ዛንታ 25
እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ትግዕዝ
ዮሴፍ ስምዒቱ ምቍጽጻር ሰኣነ። ንዅሎም ግዙኣቱ ኸኣ ካብቲ ክፍሊ ክወጹ ነገሮም። ምስ ኣሕዋቱ ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ: ዮሴፍ ክበኪ ጀመረ። ኣሕዋቱ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝገረሞም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ: ምኽንያቱ ስለምንታይ ይበኪ ከም ዘሎ ኣይፈለጡን። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ‘ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገና ብህይወቱዶ ኣሎ፧’ በሎም።
ኣሕዋቱ ኣዝዮም ስለ እተገረሙ ክምልሱ ኣይከኣሉን። ፈሪሖም ኢዮም ዘለዉ። ዮሴፍ ግን ‘በጃኹም: ናባይ ቅረቡ በሎም።’ ናብኡ ምስ ቀረቡ ኸኣ ‘እቲ ንግብጺ ዝሸጥኩምኒ ሓውኹም ዮሴፍ ኢየ’ በሎም።
ዮሴፍ ከኣ ብሕያውነት ‘ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጨነቑ። ኣምላኽ ኢዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ናብ ግብጺ ዝለኣኸኒ። ፈርኦን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጺ ገበረኒ። ስለዚ ሕጂ ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ ንገርዎ። ኣብዚ ክመጽእን ኣብዚ ክነብርን ከኣ ንገርዎ’ በሎም።
ብድሕርዚ ዮሴፍ ንዅሎም ኣሕዋቱ ሓቚፉ ሰዓሞም። ፈርኦን ኣሕዋት ዮሴፍ ከም ዝመጹ ሰምዐ እሞ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ:- ‘ሰረገላታት ይውሰዱ እሞ: ኣቡኦምን ስድርኦምን ሒዞም ይምጽኡ። ኣብ ግብጺ እቲ ዝበለጸ ምድሪ ክህቦም እየ።’
ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣብዚ ስእሊ: ኣቡኡ ኵሎም ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ምስ መጸ ዮሴፍ ክራኸቦ ከሎ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
ስድራቤት ያእቆብ ኣዝያ ዓባይ ኢያ ኰይና ነይራ። ናብ ግብጺ ክኸዱ ከለዉ ያእቆብን ደቁን ደቂ ደቁን ኵሉ ዅሎም 70 ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን ኣንስቶምን ምናልባት ከኣ ብዙሓት ግዙኣትን ነይሮሞም ኢዮም። እዞም ኵሎም ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። እስራኤላውያን ተባሂሎም ተጸውዑ: ምኽንያቱ ኣምላኽ ንስም ናይ ያእቆብ እስራኤል ኢሉ ለዊጥዎ ኢዩ። ጸኒሕና ከም እንርእዮ እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኰኑ።