ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 35 ገጽ 206-ገጽ 208 ሕ.ጽ. 3
  • ንምጕላሕ ዚግበር ምድግጋም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምጕላሕ ዚግበር ምድግጋም
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 35 ገጽ 206-ገጽ 208 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 35

ንምጕላሕ ዚግበር ምድግጋም

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

እቲ ሰማዕትኻ ኺዝክርዎ እትደልዮም ነጥብታት ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ደጋግሞ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምድግጋም ንምዝካር ኣብ ልዕሊ ምሕጋዙ: ቀንዲ ሓሳባት ንምጕላሕን ሰማዕትኻ ብንጹር ንኺርድእዎን ብውጽኢታዊ መገዲ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

ውጽኢታዊ ኣመሃህራ: ምድግጋም ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኻብ ሓንሳእ ንላዕሊ ምስ ዚደጋገም: እቶም ሰማዕቲ ንኺዝክርዎ ዝሰፍሐ ዕድል ይህልዎም። እቲ ሓሳብ ቍሩብ ብእተፈልየ መገዲ እንተ ተደጊሙ: ብዝነጸረ መገዲ ኺርድእዎ ይኽእሉ ይዀኑ።

ሰማዕትኻ ነቲ ዝበልካዮ እንተ ዘይዘኪሮምዎ: ቃላትካ ነቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ወይ ንኣገባብ ኣነባብራኦም ኣይጸልዎን እዩ። ነቲ ብፍላይ ዘጕላሕካዮ ነጥብታት ይሓስቡሉ ይዀኑ።

እቲ ዓብዪ መምህርና ዝዀነ የሆዋ: ብምድግጋም ዝመጸ ኣርኣያ ይዀነና እዩ። ንህዝቢ እስራኤል ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሂብዎም እዩ። ብኣፈኛኡ መልኣኽ ገይሩ: እቶም ህዝቢ ነዘን ትእዛዛት እዚኣተን ኣብ ከረን ሲና ኸም ዚሰምዕወን ገበረ። ጸኒሑ ንሙሴ ነዘን ትእዛዛት እዚኣተን ብጽሑፍ ሃቦ። (ዘጸ. 20:1-17፣ 31:18፣ ዘዳ. 5:22) ሙሴ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ: እቶም ህዝቢ ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም ነዘን ትእዛዛት እዚኣተን ደገመሎም: ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ድማ ነዚ ኣብ ዘዳግም 5:6-21 መዝገቦ። ሓንቲ ኻብተን ንእስራኤላውያን እተዋህባ ትእዛዛት: ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም: ነፍሶም: ሓይሎም ኬፍቅርዎን ኬገልግልዎን እትእዝዝ ነበረት። እዚኣ እውን ብተደጋጋሚ እያ ተጠቒሳ። (ዘዳ. 6:5፣ 10:12፣ 11:13፣ 30:6) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: የሱስ ከም ዝበሎ “እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።” (ማቴ. 22:34-38) የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ንህዝቢ ይሁዳ ንዅሉ እቲ ዚእዝዞም ዘበለ ምሕላው ክሳዕ ክንደይ ርዝነት ከም ዘለዎ ልዕሊ 20 ሳዕ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ኤር. 7:23፣ 11:4፣ 12:17፣ 19:15) ብህዝቅኤል ኣቢሉ እውን: ልዕሊ 60 ሳዕ: ኣህዛብ ‘ኣነ የሆዋ ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም’ በለ።—ህዝ. 6:10፣ 38:23

ኣብቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ: ብውጽኢታዊ መገዲ ምድግጋም ከም እተጠቕመሉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣርባዕተ ወንጌላት ኣለዋ፣ ነፍሲ ወከፈን ድማ ኣብተን ካልኦት ወንጌላት እተጠቕሰ ኣገዳሲ ፍጻመ ይገልጻ: ግን ከኣ ነዚ ፍጻመታት እዚ ቝሩብ ብእተፈልየ ኣንፈቱ እየን ዚገልጻኦ። የሱስ እውን ኣብ ትምህርቱ: ሓደ ዓይነት መሰረታዊ ነጥቢ ብእተፈላለየ መልክዕ ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ጠቒሱ ኣሎ። (ማር. 9:34-37፣ 10:35-45፣ ዮሃ. 13:2-17) ካብታ ዝሞተላ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ: “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ዚብል ኣገዳሲ ምኽሪ ንምጕላሕ ምድግጋም ተጠቒሙ እዩ።—ማቴ. 24:42፣ 25:13

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። ንሰባት ክትምስክረሎም ከለኻ: ነቲ እትብሎም ኪዝክርዎ ኢኻ እትደሊ። ብውጽኢታዊ መገዲ ምድግጋም: ነቲ ሸቶ እቲ ንምውቃዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እቲ መዘራረቢ ዀይኑ ዘሎ ነገር ምድግጋሙ: ኣብ ኣእምሮ ሰብ ንኪቕረጽ ይሕግዝ እዩ። ስለዚ: ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ: ነቲ ቐንዲ ኽፋሉ ብምሕባርን “ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣስተብሂልካለንዶ፧” ኢልካ ብምሕታትን ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ንዝርርብና እንዛዝመሉ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባት እውን ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: “ካብዚ ዝርርብና ኽትዝክሮ ዝደልየካ ቐንዲ ነጥቢ: . . .” ብምባል: ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ደጊምካ ኽትጠቕሶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ምናልባት “ዕላማ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እዩ። እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ” ዚብል ኪኸውን ይኽእል። ወይ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብር እዩ። ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ንምድሓን: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ክንፈልጥ ኣሎና” ዚብል ኪኸውን ይኽእል። ወይ ከኣ “ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ስድራቤት ዚፍጠር ጸገማት ንምስጋር ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ” ዚብል ይኸውን። ኣብ ገሊኡ መዳያት እቲ ኺዝከር ዘለዎ ነጥቢ ንምጕላሕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ ደጊምካ ኸተንብብ የድልየካ ይኸውን። ልክዕ እዩ: ነዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምግባር ኣቐዲምካ ምሕሳብ ይሓትት እዩ።

ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከምኡውን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምድግጋም ኪበሃል ከሎ: ነቲ ናይ ድግማ ሕቶታት ምሕታት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ምርዳእ ወይ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንተ ኸቢድዎ: ነቲ ርእሰ ነገር ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ኸተበግሶ ትኽእል ኢኻ። ካብ እተፈላለየ ኣንፈት ከተረድኦ ጽዓር። እቲ ምይይጥ ነዊሕ ኪኸውን የብሉን: ኰይኑ ግን ነቲ ተመሃራይ ብዛዕባ እቲ ነገር ንኺሓስበሉ ኼተባብዖ ኣለዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ቐዳማይ ቦታ ናይ ምሓዝ ባህጎም ንኼሰንፍዎ ኺሕግዞም ከሎ: ብተመሳሳሊ መገዲ ደጋጊሙ ኸም ዘጕልሓሎም ዘክር።—ማቴ. 18:1-6፣ 20:20-28፣ ሉቃ. 22:24-27

መደረ ኸተቕርብ ከለኻ። ካብ መድረኽ መደረ እንተ ኣቕሪብካ: ዕላማኻ ሓበሬታ ንምቕራብ ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ሰማዕቲ ኺርድእዎን ኪዝክርዎን ኪዓዩሉን ኢኻ እትደሊ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: ብዚግባእ ደጋጊምካ ኣጕልሓሎም።

ይኹን እምበር: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት እምብዛ እንተ ደጋጊምካሎም: ኣቓልቦ ሰማዕትኻ ኽትስእን ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ኪጐልሕ ዚግባእ ነጥብታት ተጠንቂቕካ ምረጽ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንመደረኻ መሰረት ዝዀነ ቐንዲ ነጥብታት እዩ። እንተዀነ ግን: ንሰማዕትኻ ብፍላይ ዚጠቕሞም ካልእ ሓሳባት እውን ኣብኡ ኸተጠቓልል ትኽእል ኢኻ።

ብምድግጋም ንምጕላሕ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ መእተዊኻ ኽትዝርዝሮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ነቲ እትሽፍኖ ነጥብታት ብሓፈሻዊ መገዲ ብዚሕብር ሓጺር መግለጺታት: ብሕቶታት: ወይ ኪፍታሕ ዘለዎ ጸገማት ብዜበግስ ሓጺር ኣብነታት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ክንደይ ቀንዲ ነጥብታት ከም ዘሎ ኽትጠቅስን ብቝጽሪ ጌርካ ኽትዝርዝሮን ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ኣብቲ ቐንዲ ኣካል መደረኻ ንነፍሲ ወከፍ እዚ ነጥብታት እዚ ግለጾ። ኣብ ቐንዲ ኣካል እቲ መደረኻ ኻብ ሓደ ናብ ካልእ ነጥቢ ቕድሚ ምስጋርካ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ብምድጋም ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። ወይ እቲ ቐንዲ ነጥቢ ብኸመይ ከም ዚዕየየሉ ዚገልጽ ኣብነት ብምጥቃም ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መደምደምታ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ደጊምካ ብምጥቃስ: ንጽጽሮም ብምጕላሕ: ነቲ እተላዕለ ሕቶታት ብምምላስ: ወይ ነቲ እተላዕለ ጸገማት ኣሕጽር ኣቢልካ መፍትሒኡ ብምግላጽ ብዝያዳ ኸተጕልሕ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ምኩር ተዛራባይ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት: ነቶም ሰማዕቱ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ተጠንቂቑ ይዕዘቦም እዩ። ገለ ኻባታቶም ነቲ ሓሳባት ምርዳእ እንተ ኣጸጊምዎም: እቲ ተዛራባይ ይፈልጦ እዩ። እቲ ነጥቢ ኣገዳሲ እንተ ዀይኑ ኸኣ: እንደገና ይገልጾ። ይኹን እምበር: ሕደ ዓይነት ቃላት ምጥቃም ዕላማኡ ንኺወቅዕ ኣይሕግዞን ይኸውን። ንፉዕ መምህር ካብዚ ንላዕሊ ኺገብር ይግባእ። ተዓጻጻፊ ኪኸውን ኣለዎ። ዘይተዳለወሉ ሓሳባት ብሃንደበት ኣብቲ መደረኡ ኼጠቓልል የድልዮ ይኸውን። ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ነገራት ተገንዚብካ ኽትምህሮም ምኽኣልካ: ከም መምህር መጠን ውጽኢታዊ ንኽትከውን ዓብዪ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ።

መዓስ ከም እትገብሮ

  • ኣገዳሲ ነጥቢ ደድሕሪ ምጥቃስካ ወይ ቀንዲ ነጥቢ ደድሕሪ ምግላጽካ።

  • ኣብ መደምደምታ ዝርርብካ ወይ መደረኻ።

  • ሰማዕትኻ ንገለ ቐንዲ ነጥብታት ምርዳእ ከም ዘጸገሞም እንተ ኣስተውዒልካ።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ: ምናልባት መዓልትታት ወይ ሰሙናት እናጸናሕካ ኽትደጋግም የድሊ።

መላመዲ:- (1) ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ዝረኸብካዮ ሰብ እትገብሮ ምይይጥ ክትዛዝም ከለኻ: ካብቲ እተመያየጥኩምሉ ሓሳባት እቲ ሰብ ኪዝክሮ እትደልዮ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ጥራይ ጥቐስ። (2) ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትዛዝም ከለኻ: ካብቲ ምይይጥኩም እቲ ተገዳሲ ኺዝክሮ እትደልዮ ሓደ ወይ ክልተ ቐንዲ ነጥቢ ደጊምካ ጥቐስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ