ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lv ገጽ 218-ገጽ 219 ሕ.ጽ. 1
  • ንግብረ-ሕቡእ ምስናፉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንግብረ-ሕቡእ ምስናፉ
  • “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 25 ግብረ-ሕቡእ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንልማድ ግብረ ሕቡእ ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ
  • ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • 26 ግብረ-ሕቡእ ናይ ምፍጻም ስምዒት ብኸመይ ክቃለሶ እኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
lv ገጽ 218-ገጽ 219 ሕ.ጽ. 1

መመላእታ ጽሑፍ

ንግብረ-ሕቡእ ምስናፉ

ግብረ-ሕቡእ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይጥዑይ ልማድ ኪኸውን ከሎ: ርእሰ-ምእኩልን ብልሹውን ኣእምሮ ኸም ዚህሉ ይገብር።a ሓደ ግብረ-ሕቡእ ዚፍጽም ሰብ: ንኻልኦት ሰባት ጾታዊ ዕግበት ንምርካብ ዜገልግሉ መሳርሒ ኸም ዝዀኑ ገይሩ ናብ ምርኣይ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ጾታዊ ርክብ ካብ ፍቕሪ እተፈልየ ይኸውን: ቅጽበታዊ ባህታ ዚፈጥርን ካብ ጾታዊ ውጥረቱ ዚናገፈሉን ገይሩ ኣትሒቱ ይርእዮ። እቲ ዚረኽቦ ምንጋፍ ግን ግዜያዊ ጥራይ እዩ። ከም ሓቂ: ነቲ ኸም “ምንዝር: ርኽሰት: [ዘይግቡእ] ፍትወት ስጋ” ዝኣመሰለ ኣካላቱ ኣብ ክንዲ ዚቐትል: መሊሱ እዩ ዜለዓዕሎ።—ቈሎሴ 3:5

ሃዋርያ ጳውሎስ: “ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ነዘን ቃላት እዚኣተን ንምስዓብ ቃልሲ ዀይኑካ እንተ ኣልዩ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሆዋ ንደገፍ ኰነ “ንይቕሬታ ድልዊ” እዩ። (መዝሙር 86:5፣ ሉቃስ 11:9-13) ዋላ እውን ሳሕቲ እንተ ደገሰካ: እቲ ዚዅንነካ ልብኻን ነቲ ልማድ እቲ ንኽትገድፎ እትገብሮ ጻዕርታትን: ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸም ዘሎካ ዜመልክት እዩ። “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ምዃኑ ኣይትረስዕ። (1 ዮሃንስ 3:20) ኣምላኽ ካብ ሓጢኣትና ንላዕሊ እዩ ዚርኢ፣ ንዅሉ እንታይነትና እውን ይርኢ እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ ምሕረት ኪገብረልና እነቕርቦ ለመና ብድንጋጽ ንኺሰምዓና የኽእሎ። ስለዚ: ከምቲ ኣብ ሽግር ምስ ኣተወ ናብ ኣቦኡ ዚኸይድ ውሉድ: ብትሑትን ልባውን ጸሎት ናብ ኣምላኽ ካብ ምቕራብ ኣይትስነፍ። የሆዋ ንጹህ ሕልና ብምሃብ ኪባርኸካ እዩ። (መዝሙር 51:1-12, 17፣ ኢሳይያስ 1:18) ልክዕ እዩ: ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ። ንኣብነት: ካብ ኵሉ ዓይነት ስእለ-ጽዩፍን ሕማቕ ዕርክነትን ንምርሓቕ ክትጽዕር ኣሎካ።b

ንግብረ-ሕቡእ ከተሰንፎ እንተ ዘይከኣልካ: ንክርስትያን ወላዲኻ ወይ ብመንፈሳዊ ብሱል ንዝዀነ ሓላዪ ፈታዊኻ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንገሮ።c —ምሳሌ 1:8, 9፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14፣ ቲቶስ 2:3-5

a ግብረ-ሕቡእ ንሕፍረታዊ ብልዕቲ ብምድራዝ ዚግበር ኰይኑ: መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጥርዘ-ስምዒት ዜብጽሕ እዩ።

b ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣብ ቤተን ንኣጠቓቕማ ኮምፕዩተር ምእንቲ ኺቈጻጸራኦ ኢለን: ንኮምፕዩተር ኣብ ቃልዕ ቦታ የቐምጣ። ብተወሳኺ: ገሊአን ስድራ ቤታት ዘየድሊ ነገራት ዜጻሪ ሶፍትዌር ዓዲገን እየን። ኰይኑ ግን: ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን ሶፍትዌር የልቦን።

c ንግብረ-ሕቡእ ብዛዕባ እተሰንፈሉ መገዲ ግብራዊ ሓሳባት እንተ ደሊኻ: ኣብታ ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “መንእሰያት ዚሓትዎ . . . ነዚ ልማድ እዚ ብኸመይ አሰንፎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከምኡውን ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን 1ይ ጥራዝ: ኣብ ገጽ 205-11 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ