ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be ገጽ 71-ገጽ 73 ሕ.ጽ. 3
  • ብደብዳበ ጌርካ ሓሳብካ ምምሕልላፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብደብዳበ ጌርካ ሓሳብካ ምምሕልላፍ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብደብዳበ ምስክርነት ምሃብ
  • ብዛዕባ ደብዳበ ዚገልጽ ሓሳባት
  • ግቡእ ስምዒት
  • ንመርኣዪ እትኸውን ደብዳበ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be ገጽ 71-ገጽ 73 ሕ.ጽ. 3

ብደብዳበ ጌርካ ሓሳብካ ምምሕልላፍ

ደብዳበታት ንህይወትን ጠባያትን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣመሓይሹ እዩ። መብዛሕትኡ መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ኣብ መጀመርታ ደብዳበታት እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚውን ንሕና ንሓደስቲ ኣመንቲ ንምህናጽ: ምስ ፈተውትና ርክብ ንምግባር: ነቶም ፍሉይ ሓላፍነት እተሰከሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምትብባዕ: ነቶም ጸገማት ዜሕልፉ ዘለዉ ንምብርታዕ: ከምኡውን ንናይ ጉባኤ ንጥፈታት ንምእላይ ዜድሊ ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ደብዳበታት ክንጽሕፍ ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 1:1-7፣ 5:27፣ 2 ጴጥ. 3:1, 2

ደብዳበ ምጽሓፍ ሓደ ውጽኢታዊ መገዲ ምስክርነት እውን እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ኺዕየ ኣብ ዘይከኣል ልዑል ሓለዋ ዘለዎ ህንጻታትን ሆቴላትን ይነብሩ። ገሊኦም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን እዮም። ስለዚ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና ኣይንረኽቦምን። ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ብቐሊሉ ኽትበጽሖ ወይ ክትኣትዎ ዘይከኣል ቦታታት ይነብሩ።

ሓድሓደ ግዜ: ሕማም: ሕማቕ ኵነታት ኣየር: ወይ ሰዓታት እቶእቶ ኻብ ቤትካ ንኸይትወጽእ ይቕይደካ ይኸውን። ንዘመድካ ወይ ንሓደ ብዘይወግዓዊ መገዲ ዘዘራረብካዮ ሰብ: ተወሳኺ ምስክርነት ንምሃብ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ ምኸኣልካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ዝነበርካ ሰብ እንተ ግዒዙ: መንፈሳዊ ተገዳስነቱ ህያው ኰይኑ ንኪቕጽል ደብዳበ ኽትልእኸሉ ኼድሊ ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ እተመርዓዉ: ዝወለዱ: ወይ ሰቦም ዝሞቶም ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ኸተካፍሎም ትኽእል ትኸውን።

ብደብዳበ ምስክርነት ምሃብ

ንሓደ ቕድሚ ሕጂ ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ ሰብ ብደብዳበ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ: ፈለማ ገዛእ ርእስኻ ኣፋልጥ። ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ወለንተኛ ዄንካ ኸም እትሳተፍ ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ግቡእ ኰይኑ እንተ ተራእዩካ: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ጥቐስ። ብኣካል ኣብ ክንዲ እትበጽሖ: ስለምንታይ ትጽሕፈሉ ኸም ዘለኻ ግለጸሉ። ነቲ ሰብ እቲ ገጽ ንገጽ ትዛረቦ ኸም ዘለኻ ጌርካ ጽሓፍ። እንተዀነ ግን: ምስቲ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ” ዚብል መምርሒ ብምስምማዕ: ብዛዕባኻ ኽንደይ ዚኣክል ሓበሬታ ኸም እትነግሮ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ።—ማቴ. 10:16

ንሓደ ሰብ ብኣካል ክትበጽሖ ኸለኻ እትብሎ ነገራት: ኣብታ ደብዳበኻ ኣእቱ። ካብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ወይ ካብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና መእተዊ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ሕቶ ብምሕታት: ነቲ ሰብ ብዛዕባኡ ንኺሓስብ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት እንምልሰሉ ዋላ ሓንቲ ዘይክፈሎ መደብ ከም ዘሎና ይገልጹ: ድሕሪኡ ኻብቲ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋትና ገለ ኣርእስቲ ምዕራፋት ይጠቕሱ። ምስክርነት ንምሃብ ተባሂላ እተጻሕፈት መርኣዪ እትኸውን ደብዳበ ኣብ ገጽ 73 ኣላ። እዛ ደብዳበ እዚኣ እተወሰነ ሓሳባት እትህበካ እኳ እንተ ዀነት: ትሕዝቶኣ ምቅይያር ግን ጽቡቕ እዩ። እንተ ዘይኰይኑ: ሰባት ድሕሪ ግዜ ተመሳሳሊ ደብዳበ ብተደጋጋሚ ኺበጽሖም እዩ።

ገሊኦም ሰባት ካብ ዘይፈልጥዎ ሰብ እተላእከ ነዊሕ ደብዳበ ኼንብቡ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ: ደብዳበኻ ሓጺር ምግባር ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ተቐባሊ ምንባብ ከይሰልከዮ ኸሎ: ነታ ደብዳበኻ ዛዝማ። ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ዚዕድም ወረቐት ምስታ ደብዳበ ብሓባር ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ምስኣ ኸኣ ትራክት: ብሮሹር: ወይ ሓንቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ኽትሰደሉ እሞ: እንተ ደልዩ ነዚ ጽሑፋት እዚ ብቐጻሊ ኺረኽቦ ኸም ዚኽእል እውን ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ናብ ቤቱ መጺእካ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ተወሳኺ ምይይጥ ክትገብሩ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ደብዳበ ዚገልጽ ሓሳባት

ኣብ ገጽ 73 ዘሎ ስእሊ

ሕጂ ነታ መርኣዪ ደብዳበ ተመልከት። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከኣ ኣስተብህለሉ:- (1) ጽፍፍትን ዘይጋሕመጠትን እያ። (2) እታ ሰታሪት እኳ እንተ ጠፍአት: እቲ ተቐባሊ: ናይቲ ሰዳዲ ስምን ኣድራሻን ኣለዎ። (3) ዕላማ እታ ደብዳበ ኣብታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብቐሊልን ብቐጥታን ተገሊጹ ኣሎ። (4) ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ሓሳብ ነንበይኑ ሕጡብ ጽሑፍ ተዋሂቡዎ ኣሎ። (5) ዕላማ እታ ደብዳበ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣጸሓሕፋኣ ኻብ መጠን ንላዕሊ ዘይወግዓዊት ወይ እምብዛ ወግዓዊት ኣይኰነትን።

ኣብ ከም ሓደ ጸሓፍ ጉባኤ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚጽሕፎ ዝኣመሰለ ዝያዳ ወግዓዊ ደብዳበ: ስም እታ ጉባኤ: ስምን ኣድራሻን እቲ ጸሓፊ: ከምኡውን ዕለት ይጸሓፍ እዩ። ስምን ኣድራሻን እቲ ተቐባሊ ሰብ ወይ ውድብ እውን ይጸሓፍ እዩ። ድሕርዚ ግቡእ ሰላምታ ይቐርብ። ነታ ደብዳበ ንምዝዛም: ኣብ ልዕሊ እቲ ኽታም “ኣኽባሪኻ” ዚብል ቃል ይጸሓፍ እዩ። እቲ ኽታም ድማ ብኢድ ኪጸሓፍ ኣለዎ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ደብዳበ: ግቡእ ፊደላት: ሰዋስው: ስርዓተ ነጥቢ: ከምኡውን ጽፈት ኪህሉ ኣለዎ። ከምዚ ምግባርካ ነታ ደብዳበ ዀነ ነቲ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ኽብደት ይውስኸሉ።

ኣብታ ጶስጣ ወትሩ ምላሽ ዚወሃበሉ ኣድራሻ ጽሓፍ። ብእተኻእለ መጠን ኣድራሻኻ እንተ ዀነ ይምረጽ። ንዘይትፈልጦም ሰባት ብደብዳበ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ: ኣድራሻኻ ምጽሓፍ ጥበባዊ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዑካ: ኣድራሻ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትህብ ዚፍቀደልካ እንተ ዀይኑ ንሽማግለታት ሕተት። ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምጥቃም: እቲ እተላእከ ደብዳበ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከም እተላእከ ኣምሲሉ ምድንጋራት ስለ ዚፈጥር: ነዚ ዓላማ እዚ ኺውዕል የብሉን። ምላሽ ዚወሃበሉ ኣድራሻ እንተ ዘይኣልዩ እሞ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና እውን እንተ ተላኢኹ: እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝለኣኾ ኺመስል ይኽእል እዩ።

ብፍላይ ጽሑፍ እንተ ልኢኽካ: እኹል ቴምብር ከም ዝለጠፍካ ኣረጋግጽ። እኹል ቴምብር እንተ ዘይለጢፍካ: እቲ ተቐባሊ ነቲ ዝተረፈ መጠን ኪኸፍል ኪሕተት ስለ ዚኽእል: እዚ ንርዝነት እቲ መልእኽቲ ኺንክዮ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብሮሹር ወይ መጽሔት ምስ ደብዳበኻ ኽትልእኽ ከለኻ: እቲ ዚልጠፍ ቴምብር ካብቲ ንሓንቲ ደብዳበ ዚልጠፍ ንላዕሊ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

ግቡእ ስምዒት

ደብዳበኻ ምስ ወዳእካ: ትሕዝቶኣ ንምግምጋም እንደገና ኣንብባ። እንታይ ዓይነት ስምዒት እያ እተመሓላልፍ፧ ብምቕሉልን ብሜላን ድያ ተጻሒፋ፧ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ፍቕርን ሕያውነትን ኢና ኸነንጸባርቕ እንጽዕር። (ገላ. 5:22, 23) ኣሉታዊ ስምዒት ተመሓላልፍ እንተ ዀይና: ወይ ተስፋ እተቝርጽ እንተ መሲላ: ነቲ ቓላት ኣዐርዮ።

ደብዳበ ናብቲ ንስኻ ኽትኣትዎ ዘይትኽእል ቦታ ኽትኣቱ ትኽእል እያ። እዚ ነጥቢ እዚ ጥራይ እኳ ንኣገልግሎት ኣገዳሲት ከም እትኸውን ኪገብራ ይኽእል እዩ። ደብዳበ ንዓኻን ነቲ ዝቘምካሉ ዕላማን እትውክል ስለ ዝዀነት: እንታይ ከም እትብል: እንታይ ከም እትመስል: ከምኡውን እንታይ ስምዒት ከም እተመሓላልፍ ሕሰበላ። ንሓንቲ ኽብርቲ ነፍሲ ብመገዲ ህይወት ክትመላለስ ንኽትጅምር: ንኽትበራታዕ: ወይ ንኸተተባብዕ ክትሕግዝ ትኽእል እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ