ምዕራፍ 25
25 ግብረ-ሕቡእ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ፧
“ግብረ-ሕቡእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ ድዩ ኣይኰነን ኵሉ ግዜ ኢዩ ዘተሓሳስበኒ። ኣብ መጻኢ እንተድኣ ተመርዕየ: ንኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ጥዕናይ ዝጐድእ ድዩ፧ ”—ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት መሊሳ
ግብረ-ሕቡእ ኣብ ኵሉ ዝዝውተር ተግባር ብምዃኑ ንብዙሓት መንእሰያት የጨንቖም ኢዩ። ካብ ደቂ ተባዕትዮ 97 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ክሳዕ 21 ኣብ ዘሎ ዕድመኦም ግብረ-ሕቡእ ከም ዝፍጽሙ ብጸብጻብ ይንገር ኢዩ። እዚ እውን ከም ጡብ ኣድጊ: ምቕያሕ ከበሮ ዓይኒ: ትርግትያ: ከምኡውን ሕማም ኣእምሮ ዝኣመሰለ ሕማማት ከም ዘስዕብ ኢዩ ዝንገር።
ናይ መበል 20 ዘመን ተመራመርቲ ሕክምና: ኸምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ኣይገልጹን ኢዮም። እወ: ሎሚ ዘለዉ ሓካይም ግብረ-ሕቡእ ዋላ ሓንቲ ሕማም ከም ዘየምጽእ ኢዮም ዝኣምኑ። ዊልያም ማስተረስ ከምኡውን ቪርጅንያ ጆንሰን ዝበሃሉ ተመራመርቲ ድማ “ግብረ-ሕቡእ ክሳዕ ክንደይ ይደጋገም ብዘየገድስ: ኣእምሮኣዊ ሕማም ከም ዘምጽእ እተረጋገጸ ሕክምናዊ መርትዖ የለን” ብምባል ይዛረቡ። እንተዀነ ግን: ካልእ ሕማቕ ሳዕቤናት ኣለዎ! ስለዚ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ተግባር እንተ ተጨነቑ ልክዕ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ “[ግብረ-ሕቡእ] እንተድኣ ፈጺመ ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ዝሰኣንኩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ “ሓድሓደ ግዜ ብርቱዕ ጭንቀት ይሓድረኒ” በለ።
ግብረ-ሕቡእ ግን እንታይ ኢዩ፧ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኸቢድ: ብዙሓት መንእሰያት ንኸቋርጽዎ ዘሸግሮምከ ስለምንታይ ኢዩ፧
መንእሰያት ብዝያዳ እተቓልዑ ዝዀንሉ ምኽንያት
ግብረ-ሕቡእ ብጾታዊ ስምዒት ንኽትዓግብ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ባዕልኻ ምልዕዓል ማለት ኢዩ። ኣብ ግዜ ንእስነት ፍትወት ስጋ ሓያል ኢዩ። ነቲ ናይ መፍረ ክፍሊ ኣካላት ዝተናኽፉ ሓያላት ሆርሞናት ይነዝዑ ኢዮም። ድሕርዚ እቲ መንእሰይ እዚ ኽፍሊ ኣካላት እዚ ባህ ዘብል ስምዒታት ክፈጥር ከም ዝኽእል ክግንዘብ ይጅምር። ሓድሓደ ግዜ ድማ መንእሰያት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከይሓሰቡ እውን ከይተረፈ ብፍትወት ስጋ ይረስኑ ኢዮም።
ንኣብነት: እቲ ብእተፈላለየ ጭንቀት: ፍርሂ: ተስፋ ምቝራጽ ዝፍጠር ወጥሪ ንናይ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ተነቃፊ ስርዓተ መትኒ ብምትንካፍ ብፍትወት ስጋ ከም ዝረስን ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እተኣከበ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ብፍትወት ስጋ ከም ዝረስን ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ወይ እውን እቲ ዝበዝሕ ግዜ ብሕልሚ ብዝርአ ጾታዊ ርክብ ተሰንዩ ዝመጽእ ለይታዊ ምፍሳስ ዘርኢ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ገለ መንእሰያት ኣዋልድ እውን ከይተፈለጠን ፍትወት ስጋ ክለዓለን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ቅድሚ ወይ ድሕሪ ግዜ ጽግያተን ብርቱዕ ስምዒት ፍትወት ስጋ ኢዩ ዘለወን።
ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጾታዊ ረስኒ እንተድኣ ኣጋጢሙካ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ናይ ንእስነት ኣካላት ዘርእዮ ልሙድ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ እውን ይኹን ብዘየገድስ ምስ ግብረ-ሕቡእ ሕደ ኣይኰነን: ከመይሲ ኸይፈተኻ ዝመጽእ ነገር ኢዩ። እናዓበኻ ክትከይድ ከሎኻ ድማ እዚ ስምዒት እዚ እናዘሓለ ኢዩ ዝኸይድ።
ይኹን እምበር: ገለ መንእሰያት እዚ ስምዒት እዚ ስለ ዝሕድሶም እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጡ ብምህንጣይ ኰነ ኢሎም ነቲ ናይ መፍረ ኣካላቶም ክተናኽፍዎ ይጅምሩ።
‘መናኸሲ’
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ብዕልግቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘጓነፈቶ ጐበዝ ጸብጻብ ይህብ ኢዩ። ስዒማ “ንዓ . . . ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና” በለቶ። ድሕርዚ እንታይ ተፈጥረ፧ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ . . . ብኡብኡ ሰዐባ።” (ምሳሌ 7:7-23) ጾታዊ ስምዒት ናይዚ መንእሰይ እዚ እተለዓዓለ ሆርሞናቱ ስለ ዝቐስቀሶ ዘይኰነስ: በቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ምዃኑ ግልጺ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ ሓደ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ ተኣመነ:- ‘ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ግብረ-ሕቡእ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዘእትዎ ዝነበርኩ ነገራት ኢዩ። ጾታዊ ርኽሰት ዘለዎ ናይ ቲቪ ፕሮግራማት እርኢ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ዕርቃን ዘርኢ ናይ ቲቪ ፊልምታት እከታተል ነበርኩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርኢታት ኣዝዩ ዘሰንብድ ብምዃኑ ካብ ሓሳብካ ቀልጢፉ ኣይከይድን ኢዩ። እንደገና ኣብ ሓሳበይ ይቕልቀል: እዚ ድማ ግብረ-ሕቡእ ንኽፍጽም እኹል መናኸሲ ኢዩ ዝኸውን።’
እወ: ዝበዝሕ ግዜ እቲ እነንብቦ: እንርእዮ: ወይ እንሰምዖን እንዛረበሉን ወይ እነስተንትነሉ ነገራት ኢዩ ግብረ-ሕቡእ ንምፍጻም ዘለዓዕለና። ሓንቲ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ከምዚ ኢላ ተኣመነት:- “ነቲ ልምዲ ኸቋርጾ ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ግድል ኣበርክቶ ዝገበረሉ ግን ናይ ፍቕሪ ልቢ ወለዳት አንብብ ስለ ዝነበርኩ ኢዩ።”
“መዐገሲ”
ተመክሮ ናይዛ መንእሰይ እዚኣ እቲ ልምዲ ዝያዳ ንኽብርትዕ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ዝበዝሕ ግዜ ጸቕጢ: ወጥሪ: ወይ ጭንቀት ንኽገድፈኒ ኢለ ኢየ ግብረ-ሕቡእ ዝፍጽም። እቲ ንሓጺር ህሞት እትረኽቦ ስምዒታዊ ባህታ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ንመትንታቱ ንምህዳእ ኢሉ ዝወስዶ መስተ ኢዩ።”
ሱዛን ከምኡውን ኤርቪን ሳርኖፍ እተባህሉ ተመራመርቲ ኸምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ንገሊኣቶም ግብረ-ሕቡእ ክጭነቑ ወይ ብገለ ነገር ክጕህዩ ኸለዉ ከም መጸናንዒ ዝጥቀምሉ ልምዲ ኢዩ። ካልኦት ግን ናብ ግብረ-ሕቡእ ዝወድቁ ሓሓሊፉ ብርቱዕ ዝዀነ ስምዒታዊ ወጥሪ ከጋጥሞም ከሎ ጥራይ ኢዮም።” ብተመሳሳሊ ካልኦት እውን ክሓርቁን ክጭነቑን ከለዉ: ጽምዋ ክስምዖም ከሎ ወይ ካልእ ብርቱዕ ጸቕጢ ከጓንፎም ከሎ “መዐገሲ” ክዀኖም ግብረ-ሕቡእ ይፍጽሙ ኢዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ሓደ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ግብረ-ሕቡእ ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ድዩ፧” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብረ-ሕቡእ ዝበሃል ነገር ኣይተጠቕሰን።a መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ኣብቲ ቋንቋ ግሪኽ ዝዝረበሉ ዝነበረ ኽፍሊ ዓለም ግብረ-ሕቡእ ልሙድ ኢዩ ነይሩ: ነዚ ተግባር እዚ ንምግላጽ ድማ እተፈላለየ ናይ ግሪኽ ቃላት ይጥቀሙ ነበሩ። ካብዚ ቓላት እዚ ግን ሓንቲ እውን ትኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኣተወትን።
ግብረ-ሕቡእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ስለ ዘይተጠቕሰ ጥራይ ግን እቲ ተግባር ጕድኣት የብሉን ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን! ምስ ምንዝር ዝኣመሰለ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ዘይተመደበ ዘይጽፉፍ ልምዲ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:19) ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ስርዓታት ነዚ ዘይጽፉፍ ልምዲ እዚ ኣበርቲዕካ ብምቅዋም ንገዛእ ርእስኻ ‘ክትጠቅም’ ከም ዘሎካ ኢዩ ዝሕብር።—ኢሳይያስ 48:17
መለዓዓሊ “ፍትወት ስጋ”
መጽሓፍ ቅዱስ ‘ስለዚ ነቲ ናይ ፍትወት ስጋ ኣካላትኩም ቅተሉ’ ኢሉ ኢዩ ዝምሕጸነና። (ቈሎሴ 3:5) “ፍትወት ስጋ” ነቲ ልሙድ ዝዀነ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ዘይኰነስ ነቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ስምዒት ኢዩ ዘመልክት። ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 1:26, 27 ጠቒስዎ ዘሎ ከምዚ ዝኣመሰለ “ፍትወት ስጋ” ንሓደ ሰብ ኣብ ከቢድ ግብሪ ሓጢኣት ከም ዝወድቕ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ግብረ-ሕቡእ ምፍጻም ነዚ ባህግታት እዚ ‘ዝቐትሎዶ’ ኸይኰነ፧ ኣይፋሉን: ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ ከምቲ ሓደ መንእሰይ ዝበሎ “ግብረ-ሕቡእ ክትፍጽም ከሎኻ ሕማቕ ባህግታት ኢኻ እትሓስብ: እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎካ ፍትወት ዝያዳ ዘበርትዖ ኢዩ።” ዝበዝሕ ግዜ ነቲ ጾታዊ ስምዒት ኣጸቢቑ ከም ዝረስን ንምግባር ዘይጽፉፍ ሓሳብ ኢኻ እትጥቀም። (ማቴዎስ 5:27, 28) ስለዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ምቹእ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ብቐሊሉ ኣብ ርኽሰት ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። እዚ ንሓደ መንእሰይ ኣጋጢምዎ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ተኣመነ:- “ምስ ጓል ኣንስተይቲ ከይተራኸብኩ ጥራይ ግብረ-ሕቡእ ብምፍጻም ኵሉ ጭንቀተይ ዝገድፈኒ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽም ዝያዳ ባህጊ ሓደረኒ።” መንዘረ ኸኣ። ኣብቲ እተገብረ ሃገራዊ መጽናዕቲ መብዛሕትኦም ካብቶም ግብረ-ሕቡእ ዝፍጽሙ ምንዝር እውን ከም ዝፍጽሙ ኰይኖም ምርካቦም ዘገርም ኣይኰነን። ካብቶም ደናግል ዝበሃሉ መንእሰያት ብ50 ሚእታዊት ይበዝሑ!
ንሓሳብን ስምዒትን ዘርክስ ኢዩ
ግብረ-ሕቡእ ንኣእምሮ ዘበላሹ ኣረኣእያታት ከም እተሕድር እውን ዝገብር ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 11:3 ኣረኣእዮ።) ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ግብረ-ሕቡእ ክፍጽሙ ኸለዉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስምዒት ጥራይ ብምግዳስ ምሉእ ብምሉእ ፈተውቲ ርእሶም ኢዮም ዝዀኑ። ጾታዊ ርክብ ምስ ፍቕሪ ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ: ካብ ወጥሪ እትናገፈሉ መገዲ ጥራይ ይዀኖም። ኣምላኽ ግን ጾታዊ ስምዒት ኣብ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ክፍጸም: ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ድማ መግለጺ ፍቕሪ ክኸውን ኢዩ ሓሲብዎ።—ምሳሌ 5:15-19
ግብረ-ሕቡእ ዝፍጽም ሰብ (ወዲ ይኹን ጓል) ንኣንጻር ጾታ ከም መዕገቢ ጾታዊ ስምዒት ጥራይ ገይርካ ናብ ምውሳድ ዝዘዘወ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብግብረ-ሕቡእ ዘማዕበሎ ግጉይ ኣረኣእያ ን“መንፈስ” ወይ ነቲ ዓብላሊ ኣእምሮኣዊ ዝንባለ ናይቲ ሰብ የበላሽዎ። ኣብ ሓድሓደ ዅነታት እቲ ብሰንኪ ግብረ-ሕቡእ ዝመጽእ ሽግራት ድሕሪ መርዓ እውን ከይተረፈ ይቕጽል ኢዩ! ስለዚ እምበኣር ቃል ኣምላኽ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” እንተበለ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 7:1
ብዛዕባ እቲ ናይ ጸጸት ስምዒት ክህልወካ ዘለዎ ሚዛን
ዝበዝሑ መንእሰያት ነዚ ግድል እዚ ኣብ ምምካት ዕዉታት እኳ እንተዀኑ: ሓድሓደ ግዜ ግን ይደግሶም ኢዩ። የሆዋ ግን ኣዝዩ ምሕረተኛ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ” በለ። (መዝሙር 86:5) ሓደ ክርስትያን ግብረ-ሕቡእ ምስ ዝፍጽም ዝበዝሕ ግዜ ሕልንኡ ይወቕሶ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ኢዩ ይብል። (1 ዮሃንስ 3:20) ኣምላኽ ክንዮ እቲ እንገብሮ ሓጢኣት ኢዩ ዝርኢ። ብፍልጠት ዓቢ ብምዃኑ ነቲ ምሕረት ንምርካብ እነቕርቦ ልማኖ ብድንጋጽ ንኽርእዮ ክእለት ኣለዎ። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣዝዩ ናይ ጸጸት ስምዒት ተሰምዓኒ: እንተዀነ ግን የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ: ንልበይ ከንብቦ ከም ዝኽእል: ከምኡውን ኵሉ ጻዕረይን ባህገይን ከም ዝፈልጦ ምርድአይ ሓሓሊፉ ምስ ዝደግሰኒ ኣዝየ ንኸይጭነቕ ሓጊዙኒ ኢዩ።” ነቲ ግብረ-ሕቡእ ናይ ምፍጻም ዝንባለ እንተድኣ ተቓሊስካዮ: ከቢድ ሓጢኣት ማለት ምንዝር ኣይክትፍጽምን ኢኻ።
ናይ 1 መስከረም 1959 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ገለጸት:- “ኣብቲ ናይ ቅድም ኣነባብራና ካብቲ ንሕና እነስተብህለሉ ንላዕሊ ሱር ብዝሰደደ ገለ ሕማቕ ኣመል ብዙሕ ሳዕ ንዕንቀፍን ንወድቕን [ንኸውን]። . . . ተስፋ ኣይትቝረጽ። ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ገይርካ ኣይትደምድም። ሰይጣን ከምኡ ገይርካ ክትርዳእ ኢዩ ዝደልየካ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሓዘንን ጓህን ክስምዓካ ንርእሱ ብዙሕ ከም ዘይረሓቕካ ዘርኢ ኢዩ። ብይቕሬታኡ ከጽርየካ ሓገዙ ብምድላይ: ናብ ኣምላኽ ብትሕትናን ብልብን ንምምላስ ፈጺምካ ኣይትሰልኪ። ልክዕ ከምቲ ቘልዓ ኣብ ሽግር ምስ ዝወድቕ ናብ ኣቡኡ ዝቐርብ: ንስኻውን ንሓደ ዓይነት ጕድለት ክሳዕ ክንደይ ደጋግሞ ብዘየገድስ: ናብኡ ቕረብ። የሆዋ ድማ ብምኽንያት እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ሓገዝ ክህበካ ኢዩ: ቅኑዕ እንተድኣ ዄንካ ድማ: ጽሩይ ሕልና ከም ዘሎካ ከም እትግንዘብ ክገብረካ ኢዩ።”
እዚ “ጽሩይ ሕልና” እዚ ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧
[Footnote]
a ኦናን ‘ዘርኡ ናብ ምድሪ ብምኽዓዉ’ ኣምላኽ ቀቲልዎ ኢዩ። እዚ ግን ግብረ-ሕቡእ ዘይኰነስ ነቲ ጾታዊ ርክብ ኰሊፉ ዘርኡ ናብ ምድሪ ብምኽዓዉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኦናን ንሰበይቲ ሓዉ ብምምርዓው ወለዶ ሓዉ ከም ዝቕጽል ንኽገብር ዝነበሮ ሓላፍነት ብስስዐ ብምእባዩ ኢዩ ተቐቲሉ። (ዘፍጥረት 38:1-10) እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 15:16-18 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ምኽዓው ዘርኢኸ’ ከመይ ኢዩ፧ እዚ እውን ንግብረ-ሕቡእ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ እዋን ድቃስ ለይቲ ዘጋጥም ምፍሳስ ዘርኢ ከምኡውን ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ዝገብርዎ ጾታዊ ርክብ ዘመልክት ኢዩ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 25
◻ ግብረ-ሕቡእ እንታይ ኢዩ: ብዛዕብኡ ዘሎ ገለ ግጉይ ሓሳባትከ እንታይ ኢዩ፧
◻ መንእሰያት ዝበዝሕ ግዜ ብርቱዕ ጾታዊ ስምዒት ዝለዓሎም ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ጌጋ ኢዩዶ ምበልካ፧
◻ ነቲ ግብረ-ሕቡእ ንኽትፍጽም ዘሎካ ባህጊ ዘናኽሶ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ግብረ-ሕቡእ ንሓደ መንእሰይ ገለ ጕድኣት ከስዕበሉ ይኽእልዶ፧
◻ ግብረ-ሕቡእ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ከቢድ ሓጢኣት ኰይኑ ዝስመዓካ፧ የሆዋ ንሓደ ግብረ-ሕቡእ ንምቍራጽ ዝቃለስ መንእሰይ: ዋላ እውን ሓድሓደ ግዜ ዝደግሶ እንተዀነ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧
[Blurb on page 200]
ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምስ ዝዀኑ: ወይ እውን ወጥሪ: ጽምዋ ወይ ጭንቀት ምስ ዝስምዖም ግብረ-ሕቡእ ናይ ምፍጻም ስምዒት ይመጾም
[Blurb on page 202]
‘ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ግብረ-ሕቡእ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዘእትዎ ዝነበርኩ ነገራት ኢዩ’
[Blurb on page 204]
“[ግብረ-ሕቡእ] እንተድኣ ፈጺመ ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ዝሰኣንኩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ”
[Picture on page 198]
ግብረ-ሕቡእ ዋላ እኳ ብርቱዕ ናይ ጸጸት ስምዒት ዘስዕብ እንተዀነ: የሆዋ ይቕረ ክብለልካ ብቕንዕና ምጽላይ ከምኡውን ነቲ ተግባር ንምግዳፉ ኣበርቲዕካ ምቅላስ ንሓደ ሰብ ጽሩይ ሕልና ከም ዝህልዎ ክገብር ይኽእል ኢዩ
[Picture on page 203]
ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ፊልምታት: መጻሕፍቲ: ከምኡውን ናይ ቲቪ ፕሮግራማት ዝበዝሕ ግዜ ግብረ-ሕቡእ ከም እትፍጽም ዝገብር ‘መናኸሲ’ ኢዩ