ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 2 ገጽ 6-7
  • ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክፍሊ 2
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • መን ፈጠረካ?
    ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 2 ገጽ 6-7

ክፍሊ 2

ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧

የሆዋ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ናብ ሰማያውያንን ምድራውያንን ፍጥረታቱ ይጥምት

ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ስሙ ኸኣ የሆዋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ይብል። (መዝሙር 83:18) ኣምላኽ፡ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ንሱ የፍቅረና እዩ፣ ንሕና ኸነፍቅሮ እውን ይደልየና እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ከነፍቅሮም ይደልየና እዩ። (ማቴዎስ 22:35-40) ካብ ኵሉ ዝለዓለን ፈጣሪ ዅሉን እዩ።

እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ናይ መጀመርታ ፍጥረት፡ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ ግዜ፡ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። የሆዋ ንመላእኽቲ እውን ፈጢሩ እዩ።

የሆዋ ኣብ ሰማይን . . . ኣብ ምድርን ንዘሎ ዅሉ ፈጠረ። ራእይ 4:11

የሆዋ ኣምላኽ፡ ከዋኽብትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ነገራትን ፈጠረ።—ዘፍጥረት 1:1።

ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ።—ዘፍጥረት 2:7።

  • ንየሆዋ ኸነኽብሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧—ኢሳይያስ 42:5።

  • እተወሰነ ባህርያት ኣምላኽ ክትጠቅስ ትኽእልዶ፧—ዘጸኣት 34:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ