ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 መጋቢት ገጽ 5
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብደብዳበ ጌርካ ሓሳብካ ምምሕልላፍ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጅምር እትሕግዝ ሓዳስ ጽሕፍቲ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 መጋቢት ገጽ 5

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቀዳማይ ቈረንቶስ ሓንቲ ኻብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ንምትብባዕ ኢሉ ዝጸሓፈን 14 ደብዳበታት እያ። ሓደ ደብዳበ ዚጽሕፍ ሰብ ቃላቱ ብጥንቃቐ ኺመርጽ ኣጋጣሚ ኣለዎ፣ እቲ ደብዳበ ድማ በቲ ተቐባሊ ብተደጋጋሚ ኺንበብ ይኽእል እዩ። ደብዳበታት ንኣዝማድናን ንፈተውትናን ምስክርነት እንህበሉ ጽቡቕ መገዲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ብኣካል ከነዛራርቦም ዘይንኽእል ሰባት ምስክርነት ንምሃብ ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ኣብ ቤቱ ኽንረኽቦ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ኺዕየ ኣብ ዘይከኣል ልዑል ሓለዋ ዘለዎ ህንጻታትን እተሓጽረ ኣባይትን ወይ ኣብ ግሉል ቦታታት ይነብሩ ይዀኑ። ብፍላይ ንሓደ ዘይንፈልጦ ሰብ ደብዳበ ኽንጽሕፍ ከለና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና ገለ ነገራት እንታይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ደብዳበ ይጽሕፍ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ደብዳበኣ እንታይ ከም እትጽሕፍ ትሓስብ

    ብኣካል እንተ እትረኽቦ ኽትዛረቦ እተደሊ ነገር ጽሓፈሉ። ኣብ መእተዊ ደብዳበኻ ርእስኻ ኣፋልጥ፡ ስለምንታይ እዛ ደብዳበ ትጽሕፈሉ ኸም ዘለኻ ድማ ኣነጽር። ሓንቲ ኺሓስበላ ዚኽእል ሕቶ ኽትሓትቶ፡ ብዛዕባኣ እውን ወብ ሳይትና ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ (ኣብዚ ግዜ እዚ ብትግርኛ ኣይርከብን እዩ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ መደብ፡ ወይ ካብቲ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋትና ገለ ኣርእስቲ ምዕራፋት ጥቐስ። ኣብ ውሽጢ እታ ደብዳበ ጽሑፍ፡ ካርድ ኣድራሻ፡ ወረቐት ዕድመ ወይ ድማ ትራክት ከተእትወላ ትኽእል ኢኻ

  • ሓጺር ግበሮ። እቲ ተቐባሊ ምእንቲ ኸይስልክዮ ነታ ደብዳበ ኣይተንወሓያ።—ነታ ኣብ ገጽ 8 ዘላ ንመርኣዪ እተዳለወት ደብዳበ ርአ

  • ጌጋታት ዘይብላን ንንባብ ቀላልን ምእንቲ ኽትከውን ኣንብባ፣ ብዘይካዚ፡ ምሕዝነታዊትን ብሜላ እተጻሕፈትን ኣወንታዊትን ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ገበር እታ ደብዳበ እኹል ቴምብር ግበር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ