ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/10 ገጽ 24-25
  • ንቑሓት ክንኸውን ዘሎና መዓስ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቑሓት ክንኸውን ዘሎና መዓስ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝደቀሰ ወዲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዜጋጥም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • “ንቕሑ”!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/10 ገጽ 24-25

ንደቅኻ ምሃሮም

ንቑሓት ክንኸውን ዘሎና መዓስ እዩ፧

ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እትዀነሉ እዋን ንቕሓት ኣገዳሲ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን። ብዙሓት ተመሃሮ እናተማህሩ ኸለዉ ድቃስ ይመጾም እዩ፣ ኰይኑ ግና ንኽትመሃር ክትነቅሕ ኣሎካ። ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር ኢልካ ናብ ኣኼባታት እውን ትኸይድ ትኸውን።

ንቑሕ ንኽትከውን እንታይ ክትገብር ዜድሊ ይመስለካ፧​—a ሓደ ኻብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር፡ ቀልጢፍካ ምድቃስ እዩ። ድሕሪ ቐትሪ፡ ቀም ምባል እውን ሓጋዚ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብለይቲ መደረ እናሃበ ኸሎ፡ ሓደ መንእሰይ ድቃስ ምስ ወሰዶ ኻብ ዘጋጠመ ዅነታት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 20 ኻብ ቍጽሪ 7 ኽሳዕ 12 ኣንቢብካ እንታይ ከም ዘጋጠመ ርአ።

ጳውሎስ ነታ ኣብ ወደባዊት ከተማ ጥሮኣስ ዝነበረት ጉባኤ እዩ ዚበጽሓ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ጳውሎስ “ንጽቢሒቱ ኺብገስ ሐሲቡ” ስለ ዝነበረ፡ “ዘረባኡ . . . ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ።” ሽዑ፡ “ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ።” ቀጺሉኸ እንታይ ኣጋጠመ፧​—

ኣውጢኮስ ብመስኮት “ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ።” ጳውሎስን ካልኦትን ካብቲ ደርቢ ብመደያይቦ እናጐየዩ ምስ ወረዱ፡ ኣውጢኮስ ኣብቲ ባይታ ሞይቱ ጸንሖም። ክሳዕ ክንደይ ሓዚኖም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉስ ምገመትካዶ፧​— መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጳውሎስ ንኣውጢኮስ ካብ መሬት ኣልዒሉ ኸም ዝሓቘፎ ይነግረና። ሽዑ ጳውሎስ ብታሕጓስ፡ ‘ኣይትጨነቑ፡ ደሓን እዩ’ በለ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንኣውጢኮስ ካብ ሞት ኣተንሲእዎ እዩ።

ካብቲ ንኣውጢኮስ ዘጋጠሞ ነገር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧​— ሰማያዊ ኣቦና ንምዉታት፡ እንተላይ ንቘልዑ፡ ካብ ሞት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ንመሃር ኢና። የሆዋ ኻብ ወለድኻ ንላዕሊ እውን ከይተረፈ ይርድኣካን የፍቅረካን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንቘልዑ ሓቚፉ ብምብራኽ፡ ንባህርያት ኣቦኡ ኣንጸባሪቑ እዩ። ንመንእሰያት፡ እንተላይ ንጓል 12 ዓመት ቈልዓ፡ ካብ ሞት ኣተንሲእዎም እዩ።

ሰማያዊ ኣቦኻ ኸም ዜፍቅረካ ምፍላጥካ እንታይ ድራኸ የሕድረልካ፧​— እወ፡ ንየሆዋ ኸምቲ ንሱ ዘፍቀረና ንሕና እውን ንኸነፍቅሮ፡ ነቲ ዝነገረና ነገራት ከኣ ብፍታው ንኽንእዘዞ ይድርኸና።ነፍቅሮ ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእል ትፈልጥዶ፧​— ሓደ መገዲ፡ ከም እነፍቅሮ ብምግላጽ እዩ። የሱስ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ እየ’ በለ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ብዘረባ ጥራይ ኣይኰነን ገሊጹ። ብተግባሩ እውን ኣርእዩ እዩ።

የሱስ ንኣምላኽ ተኣዚዝዎ እዩ። “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ድማ በለ። ንሕና እውን ንየሆዋን ንወዱ የሱስን ባህ ምእንቲ ኸነብሎም ኵሉ ሳዕ ንእዘዝ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ዅነታት ንቑሓት ንኽንከውን ዝከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኢና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

ግብሪ ሃዋርያት 20:7-12

ሉቃስ 8:49-56

ዮሃንስ 8:29፣ 14:31

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ