ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 25
  • እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ትግዕዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ትግዕዝ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 25

ዛንታ 25

እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ትግዕዝ

ዮሴፍ ስምዒቱ ምቍጽጻር ሰኣነ። ንዅሎም ግዙኣቱ ኸኣ ካብቲ ክፍሊ ክወጹ ነገሮም። ምስ ኣሕዋቱ ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ: ዮሴፍ ክበኪ ጀመረ። ኣሕዋቱ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝገረሞም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ: ምኽንያቱ ስለምንታይ ይበኪ ከም ዘሎ ኣይፈለጡን። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ‘ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገና ብህይወቱዶ ኣሎ፧’ በሎም።

ኣሕዋቱ ኣዝዮም ስለ እተገረሙ ክምልሱ ኣይከኣሉን። ፈሪሖም ኢዮም ዘለዉ። ዮሴፍ ግን ‘በጃኹም: ናባይ ቅረቡ በሎም።’ ናብኡ ምስ ቀረቡ ኸኣ ‘እቲ ንግብጺ ዝሸጥኩምኒ ሓውኹም ዮሴፍ ኢየ’ በሎም።

ዮሴፍ ከኣ ብሕያውነት ‘ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጨነቑ። ኣምላኽ ኢዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ናብ ግብጺ ዝለኣኸኒ። ፈርኦን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጺ ገበረኒ። ስለዚ ሕጂ ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ ንገርዎ። ኣብዚ ክመጽእን ኣብዚ ክነብርን ከኣ ንገርዎ’ በሎም።

ብድሕርዚ ዮሴፍ ንዅሎም ኣሕዋቱ ሓቚፉ ሰዓሞም። ፈርኦን ኣሕዋት ዮሴፍ ከም ዝመጹ ሰምዐ እሞ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ:⁠- ‘ሰረገላታት ይውሰዱ እሞ: ኣቡኦምን ስድርኦምን ሒዞም ይምጽኡ። ኣብ ግብጺ እቲ ዝበለጸ ምድሪ ክህቦም እየ።’

ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣብዚ ስእሊ: ኣቡኡ ኵሎም ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ምስ መጸ ዮሴፍ ክራኸቦ ከሎ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ስድራቤት ያእቆብ ኣዝያ ዓባይ ኢያ ኰይና ነይራ። ናብ ግብጺ ክኸዱ ከለዉ ያእቆብን ደቁን ደቂ ደቁን ኵሉ ዅሎም 70 ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን ኣንስቶምን ምናልባት ከኣ ብዙሓት ግዙኣትን ነይሮሞም ኢዮም። እዞም ኵሎም ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። እስራኤላውያን ተባሂሎም ተጸውዑ: ምኽንያቱ ኣምላኽ ንስም ናይ ያእቆብ እስራኤል ኢሉ ለዊጥዎ ኢዩ። ጸኒሕና ከም እንርእዮ እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኰኑ።

ዘፍጥረት 45:⁠1⁠-​28፣ 46:⁠1⁠-​27

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ