ዛንታ 111
እቲ ዝደቀሰ ወዲ
እዋይ! እዋይ! እንታይ ኰይኑ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወዲ ኣጸቢቑ ተሃስዩ ድዮ፧ ርአ ሓደ ካብቶም ካብ ገዛ ዝወጹ ዘለዉ ሰባት ጳውሎስ ኢዩ! ጢሞቴዎስ እውን ትርእዮዶ ኣለኻ፧ እቲ ወዲ በቲ መስኮት ድዩ ጸዲፉ፧
እወ: ብእኡ ኢዩ ጸዲፉ። ጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝርርብ ኢዩ ዝህቦም ነይሩ። ንነዊሕ ግዜ እንደገና ኸም ዘይርእዮም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ንጽባሒቱ ብመርከብ ክኸይድ ኢዩ። ስለዚ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ምዝራብ ቀጸለ።
እዚ ኣውጢኮስ እተባህለ ወዲ ኸኣ ኣብቲ መስኮት ኮፍ ኢሉ ኢዩ ነይሩ: ድቃስ ከኣ ወሰዶ። ካብ ሳልሳይ ደርቢ ኸኣ በቲ መስኮት ወደቐ! ስለዚ እቶም ሰባት እተጨነቑ ዝመስሉ ዘለዉ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰባት ነቲ ወዲ ምስ ኣልዓልዎ ካብታ ዝፈርሕዋ ኣይወጹን። ሞይቱ ጸንሖም!
ጳውሎስ እቲ ወዲ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየ: ኣብ ልዕሊኡ በጥ ኢሉ ሓቘፎ። ካብኡ ኸኣ ‘ኣይትሸገሩ። ደሓን ኢዩ!’ በለ። ብሓቂ ኸኣ ደሓን ኢዩ! ተኣምራት ኢዩ! ጳውሎስ እንደገና ህያው ገበሮ! እቶም ጭፍራ ኣዝዮም ተሓጐሱ።
ኵሎም ከኣ ክበልዑ ናብ ላዕለዋይ ደርቢ ደየቡ። ጳውሎስ ከኣ ምድሪ ክሳዕ ዝበርህ ምዝራብ ቀጸለ። እንተዀነ ግን ኣውጢኮስ እንደገና ኸም ዘይደቀሰ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ! ብድሕርዚ ጳውሎስ: ጢሞቴዎስ ከምኡውን እቶም ምስኦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ናብ መርከብ ኣተዉ። ናበይ ይኸዱ ከም ዘለዉስ ትፈልጥዶ፧
ጳውሎስ ሳልሳይ ናይ ሰብከት ጕዕዝኡ ወዲኡ ናብ ዓዱ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ጳውሎስ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ጥራይ ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ። ስለዚ እዚ ካብቲ ኻልኣይ ጕዕዝኡ እውን ከይተረፈ ዝነውሐ ኢዩ ነይሩ።
ንጥሮኣስ ድሕሪ ምሕዳጉ: እታ መርከብ ንቑሩብ ግዜ ኣብ ሚሊጦስ ደው በለት። ኤፌሶን ካብ ሚሊጦስ ሒደት ኪሎ ሜተራት ጥራይ ርሒቓ ስለ እትርከብ ዝነበረት: ጳውሎስ እቶም ሽማግለታት ናብኡ ክመጹ እሞ ንመወዳእታ ግዜ ኽዛረቦም ለኣኸሎም። ድሕሪኡ እታ መርከብ ትነቕለሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ጳውሎስ ክኸይድ ክርእይዎ ኸለዉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝጓሃዩ!
ኣብ መወዳእትኡ እታ መርከብ ናብ ቂሳርያ ተመልሰት። ኣብዚ ጳውሎስ ኣብ ቤት ሓደ ፊልጶስ እተባህለ ወደ መዝሙር እናተቐመጠ ኸሎ ሓደ ኣጋቦስ እተባህለ ነብዪ ንጳውሎስ ኣጠንቀቖ። ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ ክእሰር ምዃኑ ተዛረበ። ብርግጽ ከኣ ከምኡ ዀነ። ንኽልተ ዓመት ኣብ ቂሳርያ ምስ ተኣስረ: ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ቄሳር ምእንቲ ክፍረድ ናብ ሮሜ ተወስደ። ናብ ሮሜ ክኸይድ ከሎ ኣብቲ መገዲ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።