ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/96 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብደብዳበ ጌርካ ሓሳብካ ምምሕልላፍ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንመርኣዪ እትኸውን ደብዳበ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 11/96 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ናብቶም ኣብ ገዝኦም ክንረኽቦም ዘይከኣልና ሰብ ቤት ደብዳበ ክንጽሕፍ ከሎና እንታይ ኢና ክንዝክር ዝግባእ፧

ንገለ ሰባት ኣባይቶም ክንበጽሕ ከሎና ብእተፈላለየ ምኽንያታት ንምርካቦም ኣጸጋሚ ኰይኑ ንረኽቦ ኣሎና። ገለ ኣስፋሕቲ: ደብዳበ ምጽሓፍ ንኽትበጽሖም ተግባራዊ መገዲ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ምንም እኳ እዚ ገለ ጽቡቕ ፍረ ከምጽእ ዝኽእል እንተዀነ: ዘየድልዩ ጸገማት ንምእላይ ክሕግዙና ዝኽእሉ ገለ መዘኻኸሪታት ከነስተብህለሎም ኣድላዪ ኢዩ።

መልሲ ምእንቲ ክጽሕፉ ኢልካ ናይ ማሕበር ኣድራሻ ኣይትጠቐም። እዚ: ምኽንያት ናይ ዘየድሊ ሽግራትን ዝያዳ ወጻኢታትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ደብዳበ ካብ ኣብያተ ጽሕፈትና ከም እተላእከ ዘምስል ግጉይ ሓበሬታ ዝህብ ኢዩ።

ናይቲ በዓል ቤት ልክዕ ኣድራሻን እኹል መልኣኺ ቴምብርን ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ።

ናብ “ተቐማጢ” ኢልካ ኣድራሻ ኣይትጽሓፍ፣ ንጹር ስም ተጠቐም።

ኣብ ገዛ ዋላ ሓደ ሰብ እንተዘየለ: ደብዳበታት ኣብ ማዕጾ ኣይትግደፍ።

ሓጺር ደብዳበ ዝበለጸ ኢዩ። ነዊሕ መልእኽቲ ንምጽሓፍ ኣብ ክንዲ እትፍትን ትራክት ወይ መጽሔት የእቱ።

ብናይ ጽሕፈት ማኪና እተጻሕፈ ደብዳበ ንኽንበብን ዝያዳ ደስ ዘብል ስምዒት ንኽፈጥርን ቀሊል ኢዩ።

ኣቐዲምካ ነቲ ውልቀ-ሰብ ብብሕቲ ዝመስከርካሉ እንተ ዘይኰይኑ ደብዳበ ከም ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣይቍጸርን ኢዩ።

ቅድም ተገዳስነት ኣርእዩ ንዝነበረ ሰብ ትጽሕፍ እንተድኣ ኣሊኻ: ክረኽበካ ምእንቲ ክኽእል ኣድራሻ ወይ ቍጽሪ ቴሌፎን ክትህቦ ይግብኣካ። ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መደብና ግለጸሉ።

ናብ ኣኼባታት ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ዓድሞ። ኣድራሻን ናይ ኣኼባ ሰዓትን ጽሓፈሉ።

ነቲ ዞባ ምስ ኣረከብካዮ ነቶም ኣብ ገዛ ዘይተረኽቡ ምጽሓፍ ኣይትቐጽል፣ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ዞባ ሒዝዎ ዘሎ ኣስፋሒ ኢዩ ኣብኡ ክዓዪ ሓላፍነት ዘለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ