መጽናዕቲ 49
ብቑዕ መርትዖ ምቕራብ
ሓደ ሓሳብ ክትገልጽ ከለኻ: ሰማዕትኻ “እዚ ሓቂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ተዛራባይ ዚብሎ ዘሎ ንኽንቅበሎ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧” ኢሎም ንኺሓቱ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም። ከም ሓደ መምህር መጠን: ነዚ ሕቶታት እዚ ናይ ምምላስ ወይ ንሰማዕትኻ ነቲ መልስታት ናይ ምሕባር ግዴታ ኣሎካ። እቲ ነጥቢ ወሳኒ እንተ ዀይኑ: ሰማዕትኻ ንኪቕበልዎ ሓያል ምኽንያት ክትህቦም ኣሎካ። እዚ ኸኣ ንኣቀራርባኻ ዜእምን ንምግባር ኣበርክቶ ኣለዎ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ብዜእምን መገዲ የረድኦም ነበረ። ብብቑዕ መርትዖ: ብዚወሓጥ ርትዒ: ከምኡውን ብልባዊ ምሕጽንታ ኣቢሉ: ነቶም ዚዛረቦም ዝነበረ ኣተሓሳስባኦም ኬቐይር ጸዓረ። ንዓና ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና። (ግብ. 18:4፣ 19:8) ልክዕ እዩ: ገሊኦም መደርቲ ንሰባት ጌጋ ነገር ንኪቕበሉ የእምንዎም እዮም። (ማቴ. 27:20፣ ግብ. 14:19፣ ቈሎ. 2:4) እዞም ሰባት እዚኣቶም ብግጉይ ሓሳባት ይጅምሩ: ኣብ ቄናን ምንጭታት ይምርኰሱ: ዕምቈት ዘይብሉ መርትዖ ይጥቀሙ: ምስ ኣረኣእያኦም ዚጋጮ ሓቅታት ዕሽሽ ይብሉ: ወይ ርትዓዊ ዘይኰነስ ስምዒት ዚስሕብ ነገር የቕርቡ ይዀኑ። ንሕና ግን ንዅሉ እዚ ሜላታት እዚ ኸነርሕቖ ኣሎና።
ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ። እቲ እንምህሮ ኻብ ርእስና ኪኸውን የብሉን። ንሰባት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ኸነካፍሎም ንጽዕር ኢና። ኣብዚ ዕዮ እዚ: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜዳልዎ ጽሑፋት ብዙሕ እዩ ሓጊዙና። እዚ ጽሑፋት እዚ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ እዩ ዜተባብዓና። ንሕና እውን ብግዴና ንኻልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼተኵሩ ኢና እነተባብዕ፣ ነዚ እንገብር ከኣ ቅኑዓት ምዃንና ንኸነመስክር ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ባዕላቶም ንኺርእዩ ኻብ ዘሎና ባህጊ እተላዕለ እዩ። ነቲ የሱስ ክርስቶስ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ እተዛረቦ ቓላት ንሰማምዓሉ ኢና። (ዮሃ. 17:17) ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ዚዓቢ ስልጣን ዘለዎ የልቦን። እቲ እነቕርቦ መርትዖ ብቑዕ ንኪኸውን: ኣብ ቃሉ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ።
ሓድሓደ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘይፈልጡ ሰባት ወይ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ምስ ዘይቅበልዎ ሰባት ትዘራረብ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስን ብኸመይን ጥቕሲ ኸም እትጠቅስ ከተመዛዝን ኣሎካ። ኰይኑ ግን: ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ: ናብቲ ምንጪ እቲ ሓበሬታ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኵሩ ንምግባር ክትጽዕር ኣሎካ።
ምስቲ ጕዳይ ዚተሓሓዝ ጥቕሲ ጥራይ ምጥቃስ ሓያል መርትዖ ኪኸውን ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ከይኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጥቕሲ ነቲ ዘቕረብካዮ ሓሳባት ብሓቂ ኸም ዚድግፎ ንምርኣይ ነቲ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከተተኵረሉ ትኽእል ኢኻ። ካብ ሓደ ጥቕሲ ሓደ መሰረታዊ ስርዓት ጥራይ ትወስድ እንተ ኣሊኻ: እቲ ኣብቲ ኸባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከኣ ምስቲ ርእሰ ነገር ዘይትሓሓዝ እንተ ዀይኑ: ተወሳኺ መርትዖ የድልየካ ይኸውን። ንሰማዕትኻ እቲ እትብሎ ዘለኻ ብርግጽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመስረተ ብዜዕግብ ከተእምኖም እንተ ደሊኻ: ነቲ ጕዳይ ዚገልጾ ኻልእ ጥቕስታት ክትጥቀም ኬድልየካ ይኽእል እዩ።
ሓደ ጥቕሲ ኻብ ዚህቦ መርትዖ ንላዕሊ ኣጋኒንካ ኣይተቕርቦ። ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። እቲ ጥቕሲ ምስቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሓፈሻዊ ርእሰ ነገር ይተሓሓዝ ይኸውን። ኰይኑ ግን: መርትዖኻ ዜእምን ንኪኸውን: ሰማዕትኻ እቲ መርትዖ እዩ ዝበልካዮ ነገር ኪርድእዎ ኣለዎም።
ብተወሳኺ መርትዖ እተደገፈ። ኣብ ገሊኡ መዳያት እቲ እትጥቀመሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ርትዓዊ ምዃኑ ንሰባት ንምርዳእ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዜተኣማምን ምንጪ መሪጽካ መርትዖ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
ንኣብነት: ፈጣሪ ኸም ዘሎ መርትዖ ንምቕራብ: ናብቲ ዚርአ ዩኒቨርስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንኸም ስሕበት ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ብምጥቃስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ምህላዉ: ወሃብ ሕጊ ኸም ዘሎ ዚእምት ምዃኑ ኸተረድእ ትኽእል ኢኻ። እቲ እተቕርቦ መረዳእታ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ ዚርከብ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ብቑዕ እዩ ማለት እዩ። (እዮ. 38:31-33፣ መዝ. 19:1፣ 104:24፣ ሮሜ 1:20) ከምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ሓጋዚ እዩ: ከመይሲ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ምስቲ ርኡይ ሓቅታት ዚሰማማዕ ምዃኑ እዩ ዚሕብር።
ንሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኸተረድኦ ትጽዕር ዲኻ ዘለኻ፧ ነዚ ሓሳብ እዚ ዚድግፉ ምሁራት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ፣ ኰይኑ ግን እዚ እኹል መርትዖ ይኸውን ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕስታት ነቶም ነቲ ጥቕሲ እተዛረብዎ ምሁራት ዜኽብርዎም ሰባት ጥራይ እዩ ዚሕግዞም። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ስነ-ፍልጠት ክትጥቀም ትኽእልዶ፧ ርእይቶታት እቶም ዘይፍጹማት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከም ወሳኒ ነገር ጌርካ ኽትጥቀመሉ እንተ ዄንካ: ኣብ ዘየተኣማምን መሰረት ኢኻ እትሃንጽ ዘለኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ብቓል ኣምላኽ እንተ ጀሚርካን ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕ ርኽበታት ስነ-ፍልጠት እንተ ጠቒስካን: መርትዖኻ ኣብ ድልዱል መሰረት እዩ ዚስረት።
ከተረጋግጾ እትጽዕር ነገር ብዘየገድስ: እኹል መርትዖ ኣቕርብ። መጠን እቲ ዜድሊ መርትዖ: ኣብቶም ሰማዕትኻ እዩ ዚምርኰስ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ተገሊጹ ዘሎ ዳሕሮት መዓልትታት ትገልጽ እንተ ኣሊኻ: ሰባት “ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዜብሎም” ምዃኖም ዜርኢ ኻብ ዜና ዝረኸብካዮ ፍሉጥ ነገር ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ እኳ: እዚ እተጠቕሰ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ኣብዚ ግዜና ይፍጸም ከም ዘሎ መርትዖ ንምቕራብ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣገዳሲ ሓባራዊ መዳያት ዘለዎ ኽልተ ነገራት ብምንጽጻር ምግላጽ: ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ምንጽጻር ንባዕሉ ንሓደ ጕዳይ መርትዖ ኣይከውንን እዩ፣ ብቕዓቱ ንምምስካር ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺርአአ ኣለዎ። ኰይኑ ግን: እቲ ምንጽጻር ንሰባት ርትዓውነት ሓደ ሓሳብ ንኺግንዘቡ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገልጽ ከለኻ: ልክዕ ከም ሰብኣውያን መንግስትታት ገዛእቲ: ተገዛእቲ: ሕግታት: ስርዓተ ፍርዲ: ከምኡውን ስርዓተ ትምህርቲ ኸም ዘለዋ ኽትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ህይወት ዜጋጥም ናይ ሓቂ ተመክሮታት: ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጥበባዊ ምዃኑ ንምሕባር ኬገልግል ይኽእል እዩ። ብሕታዊ ተመክሮታት ነቲ እተዛረብካዮ ሓሳባት ንምድጋፍ ኬገልግል ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንሓደ ሰብ ኣገዳስነት ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ክትሕብሮ ኸለኻ: ከምኡ ምግባርካ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ ንኼተባብዕ ኢሉ: ነቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ተኣምራዊ ምልዋጥ ክርስቶስ ነገሮም። (2 ጴጥ. 1:16-18) ጳውሎስ እውን ናይ ርእሱ ተመክሮታት ገሊጹ እዩ። (2 ቈረ. 1:8-10፣ 12:7-9) ልክዕ እዩ: ናብ ርእስኻ ዘየድሊ ቘላሕታ ምእንቲ ኸይትስሕብ: ብሕታዊ ተመክሮታትካ ሓሓሊፍካ ኢኻ ኽትጥቀመሉ ዘሎካ።
ሰባት እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ኣተሓሳስባን ስለ ዘለዎም: ንሓደ ሰብ ዜእምኖ መርትዖ ንኻልእ ከየዕግቦ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣየናይ መርትዖ ኸም እትጥቀምን ብኸመይ ከም እተቕርቦን ክትውስን ከለኻ: ንኣረኣእያ እቶም ሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ምሳሌ 16:23 “ለባም ሰብ ብምስትውዓል ይዛረብ፥ ዘረባኡ ድማ ይመስጠካ” ትብል።—ትርጕም 1990