ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 12 ገጽ 26-27
  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ብትብዓት ምሉእ ምስክርነት ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 12 ገጽ 26-27
ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ይዛረቦ

ትምህርቲ 12

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ

ንኣኮኡ ኻብ ሞት ብዛዕባ ዘድሓነ ወዲ እስከ ንምሃር። ኣኮ እቲ ወዲ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነበረ። ስም እቲ ወዲ ኣይንፈልጦን ኢና፣ ብትብዓት እንታይ ከም ዝገበረ ግና ንፈልጥ ኢና። እንታይ ከም ዝገበረ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧—

ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ተኣሲሩ ነበረ። ብዛዕባ የሱስ ስለ ዝሰበኸ እዩ ተኣሲሩ ዝነበረ። ገሊኦም ክፉኣት ሰባት ከኣ ንጳውሎስ ስለ ዝጸልእዎ፡ ክፉእ ሓሰቡ። ‘እቲ ሓለቓ ሽሕ ንጳውሎስ ናብ ቤት ፍርዲ ኼምጽኦ ንሕተቶ። ንሕና ድማ ኣብ መገዲ ተሓቢእና ጸኒሕና፡ ጳውሎስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ክንቀትሎ ኢና!’ በሉ።

እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ወዲ ሓብቱ ወረ ይሰምዕ

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ፡ ንጳውሎስን ነቲ ሓለቓ ሽሕን ብዛዕባ እቲ ኽፉእ ሓሳብ ነገሮም

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ድማ ብዛዕባ እቲ ሓሳቦም ሰምዐ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸደ፣ ንጳውሎስ ከኣ ነገሮ። ብኡብኡ፡ ጳውሎስ፡ ‘እዚ ሓሳቦም ንሓለቓ ሽሕ ንገሮ’ በሎ። ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ምንጋር ከቢድዎ ዝነበረዶ ይመስለካ፧— እወ፣ ከመይሲ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ ክቡር ሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ፣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ነገሮ።

እቲ ሓለቓ ሽሕ እንታይ ከም ዚገብር ይፈልጥ ነበረ። ንጳውሎስ ኪከላኸለሉ ኢሉ ድማ፡ ዳርጋ 500 ወተሃደራት ኣዳለወ! በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንጳውሎስ ናብ ቂሳርያ ኺወስድዎ ኣዘዞም። እሞኸ ህይወት ጳውሎስ ድሒናዶ፧— እወ፡ እቶም ክፉኣት ሰባት ኬጥቅዕዎ ኣይከኣሉን! እቲ ኽፉእ ሓሳቦም ፈሸለ።

ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ትምሃር፧— ንስኻ እውን ከም ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣብ እንዛረበሉ እዋን፡ ተባዓት ክንከውን ኣሎና። ንስኻኸ ተቢዕካ ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረብ ዲኻ፧— ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ህይወት ሰብ ከተድሕን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • ግብሪ ሃዋርያት 23:12-24

  • ማቴዎስ 24:14፣ 28:18-20

  • 1 ጢሞቴዎስ 4:16

ሕቶታት፦

  • ገሊኦም ክፉኣት ሰባት ንጳውሎስ እንታይ ኪገብርዎ እዮም ዝሓሰቡ፧

  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧ ከምኡ ንምግባር ትብዓት ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

  • ከም ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ