቲ ሕልሚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ብርዒ: ሸውዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት በቚለን ርኣኹ። ብድሕርዚ ቀጠንትን ዝሃጐጓን ሸውዓተ ሰዊት ርኣኹ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ከኣ ነተን ሸውዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሓጥአን።’
ዮሴፍ ከኣ ንፈርኦን ከምዚ በሎ:-‘እቲ ሕልሚ ክልቲኡ ሓደ ኢዩ። እተን ሸውዓተ ስቡሓት ኣሓን እተን ሸውዓተ ጽቡቓት ሰዊትን ሸውዓተ ዓመት ኢየን፣ እተን ሸውዓተ ዓባሩ ኣሓን እተን ሸውዓተ ዝሃጐጓ ሰዊትን ከኣ ተወሰኽቲ ሸውዓተ ዓመት ኢየን። ኣብ ብዘላ ግብጺ ብዙሕ እኽሊ ዝበቝለለን ሸውዓተ ዓመት ክመጻ ኢየን። ብድሕሪአን ከኣ እኽሊ ዘይበቝለለን ሸውዓተ ዓመት ክመጻ ኢየን።’
ስለዚ ዮሴፍ ንፈርኦን ‘መስተውዓሊ ሰብኣይ ድለ እሞ ኣብቲ ግዜ ጽጋብ ፍርያት ይኣክብ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዝበቍል እኽሊ ዘይብሉ ሸውዓተ ዓመት ከኣ እቶም ህዝቢ ብጥሜት ኣይክጠፍኡን ኢዮም’ በሎ።
ፈርኦን ነቲ ሓሳብ ፈተዎ። ነቲ እኽሊ ክእክብን ኣብ በቦትኡ ክድልቦን ከኣ ንዮሴፍ ሸሞ። ዮሴፍ ከኣ ኣብ ግብጺ ደድሕሪ ፈርኦን እቲ ዝኸበረ ሰብ ኰነ።
ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት: ኣብቲ ግዜ ጥሜት ዮሴፍ ገለ ሰባት ክመጹ ረኣየ። መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ እቶም 10 ዓበይቲ ኣሕዋቱ ኢዮም! ኣብ ቤቶም ኣብ ከነኣን መግቢ ስለ ዝወድኡ: ኣቡኦም ያእቆብ ናብ ግብጺ ሰደዶም። ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም: ንሳቶም ግን ኣየለለይዎን። ስለምንታይ ከም ዘየለለይዎ ትፈልጥዶ፧ ዮሴፍ ስለ ዝዓበየን: እተፈልየ ዓይነት ክዳን ስለ ዝገበረ ኢዮም ዘየለለይዎ።
ዮሴፍ እቲ ብቘልዑኡ ከሎ ኣሕዋቱ መጺኦም ክሰግድሉ ዝሓለሞ ዘከረ። ብዛዕባ እዚ ከም ዘንበብካስ ትዝክሮዶ፧ ስለዚ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ዝሰደዶ ኣምላኽ ምዃኑ: ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ብምኽንያት ከም ዝዀነ ክርዳእ ከኣለ። ዮሴፍ እንታይ ዝገብር ይመስለካ፧ እስከ ንርአ።